banner

ግጥሚ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
              ግጥሚ
ስማዕ ኢኻ ስማዕ ንኡስ ተመሃሪ፤
ሎሚ ትኸውን እሞ ናይ ፊደል ቈጻሪ፤
ንዳኅራዩ ትድይብ ናብ ዓቢይ ክብሪ፤
ኣምላኽ ዚህበካ ባዕሉ እቲ ፈጣሪ።

ፊደል ሀሁ እዩ መሠረት ንዅሉ፤

ዓቢይን ንኡስን ኣፉ ዚኸፍተሉ፤
መጻሕፍቲ ዚኸውን ፊደላት ጠቕሊሉ፤
ዘይ ካብ ፊደል እዩ መሠረቱ ኃይሉ።

ሀሁ ዘይተማህረ ብንኡሱ እንከሎ፤
ንዳኅራይ ጊዜ ብኣጋኡ ይዝንብሎ፤
ሀሁ ኢሉ ሎሚ ዘይተማህረ ፤
ምስ ዓበየ ትሕቲ ሰብ ኃደረ።

ንፊደል ተጊሁ ዘይመሃር ቈልዓ፤
ንሓዋሩ ዘበን ንእንጌራ ነይበልዓ፤

ቀጥ ኣቢልኩም ሎሚ ፊደል ተመሃሩ፤
ምስ ዓቤኹም ልዕሊ ሰብ ክትኃድሩ።
ንወለድኹም ተኣዘዙ ኣኽብሩ ፤
ኣብዚ ምድሪ ንነዊኅ ክትነብሩ።

ናይ ትምህርቲ ጸባ ተጊህኩም ስተዩ፤
ብእኡ ጌርኩም ናብ ድኅነት ክትዓብዩ።

“ወኩኑ ከመ እለ ይእዜ ተወልዱ ሕፃናት፤
“ወአፍቅሩ ሐለበ ነባቤ ዘአልቦ ቱስሕት ከመ፤
ቦቱ ትልሀቁ ለድኂን (1ይ ጴጥ. 2፡20)
ሕጂ ከምዝተወልዱ ሕፃናት ኵኑ፤
ለባዊ ዝገብር ጸባ’ውን ፍተዉ፤
ብእኡ ጌርኩም ንድኅነት ክትዓብዩ ኢኹም።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!
ምንጪ፦ መጽሓፍ፦“ ናይ ፊደላትና ምርመራን ሓዲስ ኣማህራን” ብኣባ ገብረ ኢየሱስ ኃይሉ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195