banner

ክብረ በዓል አቡነ መርቆሬዎስ ጻድቅ፡ 16 ታኅሣሥ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ክብረ በዓል አቡነ መርቆሬዎስ ጻድቅ፡ 16 ታኅሣሥ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ብፍላይ ኣብቲ ብስሞም ዝጽዋዕ ገዳሞም ደብረ ድማኅ ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና አማኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓንሰባን፡ ኣበምኔት ገዳማት፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ተባዒሉ።

ልዕሊ 50 ዝኾኑ ሊቃውንት መዘምራን ብድሮ ካብ ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ. – 5፡00 ድ.ቀ. ብዋዜማ ቅኔን ሥላሴን ዝተሰነየ ስብሐተ እግዚአብሔር ክበጽሕ ከሎ፡ ቀጺሉ ድኅሪ ዋዜማ ካብ ሰዓት 6፡00 ድ.ቀ. ምሸት ክሳብ ማኅሌት ዝጅምር ገድሊ ኣቡነ መርቆሬዎስ ብሰበኽቲ ወንጌል መሪጌታ ኣብርሃምን መሪጌታ ስምዖንን ንምእመናንን ምእመናትን ተነጊሩ።

ምሸት ካብ ሰዓት 8፡00 ድ.ቀ. ጀሚሮም ክሳዕ 5፡30 ቅ.ቀ. ኸኣ ካብ መልክዐ ኢየሱስ፡ መልክዐ መርቆሬዎስ ኸምኡ’ውን መዝሙር ሰንበት ልቢ ብዝምስጥ፡ ጣዕመ ዜማ ስብሐተ ማኅሌት ዘሌሊት በጺሑ። ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ብድጋም ዳዊትን ጸሎት ውዳሴ ማርያምን ኣቡነ ዘበሰማያትን ምህለላን ነቒሖም ኃዲሮም።

ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡ ታቦት ካብ መንበር ክብሩ ወፂኡ ንቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ጊዜ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆይሙ። በዚ ጊዜ’ዚ ሊቃውንት መዘምራን ንገባሬ ተኣምራት ኣቡነ መርቆሬዎስ ዝገልጽ ‘ኣዝዛ መርቆሬዎስ ኢትዕርበነ ለዘመን ፀሐየ’ እናበሉ ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ፡ ነቲ በዓል ዝምልከት ኣስተምህሮ ብተ/ኃላፊ ክፍሊ ስብከተ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መሪጌታ ስምዖን በየነ ተዋሂቡ። መሪጌታ ስምዖን በየነ ኣብ ትምህርቶም፦‘ብመጀመርታ መንግሥቱን ጽድቁን ድለዩ ፡ ብድኅሪኡ ኵሉ ክውሰኸልኩም እዩ’ ዝብል ኣምላኻዊ ቃል መሠረት ገይሮም ጻድቅ ኣቡነ መርቆሮዎስ ጣዕመ ዓለም ንዒቆም፡ ብስብከተ ወንጌልን መንፈሳዊ ገድልን ንእግዚአብሔር ኣሥሚሮም ዓሪፎም። እግዚአብሔር ድማ ኣብ ሰማያት ርስቲ ሕይወት ከረስትዮም ከሎ፡ ኣብዚ ምድሪ ድማ በቲ ገባሬ ተኣምራት ጸበሎም ኣብ ልቢ ሕዝበ ክርስቲያን ሞጐስ ኣውሂብዎም ኣሎ። ስለዚ ንሕና’ውን ኣሰር’ዞም ኣቦታት ክንስዕብ ይግብኣና’ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ብወገኖም ‘ኵልና ንጸሎት ንትጋህ’ ዝብል ቃለ ምዕዳምን ምስ ሃቡ፡ እቲ በዓል ብምህለላን ጸሎትን ተፈጺሙ። 

ኵሉ’ቲ ናይዚ በዓል ተሳተፊ ዝኾነ ድማ ጸበሎም ተለኽዩ፡ ጸሎቱ ኣብጺሑን መብፅዓ ኣትዩን ነናብ ቤቱ ብበረኸት ተፋንዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195