banner

በዓለ ብሥራት - ‘ብሥራተ ገብርኤል መልአክ’

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

በዓለ ብሥራት - ‘ብሥራተ ገብርኤል መልአክ’

ብሥራት፡- ካብ “አብሠረ” ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ ኾይኑ ኣበሠረ፡ ዘሐጕስ ተዛረበ ማለት እዩ። ክልተ ዓይነት ብሥራት ኪህሉ ኸሎ፦ እቲ ቐዳማይ ‘ነገር ምስ ተፈጸመ’ ዚንገር እዩ፣ እቲ ኻልኣይ ድማ ‘ነገር ቅድሚ ምፍጻሙ’ ዚንገር ትንቢታዊ ብሥራት እዩ።

• ኣብ ደቂ ሰባት፦ ዝጠፍአ ምስ ዝርከብ፡ ዝገሸ ብሰላም ምስ ዝምለስ፡ ጽንስቲ ብሰላም ምስ እትገላገል . . . እቲ ኣቐዲሙ ዝሰምዐ ሰብ ንኻልእ ዝነግሮ ዘሐጕስ ዘረባ “ብሥራት” ይበሃል እዩ።


• ካብ እግዚአብሔር ዝንገር ብሥራት’ውን ኣሎ። ልደተ ይስሐቅ ብብሥራተ እግዚአብሔር እዩ። ንኣቦና ኣብርሃም፦ “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ብርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሣራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” ዝብል ብሥራት ምስ ተነግሮ፡ እታ ኣሪጋ ዝነበረት ሣራ በቲ ብሥራት ተጠራጠረት። እንተኾነ ግና እቲ ብሥራት ኣብ ጊዜኡ ተፈጸመ። ዘፍ. 18፡10።
• በቶም ካብ እግዚአብሔር ናብ ሰባት ዝለኣኹ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝንገር ብሥራት’ውን ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ንልደተ ሕፃናት ዝምልከት ብቕዱስ ገብርኤል ዝተነግሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ኣለዉ።
ንምሳሌ፦ * ሶምሶን ዝተወልደ ብብሥራተ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ እዩ።
*ከምኡ’ውን ንካህን ዘካርያስ፦ ‘“ዘካርያስ! ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ ኣይትፍራህ፡ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙ’ውን ዮሓንስ ኢልካ ኽትሰምዮ ኢኻ። ንሱ ፍጹም ሓጐስን ኪኾነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙኃት ኪሕጐሱ እዮም።” ሉቃ. 1፡13-15 ኢሉ ልደተ ዮሓንስ ዘብሠሮ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ እዩ።
እዚ ልደተ ሶምሶንን ልደተ ዮሓንስን ዝተነግረ ብሥራተ መልኣኽ ነቶም መኻናት ዝነበሩ ወለዲ ድርብ ሓጐስ እዩ። ኣብ ርእሲ’ቲ ብመካንነት ምውላድ፡ እቲ ዝተወልደ ድማ ቡሩኽ ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ኪኸውን ከሎ ንሓጐስካ ሓጐስ ዚውስኽ እዩ።

• ካብዚ ዝተፈልየን ዘደንቕን ብሥራት ግና ኣብ ናዝሬት ዘገሊላ ንዝነበረት ቅድስት ድንግል ዝተነግረ ብሥራት እዩ።
1. ዋላ እኳ ካህን ዘካርያስን ቅድስት ኤልሳቤጥን ብሰንኪ እርጋን ዝወልድሉ ዘመን ኃሊፍዎም እንተ ነበረ፡ ብዘርኢ ብሩካቤ ሰበይቲ ካብ ሰብኣይ ክትወልድ ግና ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ስለዝኾነ ብዙኅ ዝገርም ኣይኮነን።
ንቕድስት ድንግል ዝተነግረ ብሥራት ግና ጓል 15 ዓመት ከላ ዘእንበለ ዘርአ ብእሲ ብድንግልና ንኣምላኽ ከም እትወልድ እዩ። እዚ ዕፁብ ድንቂ ኢልካ ጥራሕ ዝግደፍ ልዕሊ ሕሊና እዩ።
2. ካህን ዘካርያስ፦ ውላድ ኪህቦ ናብ እግዚአብሔር ይጽሊ ነበረ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ድንግል በሕሊናሃ ወድንግል በሥጋሃ ስለዝኾነት ከምዚ ዓይነት ጸሎት ኣይነበራን። መጽሓፈ ትንቢት ኢሳይያስ ከተንብብ ከላ ‘ እንሆ ድንግል ክትጸንስ እያ፡ ወዲ’ውን ክትወልድ እያ’ ኣብ ዝብል ንባብ ምስ በጽሐት፡ ኣብ ዘመን ናይዛ ድንግል’ዚኣ በጺሐስ ከገልግላ ደኣ በለት እምበር ኣነ እንተ ዝኸውን ኣይበለትን።
3. ካህን ዘካርያስ ነቲ ዘብሥሮ ዝነበረ መልኣኽ፡ “ኣነ ሸምጊለ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ መዋዕላ ኃሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ነገር እዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ድማ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ቆይመ ዘገልግል ገብርኤል እየ። ናባኻ ዝተለኣኽኩ ድማ ነዚ ነገራት እዚ ክዛረበካን ከበሥረካን እየ። እንሆ ኸኣ ነቲ ብጊዜኡ ዚፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ ክሳዕ እዚ ነገር እዚ ዚፍጸመሉ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብ’ውን ክትስእን ኢኻ።” ኢሉ ገሠፆ። በዚ ኸኣ ካህን ዘካርያስ፡ ዮሓንስ ክሳዕ ዚውለድ ዓባስ ኮነ።
ንቕድስት ድንግል ማርያም ግና “ሰላም ንኣኺ ኦ ምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ፡ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርክቲ ኢኺ . . . እንሆ ክትጸንሲ ወዲ’ውን ክትወልዲ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትሰምዪዮ ኢኺ።” ዝብል ቃል ብሥራት ምስ ሰምዐት “ኣነ ድንግል እየ፡ እዚ ነገር እዚ ኸመይ ኢሉ ኺኸውን ይኽእል፧ . . . እም አይቴ ረከብከ ዘከመዝ ብሥራተ እንበለ ዘርእ እምድር እትወተ፡ ወዘእንበለ ምት እምድንግል ጽንሰተ/ ብዘይ ዘርኢ ካብ ምድሪ እቶት፡ ብዘይ ሰብኣይ ካብ ድንግል ጽንሰት፡ ከመዚ ዝበለ ብሥራት ካበይ ረኸብካ፧” (ድጓ ያሬድ) በለቶ። እቲ መልኣኽ ኸኣ “ንእግዚአብሔር ዚሰኣኖ ነገር የልቦን” ብምባል ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ከም እትወልድ ምስ ነገራ “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር እየ፡ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነኒ” ኢላ ነቲ ብሥራቱ ብእምነት ተቐበለቶ። ነዚ ቓላ ምኽንያት ገይሩ ድማ ኣካላዊ ቓል በአጽባዕተ መንፈስ ቅዱስ ብሥጋ ኣብ ማሕፀና ተቐርጸ። ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ተዋሐደ። ካብ ክልተ ባሕርይ ሓደ ባሕርይ፡ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ኮነ።
እዚ ብሥራተ ገብርኤል መልኣኽ ንእግዝእትነ ማርያም ብዕለተ ሰንበት 29 መጋቢት እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ዓቢይ ጾም ስለ ዝውዕል፡ ብዓቢይ ሓጐስን ክብርን ምእንቲ ክበዓል ተባሂሉ ዕለት 22 ታኅሣሥ፡ ሸሞንተ መዓልቲ ቅድሚ በዓለ ልደት ክበዓል ተሠሪዑ።

ፈትለ ወርቅ ወፈትለ ሜላት አመ በአፅባዕትኪ ተባየጹ፤
አምሳለ መለኮት ወትስብእት እንዘ ኢየሐፁ፤
ተአምረ ብርሃን ማርያም ለፀሐየ ጽድቅ አንቀጹ፤
ጸገይኪዮ እንበለ አብ በሰሚዐ ቃሉ ወድምፁ፤
ለገብርኤል መልአክኪ ዘፍሡሕ ገጹ።
(ማኅሌተ ጽጌ)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195