banner

“ኅሩይ እም ከርሠ እሙ - ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ፀሐይ”

“ኅሩይ እም ከርሠ እሙ - ጻድቅ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ፀሐይ”
ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ብኣማላድነትን ተራዳእነትን ጻድቕ ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት እናተማኅፅነት ዕለታዊ፡ ወርኅዊ ዕለት 24 ከምኡ’ውን ብድሙቕ ሥነ ሥርዓትን ሰፊሕ መርሐ ግብርን ዓመታዊ 24 ታኅሣሥ፡ 24 ነሐሴ . . . ተኽብር። ብፍላይ ኣብ 24 ታኅሣሥ፡ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኽበር እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ደብረ ፀሓይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኃዝኃዝ ግና ብፁዓን ጳጳሳትን ገዳማውያንን፡ ብዙኃን ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ከምዝበዓል ዝተፈልጠ እዩ። እንሆ ድማ ሎሚ ዓመት 2009 ዓ.ም.’ውን ካብ ዋዜማ (1፡00 ድ.ቀ.) ክሳዕ ዕለቱ (3፡00 ድ.ቀ.) ብያሬዳዊ ዜማን ውዳሴን ቅዳሴን ‘ኦ ኣቦና ተክለ ሃይማኖት ናብ እግዚአብሔር ጸሊኻ ምሕረትን ሥርየት ኃጢኣትን ኣውህበና . . .’ዝመልእኽቱ ጸሎት ቀሪቡ።

ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን፣ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ማእከልን ኣብ ዝተሳተፍሉ ኸኣ፦ ዝግባእ ስብሐተ እግዚአብሔር ክበጽሕን ስብከተ ወንጌል ክወሃብን ከሎ፡ ዑደተ ታቦት ተኻይዱን ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑን ውዒሉ።

ከምዝፍለጥ 24 ታኅሣሥ፡ ጻድቕ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣቦኦም ካህን ጸጋዘአብን ኣደኦም እግዚእኃረያን ብ24 መጋቢት ተጸኒሶም ዝተወልድሉ ዕለት እዩ። ‘ኅሩይ እምከርሠ እሙ’ ስለዝኾኑ ኸኣ ካብ ዝውለዱ ኣብ ሣልሳይ መዓልቶም፡ ‘አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ’ ኢሎም ኣመስጊኖም። ድኅሪ ናይ ነዊኅ ዓመታት ጽኑዕ ተጋድሎ ድማ ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ኣብ 24 ነሐሴ ከም ዝዓረፉ መጽሓፈ ገድሎም ይገልጽ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195