banner

ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት 2009 ዓ.ም.

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
          ዕለት፦ 29 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም.ግ
                              7  ጥሪ 2017 ዓ.ም.ፈ.
ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት  audioiconn
“ ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ብርሃን ዓቢይ ሠረቀ ላዕሌሆሙ/

እቲ ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፣ ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም” (ኢሳ. 9፡2)

ኣብ ቀረባ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ ርሑቕ ወፃኢ ሃገራትን ዘለኹም ክቡራን ሕዝበ እግዚአብሔር፣ ከምኡ’ውን ብሓፈሻ ኵልኹም ደቂ ሃገር እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደት ጐይታናን ኣምላኽና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብጽሓና!

ኣብ ዘመነ ብሉይ፡ ካብ ኣዳምን ሔዋንን ጀሚሩ ንኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዓመት ኵሉ ሰብ ንጸልማት ኃጢኣት ክስዕር ዘይክእል ማኅደር ጸልማት ኮይኑ ኣብ ጸልማት ሕይወትን መግዛእቲ ሞትን ይነብር ነበረ። (ሮሜ 5፡14) እንተኾነ ግና መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር፡ ኣዳምን ደቁን ኣብ ጸልማት ሕይወት ወዲቖም ንኸይተርፉ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ከምዘድኅኖም ኣተስፈዎም።
በዚ ተስፋ’ዚ ኸኣ ቀዳሞት አበውን፡ ሀብተ ትንቢት ዝተዋህቦም ቅዱሳን ነቢያትን ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ፡ ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን እግዚአብሔር ወልድ “ተገለጽ፡ ውረድ፡ ተወለድ” እናበሉ ብተስፋ ይጽበዩ ነበሩ። እንሆ ድማ ነታ ኣብ ጸልማት ኃጢኣትን ጽላሎት ሞት ክሕደትን ዝነበረት ዓለም ንምብራህ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ብርሃን ዓለም ንምዃን ፍጹም ሰብ ኮይኑ ተወልደ።

በዚ ልደቱ ኸኣ እግዚአብሔርን ሰብን ፡ ሰብን መላእክትን ፡ ሕዝብን ኣሕዛብን ፡ ሥጋን ነፍስን ዝተዓረቑሉ ፡ ብሥራት ድኅነት ዝተኣወጀሉ፡ ‘ስብሓት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥመረቱ ለሰብእ’ እናበሉ ሰብን መላእኽትን ብሓድነት ዘመስገንሉ እዩ። ከምኡ’ውን እቶም ብኮከብ እናተመርሑ ብወገን ምሥራቕ ዝመጽኡ ሰብአ ሰገል ንኣምላኽነቱ ዝግባእ ሰጊዶም ወርቂ፡ ዕጣንን ከርቤን ገጸ በረኸት ዝሃብሉ እዩ።

ብሓፈሻ እዚ ዕለት’ዚ ካብ እግዚአብሔር ርሒቖም ኣብ ጸልማት ኃጢኣት ዝነበሩ ሕዝብን ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ክሕደት ዝነበሩ ኣሕዛብን ብርሃን ክርስቶስ ንምርኣይ ዘበቕዕሉ በዓለ ልደት በዓል ሓጐስን ተድላን ፡ በዓል ፍቕርን ሰላምን ፡ በዓል ሓድነትን ሥምረትን እዩ።(ሉቃ ምዕራፍ ፪ ቁጽሪ ፲፬)

ስለዚ ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚአብሔር እግዚአብሔር ኣምላኽና ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ንምግላጽ ሥጋ ተዋሒዱ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ብርሃንና መሊስልና፡ ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ክንከውን ከምኡ ድማ ኣብ ብርሃን ክንነብር ጸጋ ሂብና እዩ እሞ ንሓድሕድና ብምፍቃር ንጽገማት ወገናትን ብሕጋዝ ንዝዓረቑ ብምኽዳን ንዚጠመዩ ብምዕንጋል ንዝሓመሙ ብምብጻሕ በዓልና እና ኣብዓልና ትእዛዛቱ ክንፍጽም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ትብል።።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ብዓይኒ ምሕረቱ ጠሚቱና በደልናን ኣበሳናን ከይጸብጸበ ንሃገርና ሰላምን ርግኣትን ሂቡ ብጥሉል ክራማትን ብርኩት ቀውዕን ኣሰንዩ ናብዚ ዘብጻሓና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።
ልዑል እግዚአብሔር ርሑስ በዓል ልደት ይግበረልና!

በዚ ክቡር በዓለ ልደቱ ንቤተ ክርስቲያንና ብሃይማኖት የጽንዓልና፣
ንሃገርና ኤርትራ ብረድኤት ይባርኸልና፣
ንሰበ ሥልጣንና ጥበብን ምስትውዓልን፡ ከምኡ’ውን ነቶም ኣብ ሓለዋን ሕንፀትን ሃገር ንዘለዉ ኃይሊ ይዓድለልና፣
ንዅሎም ኣብ ሕማምን መከራን ዘለዉ ወገናትና ፍጹም ትዕግሥትን ጽንዓትን ይሃበልና፡
ብሓፈሻ ንሕዝብናን ንዅሉ ዓለምን ሰላሙ ከብዝኃልና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!
                               

                                   ብፁዕ አቡነ ሉቃስ
                             ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ
                    ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ !!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195