banner

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ 28 ኅዳር - 28 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም.ግ. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓዋርያዊ ዑደቱ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ 28 ኅዳር - 28 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም.ግ. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓዋርያዊ ዑደቱ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ!

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ምብጻሕ ሥራሕ ክፍጽም ከሎ ኣብ ብዙኅ ጉባኤያት’ውን ተሳቲፉ።
ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ዝተሳተፎ ኣብ ሓድሽ ሕንፃ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሥርዓተ ባርኾትን ቅብኣትን ተፈጺሙ። ከምኡ’ውን ዓሠርተው ሠለስተ ተመሃሮ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤልን ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ሎንደንን ብመዓርገ ዲቁና ተሠይሞም።


ብዕለት 22 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም. (31/12/2016) ኸኣ ቀዳማይን መሥራትን ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ እትርከብ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ተኻይዱ። ኣብዚ ዓቢይ ጉባኤ’ዚ ካብ ኵለን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተማእኪለን ኣገልግሎት ዝህባ ኣስታት ዕስራን ኣርባዕተን ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ዝተሳተፍዎ ታሪኻዊ መሥራቲ ጉባኤ ኮይኑ፣ ብልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ እናተመርሐ እዩ ተቃኒዑ።

ብመሠረት ኣቐዲሙ ዝተሠርዐ መርሓ ግብሪ፣ ጉባኤ ብጸሎት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ምስ ተኸፍተ፡ ናይ ዕለት ወንጌል ተነቢቡ። ብምቕጻል ሥርዓትን ምልኣትን ጉባኤ ድኅሪ ምርግጋጽ፣ ሾመንተ ንኡስ ኣርእስቲ ዘለዎ መምርሒ ቅዱስ ሲኖዶስ ተነቢቡ። ኣብዚ መምርሒ’ዚ ብዛዕባ ማእከልነት ቅዱስ ሲኖዶስን፣ ሕጊ ቃለ አዋዲን፣ ጕዳይ ማእከልነት ቅዱስ ታቦት፣ ማዕረገ ክህነትን ዲቁናን ካብ ካልኦት ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን ምቕባል፣ ብንስሓ ዝምለሱ ኣገልገልትን ምእመናን ቤተ ክርስቲያን፣ ምቋም ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያ፣ . . . . ዝትንትን ዝገልጽን እዩ።

ብምቕጻል ሥርዓተ ምርጫን ምቋም ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓባይ ብሪጣንያን ሰፊሕ መግለጺ ምስ ተዋህበ፣ ብመሠረት ቃለ አዋዲ ብሓባራዊ ተሳትፎ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ሓድሽ ምምኅዳር ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዘቕውም ምርጫ ተኻይዱ። ንዝነበረ ፍልልይ ብዘወገድ፣ ዝተጀመረ ሰላምን ሓድነትን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያንን ማኅበራትን ብዘደልድል፣ ኃሙሽተ ኣባላት ዝርከቦ ሓደ መሪሕነት ሃገረ ስብከት ብተሳትፎ ኵሎም ተጋባእቲ ተመሪጹ። ምኅደራዊ ኣቃውማን ብጽሒት ሥራሕን ንኡስ ሃገረ ስብከት፣ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዓበይቲ መደባትን እማማትን ከምኡ’ውን ኣተኵሮ ዘድልዮም ጉዳያት ድማ ብልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ንውጥን ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም እትከታተልን እተዋሓድን ኮሚቴ ክትቐውም ከላ፣ ንምኅደራን ፋይናንሳዊን ጉዳያት ዝግምግምን ዝቖጻጸርን ሰብ ሞያ ዝርከብዎ ሓደ ተቆጻጻሪ ኮሚቴ ድማ ቖይሙ።
ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሓዋርያዊ ዑደቱ ፈጺሙ ብዕለት 28 ታኅሣሥ 2009 ዓ.ም. ናብ ሃገሩ ከም ዝተመልሰን ኣብ ቃለ ቡራኬ በዓለ ልደት ከም ዝተሳተፈን ይፍለጥ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195