banner

ብክፍሊ ትምህርተ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ ዝተዳለወ ሥልጠና ዝፈጸሙ ተመሪቆም!

‘‘ ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ’’

ብኽፍሊ ትምህርተ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ ዝተዳለወ ሥልጠና ዝፈጸሙ ተመሪቆም።

ኃለፍቲ ክፍልታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ፡መማህራን ፡ ኣመኃደርቲ አብያተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ፡ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ንዘለው ኃለፍቲ አብያተ ትምህርተ ሰንበት ፡ ጠርነፍቲ ክፍልታት ፡ ጉባኤ ዝምህሩን ዝመርሑን ብክፍሊ ትምህርተ ሰንበት ክፍሊ መንበረ ፓትርያርክ ‘‘ ወነአምን በአሐቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ’’ ብዝብል መሪሕ ቃል ንሠለስተ አዋርኅ ኦርቶዶክሳዊ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት፡ ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ስብከት፡ ምኅደራ ቤተ ክርስቲያንን ሕግን ዝምልከት ዝተዳለወ ሥልጠና ዝፈጸሙ ኣስታት 100 ሠልጠንቲ ብዕለት 21 የካቲት 2009 ዓ.ም.ግ ተመሪቆም።


ኣብዚ ናይ መመረቕታ ሥነ ሥርዓት ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ተረኺቦም ብጸሎት ተጀሚሩ። ብመሠረት መርሐ ግብር ድማ ኣባል ክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንቲ መምህር ሠመረ ኣብ መሪ/ ኣፈወርቅ ኣብ 1ይ ጢሞ. 4፡14-16 ዘሎ መሪሕ ቃል መሠረት ብምግባር ዝተወሃበና መክሊት ክንረብሓሉ ምዒዶም።

ብምቕጻል ድማ ጸሓፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መንበረ ፓትርያርክ ቀሲስ ብርሃነ ተስፋ ማርያም “መሠረት እምነትና ዝኾነ ትምህርቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምዕቃብን ንምትኅልላፍን ብዘይካ ኣብ ኣኃዳሪ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ኣብ ብዙኃት ጉባኤታት ሥልጠናታት ክወሃብ ከምዝጸንሐ እሞ፡ እዚ ሎሚ ተፈጺሙ ዘሎ መቀጸልታን ሓደ ካብኡን” ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ገሊጾም።

ብኃላፊ ክፍሊ ትምህርተ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ ድማ “እዚ ሥልጠና’ዚ ሕያው ታሪኽ ርቱዓነ ሃይማኖት ቅዱሳን አበው ኣብ መንእሰያት ንምሥራፅን ተረኸብቲ ኣቦታት ንምግባርን ዝዓለመ በዚ ክፍሊ ዝተሠርዐ ብዓይነቱ ናይ መጀመርያ ከምዝኾነ” ተገሊጹ። ተመረቕቲ በዚ ዝተመሃርዎ ኣገልጊሎም ዓስቢ ክረኽቡሉ ከኣ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ከምኡ’ውን ወኪል ተመረቕቲ ብዅሉ ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ብዝተገብረ ጻዕሪ ኣብዚ ከምዝበጽሑን ነቲ ዝተመሃርዎ ከገልግሉሉ ምዃኖም ብድኅሪ ምግላጽ ንዕብየት ቤተ ክርስቲያን ድማ ከምዚ ዓይነት መደብ ቀጻሊ ክኸውን ኣዘኻኽሩ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ ኣብ ዘስምዕዎ ኣባታዊ ማዕዳ፡ “ከምዚ ዓይነት ሥልጠና ቀጻልነት ክህልዎን፡ ተመረቕቲ ድማ ነዚ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብትሕትናን ትግሃትን ከገልግልዎ ይግባእ” ድኅሪ ምባል ንዅሎም ሠልጠንቲ ምስክር ወረቀት ዓዲሎም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195