banner

ኣብ ጊዜ ጾም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኣብ ጊዜ ጾም

“እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣስር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውፃእ ሓራ፡ ባርነት ዘበለ ዅሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን፧ እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ሥጋካውን ከይትኅባእዶ ኣይኮነን፧ ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ኾይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሔርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ ኪብል እዩ። ንኣርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ ኻብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንተ ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ኪወፅእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳ. 58፡3-5)

 

ኣብዚ ጊዜ ጾምና ክንገብሮም ካብ ዝግብኡና ሠናይ ተግባራት ንትምህርቲ ክኾነና ንገሊኦም ክንጠቅስ ኢና፦

እግዚአብሔር ኣምላኽ ይቕረ ክብለና፡ ነንሕድሕድና ይቕረ ንበሃሃል።
እግዚአብሔር ኣምላኽ በደልና ከይጽብጽበልና፡ ነቶም ዝበደሉና ንግደፈሎም።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ጐደሎና ኺምልእ፡ ነቶም ዝጐደሎምን ዘይብሎምን ንመልኣሎም።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ጊዜ ጸገምና ኪበጽሓልና፡ ነቶም ኪብጽሑ ዝግብኦም ንብጽሓዮም።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ጊዜ ሽግርና ከጸናንዓን፡ ነቶም ሽጉራትን ኣብ ቀቢጸ ተስፋ ዘለዉን ነጸናንዓዮም።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ረድኤቱ ከብዝኃልና፡ ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ኣይንግፍዓዮምን ንርድኣዮምን።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣባታዊ ርኅራኄኡ ኺልግሰልና፡ ነቶም ዘኽታማትን መበለታትን ጸግኢ ንዅኖም።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸግጋኡ ክኸድነና፡ ካብ ክዳንና ዕሩቕ ንኽድን።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸግኡ ከጽገበናን ክርወየናን፡ ጥሙይ ነብልዕን ጽሙዕ ነስትይን።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ሰማያዊ ቤቱ ክቕበለና፡ ጋሻን ጽጉምን ኣብ ቤትና ብሓጐስ ንቀበል።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ሰማያዊ መዝገብ ስምና ክጽሕፎ፡ ንነዳያን ካብ ገንዘብና ንመጽውት።
እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቶም ጸላእቱ ዝነበረና ከምዘፍቀረና፡ ንሕና’ውን ንዝጸልኡና ኣብ ጊዜ ጾምና ንጽልየሎም።
እግዚአብሔር ክድንግጸልናን ክምሕረናን፡ ንሕና’ውን ዓመጽ ገዲፍና መሓርትን ፈረድቲ ቅኑዕን ንኹን።
እግዚአብሔር ነቶም እሱራት ዝነበርና ከምዝበጽሓናን ሓራ ከምዝገበረናን፡ እሱራት ንብጽሓን ነጸናንዕን ።

ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ “ነቲ ዝረኣዮ ኃዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ ንኃዉ እናጸልኦስ ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ ዚብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ።” (1ይ ዮሐ. 4/20) ደጊሙውን ዮሓንስ ፍቁረ እግዚእ ከምዚ ይብል “ግናኸ ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ እንተ ዘይደንገጸሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧” (1ይ ዮሐ. 3፡17) እሞ መልእኽቲ ጾም ምስቲ ጾምና ሠናይ ብምግባር ንእግዚአብሔር ባህ ዘብል መንገዲ ፍቕርን ሠናይ ተግባራትን ምስዓብ እዩ እሞ ነዛ ፍኖተ ሕይወት ኵልና ንስዓባ።

ንጾም ጾም ዘብለኦ ድማ እዘን ነገራት ኣጣሚርና ፈጺምና ምስ ንርከብ እምበር ካብ መግቢ ስለዝተኸልከልና ጥራይ ከምዘይኮነ ከነስተውዕሎ ጽቡቕ እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195