banner

ክብረ በዓል ኮከበ ገዳም አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

ክብረ በዓል ኮከበ ገዳም አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

በብዓመቱ ዚኸብር ዓመታዊ ዝኽረ ዕረፍቲ በዓል ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ ዓመት ብ 5 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ኣብ መላእ ኤርትራ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከቢሩ ውዒሉ።
ብፍላይ ኣብ ኣሥመራ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ ፡ ሊቃውንት ኣቦታት ፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ኮከብ ገዳም ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን ገጀረት ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ ሥርዓት ተከቢሩ።


ኣከባብራ እቲ በዓል ከምቲ ልሙድ ካብ ዋዜማ ክሳዕ ሰዓት 10፡00 ቅ.ቀ. 5 መጋቢት፡ ንልብ ዘሐጉስ ንመንፈስ ዘሕድስ ጸሎተ ማኅሌትን ሰዓታትን ክበጽሕ ኃደረ ሰበክቲ ወንጌል ብወገንኖም ድማ እናተበራረዩ ነቲ ምእመን ካብ ሰዓት 6፡00 ወጋሕታ ክሳዕ ዑደት ታሪኽ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስን ኣስተምህሮን መንፈሳዊ ማእዳን ክሕቡ ድኅሪ ምጽናሕ ሰዓት 10፡00 ምስ ኮነ ታቦት ብለባስያን ተዓጂቡ፡ ብፁዕ ኣቦና ብየማነ ጸጋም ዘሎ ምእመን እናባረኹ፡ ውሉደ ክህነት ደድኅሪኡ ብጥዑም ያሬዳዊ ዜማ እናኣጀብዎ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት ብወገኖም ንዕለቱ ዝሰማማዕ መዝሙራት እናሰነዩ ሠለስተ ጊዜ ምስ ዖደ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ደው በለ። ሊቃውንት መዘምራን ነቲ ዕለት ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምዑ ብቀሺ ኃብቶም ሰባኪ ወንጌል ደብረ ኃይል ቅዱስ ሚካኤል (ምሕራም ጭራ) ምስ ታሪኽ ኣቦና ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብምትእስሳር ናይ ዕለት ትምህርት ተዋህበ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ቤተ ክርስቲያን ንስብከተ ወንጌል ንምስፋሕ መንፈሳዊ ኮሌጅ ንምኽፋት ትዳሎ ከም ዘላን ኵሉ ምእመን ድማ ብጸሎትን ብዘለዎ ዓቕምን ክሕግዝ ምስ ሓበሩ፡ መንፈሳዊ ማእዳን ቡራኼን ምስ ሃቡ ሰላመ አብ ተባሂሉ ሥርዓት ዑደት ምስ ተፈፀመ ብብፀዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተመርሑ ቀዳስያን ጸሎተ ቅዳሴ በጽሐ።

ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣኽርያ ደብረ ምሕረት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን ብዝለዓለ መንፈሳዊ ሥርዓት ኪኸብር ከሎ ነቶም ኣብኡ ዝተጋብኡ ምእመናንን ምእመናትን ዝሓንጽ ቃል ኣምላኽ በቲ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ሰባኪ ወንጌል ተዋህበ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ማየ ጸሎት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ደርዓንቶ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ዞባ ደቡብ ፡ አበ ምኔት ገዳም አቡነ ዮናስ ፡ መነኮሳት ፡ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ውሉደ ክህነትን ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ተሓጸብቲ ማየ ጸሎት ቍጽሮም ኣዙዮም ብዙኅ ዝኾኑ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ተኸቢሩ። ኣከባብራ ክብረ በዓል ብተመሳሳሊ ሥርዓት ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ተባዒሉ፡ ናይቲ ዕለት ክብረ በዓል ትምህርቲ ድማ ብቀሺ ነጋሲ ተዋሂቡ። 

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ ክብረ በዓሎም ይብዕል እዩ። እዚ ድማ 5 ጥቅምት ኣብ ዝቋላ ዝጸለዩሉ፡ 29 ታሕሣሥ ዝተወልዱሉ፡ 5 መጋቢት ድማ ካብዚ ምድራዎ ዓለም ናብ ሰማያዊ ዓለም ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ተቐቢሎም ዝተሰጋገሩሉ እዩ። ኵሎም ቅዱሳን ኣብዚ ምድሪ ብሃይማኖቶም ጸኒዖም ፈጣሪኦም ብምግልጋል ንእግዚአብሔር ስለ ዘስመርዎም ብኣማላድነቶም ኣሚኑ ብስሞም ንዝተማሕፀነ ኵሉ ዘተዓርቕሉ ኪዳን ተዋሂቦም እዮም። በዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ “ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ” ናይ ጻድቃን ስም ንዘለዓለም ክዝከር ይነብር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195