banner

ክብረ በዓል ክቡር መስቀል መጋቢት 10 ተኸቢሩ ውዒሉ!

ክብረ በዓል ክቡር መስቀል 10 መጋቢት ተኸቢሩ!

10 መጋቢት ዓመት መጽአ ክብረ በዓል ክቡር መስቀል ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ በዓል እዚ ዝብእለሉ ምኽንያት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንናታ ኣብ ዕፀ መስቀል ድኅሪ ምስቓሉ ፡ መስቀል ክርስቶስ ብዙኅ ዓበይቲ ተኣምራት ይገብር ብምንባሩ ኣይሁድ ብቕንዓት ነቲ መስቀል ቀቢሮም ጸላእቲ ክርስቶስ ዘበሉ ዅሎም ጕሓፍ ክጕሕፉሉ ኣዚዞም ብኸምዚ ንኣስታት 300 ዓመታት ተጐሒፍዎ። ብድኅር እዚ ክብሩ ዝግለጸሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ ጐይታ ብምኽንያት እሌኒ ንግሥት መስቀሉ ካብ ዝተቐብረሉ ቦታ ኣብ መስከረም ዕለት 17 ኵዕታ ተጀሚሩ ዕለት 10 መጋቢት ድኅሪ ብዙኅ ጻዕሪ ወፅአ፡ እዚ መዓልቲ እዚ እቲ ክቡር መስቀሉ ዝተረኽበሉ ብምዃኑ ኣብ ምሉእ ዓለም ብዘለዉ ክርስቲያን ብድምቐት ይኽበር።

ኣብ ኤርትራ እውን እዚ ክቡር መስቀል ኣብ ገዳም ጉናጉና መስቀል ብምእራፉ ዓመት መጸ ነጋድያን ካብ ቀረባን ርሑቅን ብምምጻእ ናይቲ በረኸት ተሳተፍቲ ይኾኑ። ገዳም ጉናጉና መስቀል ኣቡነ ሊባኖስ ንብዙኅ ዓመታት ብብሕትውና ይነብሉ ድኅሪ ምንባሮም ብሓጼ ገብረ መስቀል ዝተገደመ እዩ፡ ብድኅሪኡ'ውን ብዙኃት ባሕተውቲ ኣቦታት ዝነብርሉ ቅዱስ ገዳም እዩ።

ሎሚ ዓመት እውን ከምቲ ኹል ጊዜ ካብ ዋዜማ ኣትሒዞም ናብዚ ቦታ ብዝተጋብኡ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ክሳዕ ወጋሕታ 10 መጋቢት ጸሎተ ማኅሌትን ሰዓታትን ከብጽሑ ምስ ሓደሩ ሰዓት 5፡00 ወጋሕታ ጸሎተ ቅዳሴ በጽሐ፡ ብድኅሪኡ ታቦት ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተኣጂቡ ነቲ ምእመን እናባረኸ ናብ ዝተዳለወሉ ቦታ ደው ምስ በለ፡ መዘምራን ሊቃውንት ‘ ዝንቱ መስቀል ለአዳም ዘአግብኦ ውስተ ገነት፡ ሃሌ ሉያ መርኅ ወፍኖት ሞገሶሙ ለጻድቃን ሞገስ ’ ኢሎም ጣዕመ ዜማ ምስ ኣስምኡ ሰላመ ኣብ ተባሂሉ ናይቲ መዓል ፍጻመ ኾነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195