banner

ደብረ ዘይት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ደብረ ዘይት

ብመሠረቱ ደብረ ዘይት ማለት ዘይቲ ዝርከቦ፡ ኣውሊዕ ዝበቝሎ እምባ (ጎቦ) ማለት እዩ። እዚ እምባ’ዚ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ብወገን ምብራቕ ዝርከብ ኮይኑ ሎሚ ናይ ግሪኽ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒጽሉ ኣሎ። እዚ ቦታ’ዚ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሕዝበ እስራኤል ካብ ላዕላይ ገሊላን ታሕታይ ገሊላን ሕጊ ኦሪት ንምፍጻም በዓል ንምኽባር ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ እናመጽኡ ዚኃድሩሉ ቦታ ስለ ዝነበረ መኅደሪ ገሊላ ተባሂሉ ይጽዋዕ።


ኣብ ሞንጎ ደብረ ዘይትን ኢየሩሳሌምን ሩባ ቄድሮስ ኣሎ። ደብረ ዘይት ካብ ኣደባባይ ወይ ሜዳ ቤተ መቅደስ ሰብዓን ኃሙሽተን ብሜትሮ ይብርኽ እዩ። ዳዊት ካብ ወዱ ኣቤሴሎም ሃዲሙ ናብ እምባ ደብረ ዘይት ደይቡ ይብል። (2ይ ሳሙ. 15፡30-32)

ኣብ ደብረ ዘይት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ምፍራስ ኢየሩሳሌም ወይ ቤተ መቅደስን ብዛዕባ መፈጸምታ ዓለም፣ ብዛዕባ ናይ ምጽኣት ምልኽት፣ ብዛዕባ ክሳዕ ክንደይ ዘመን እዚ ወለዶ ንእግዚአብሔር ከይኣመነ ከምዝጸንሕን ኣብ ፍጻሜ ዓለም ብኽብሪ ብመላእኽቱ ተዓጂቡ ንፍርዲ ኸም ዝመጽእ ምሂሩ እዩ። (ማቴ. 24)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ እግሪ ደብረ ዘይት ኣብ ጌተ ሴማኒ ብኣይሁድ ተታኅዘ፡ ማቴ. 26፡30-50 ጐይታ ኻብ ደብረ ዘይት ንሰማይ ዓረገ ማለት ካብ ቢታንያ ዝበሎ ቤተ ፋጌን ቢታንያን ኣብ እግሪ ደብረ ዘይት እዩ ዝርከብ ኵሉ ሓደ እዩ። (ሉቃ. 24፡50 ግብ. ሓዋ. 1፡12)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓለም ከሰናብት ከሎ ኣብ ደብረ ዘይት ኪቐውም እዩ። (ዘካ. 14፡4 – 5)

እዚ ብመጠኑ ተጠቒሱ ዘሎ ብዛዕባ እንታይነት ደብረ ዘይት ንምግላጽ ዘይኾነስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ቦታ ኮይኑ ንኣቦታትና ሓዋርያት ዝመሃሮም ትምህርትን ዝሃቦም መጠንቀቕታን ንምግላጽ እዩ። ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጢ ኸሎ ኣቦታትና ሓዋርያት ብሕት ኢሎም “ ናይ ካልኣይ ምጽኣትካን ናይ መወዳእታ ዓለምን ምልክት እንታይ እዩ፧ እስከ ንገረና ” ኢሎም ሓተትዎ።

ደብረ ዘይት ፍርቂ ጾም እዩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ 49 “ ኣምላከ ኣማልክት እግዚአብሔር ነበበ ወጸውዓ ለምድር፡ እግዚአብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ ወአምላክነሂ ኢያረምም/ ኣምላከ ኣማልክት እግዚኣብሔር ተዛረበ ንምድሪ’ውን ጸውዓ እግዚአብሔር ብግልጺ ክመጽእ እዩ፡ ስቕ’ውን ኣይብልን” በለ። ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ስቕ ኣይብልን ዝበለ ኣብ ኃሙሻይ ሰሙን ደብረ ዘይት ናይ ጐይታ ምጽኣት ዝሕሰበሉ፡ ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ዝተዛረቦ ዝፍጸመሉ እዩ።

ከምቲ ካብ ቀደም ጀሚሮም ኣብ ፍርዲ ምስ ኣቖምዎ፡ ኪጸፍእዎ ፡ ክዳኑ ኺገፍዎ ፡ ኣኽሊለ ሶክ ኪገብርሉ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኪሽንክርዎ ፡ ኪሰቕልዎ ኸለዉ ስቕ ዝበለ በዚ ሰዓት ስቕ ኣይብልን። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ናይቲ ጊዜ ስቕታ ኪገልጽ፡ ‘‘ እንታይ ኣይነት ትዕግሥቲ እዩ ቀርኒ ኸለዎ ዘይዋጋእ በጊዕ፡ እንታይ ኣይነት ትዕግሥቲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዘባጭውሉ ስቕ ዚብል ’’ በለ። ነቢይ ኢሳይያስ እውን ኣብ መጽሓፉ ምዕራፍ 53 “ ነዚ ምስክርና መን ኣመኖ፧ ኣብዚ ነገር እዚኸ ኃይሊ ቕልጽም እግዚአብሔር ከም ዘሎ ንመን ተጋህደሉ፧ . . . ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ዅላትና ኸም ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና ነፍስ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ እግዚአብሔር ከኣ ኣባሳ ዅላትና ኣብኡ ኣውደቖ። መከራ ጸገበ ግናኸ ርእሱ ኣዋሪዱ ብትሕትና ተቐበሎ፡ ኣፉ’ውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ገንሸል ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን።” ኢሉ ዝተነበየሉ ንሱ ኣብ ቀራንዮ ዝተሰቕለ ኣምላከ ኣማክልት ኢየሱስ ክርስቶስ ነበረ።

ሽዑ ስቕ ከም ዝበለ ዳዊት ከም ዝተዛረበ ስቕ ኣይብልን ንፍርዲ ኺመጽእ እዩ ንጻድቃን ብየማኑ ንኃጥኣን ብጸጋሙ ኣቝሙ፡ ነቶም ጻድቃን ተግባሮም ሞጕሱ ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻን ንዑ ናባይ ኢሉ ናብ ናይ ዘለዓለም ጽድቂ ኪቕበሎም ከሎ፡ ነቶም ብጸጋሙ ዚቖሙ ኃጥኣን ድማ ተግባሮም ወቒሱ ኺዱ ካባይ ረኃቑ ኢሉ ናብቲ ናይ ዘለዓለም ደይን ኪሰጎም እዩ።

ደብረ ዘይት ፍርቂ ጾም ናይ ጐይታ ምጽኣት እንሓስበሉ ጐይታ ኣብዚ ቦታ ዝተዛረቦ ዝፍጸመሉ ጊዜ እዩ፡ ሎሚ እዚ ዘለናዮ ዘመን ምጽኣት ዝቐረበሉ፡ ምድሪ ዝረኸሰትሉ እዩ ነዚ ሰዓት ንዮሓንስ ብራእዩ ይገልጾ፡ ንዳንኤል ብትንቢቱ ነቲ ቃል ትንቢት ሕተሞ እጸዎ ዝበሎ ንዮሓንስ ድማ እቲ ናይ ዘመን ፍጻሜ በጺሑ እዩሞ ነቲ መጽሓፍ ገንጽሎ እቲ ዝቕደስ ኣዚዩ ይቀደስ እቲ ዝረኽስ ኣዚዩ ይርኸስ ይብሎ።

ስለዚ መን ኢና ዘሎና ምስ እግዚአብሔር ወይ ምስ ዓለም፧ ሎሚ ዓለምና ብምጉዳል እምነትን ኃጢኣትን ደቂ ሰባት ረኺሳ እያ እቲ ዅሉ ዝተተንበየ ትንቢት ተፈጺሙ እዩ። እቲ ዝተረፈ ምጽኣት ጐይታ እዩ፡ ስለዚ ኻብቲ ዝደቀስናዮ ንበራበር፡ ምስ ጐይታ ብጾም ብጸሎት ብስግደት ብምጽዋት ንራኸብ፡ ኣብ ተዋሕዶ ሃይማኖት ንጽናዕ። ሓረስታይ ዘይዘርኦ ኪዓድድ ከም ዘይክእል ንሕና ደቂ ሰብ’ውን ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽኣት ንፍርዲ ኣብ ንቐርበሉ ጊዜ ዘይዘራእናዮ ክንዓጽድ ኣይንኽእልን፡ ብመንገዲ እምነት ንዝተመላለሱ ምእንቲ እምነቶም መኸራ ጸጊቦም ሰማእትነት ዝተቐበሉ ትንሣኤ ኽብርን ዓወትን ኪኾነሎም ከሎ፡ ካብ መንገዲ እግዚአብሔር ርኂቖም እምነቶም ንዝሸጡ ካብ ሕጊ እግዚአብሔር ርሒቖም ንዚነበሩ ኸኣ ናብ ዘለዓለማዊ መቕጻዕቲ ዚወስድ ፍርዲ እዩ። ነቢይ ዘካርያስ ኣብ 14 ምዕራፍ ኣምላከ ኣማልኽት ክመጽእ እዩ ከም ዝበለ በቲ ጊዜ ምስቶም ዝተሞገሱ ምስቶም ንዑ ኀቤየ ዝተበሃሉ ክንቝጸር ብምሕረቱን ለውሃቱን የብቕዓና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

* * *

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195