banner

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ኣኸባብራ ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ኣኸባብራ ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ ዮናስ ፡ ብምዕሩግ መንፈሳዊ ኣኸባብራ 17 መጋቢት ተከቢሩ። ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ዞባ ደቡብ፡ ካብ ኣቡነ ዮናስ በረኸት ንምስታፍ ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ምእመናትን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ንክብሪ እዚ በዓል እዚ ካብ ዋዜማ ክሳዕ ጸሎተ ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ስብሐተ እግዚአብሔር ፡ ምንባብ ገድለ ኣቡነ ዮናስ በጺሑ። ድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴ ኸኣ ከባቢ 9፡30 ቅድሚ ቀትሪ ታቦተ ሕጉ ካብ መንበሩ ላዕላይ ቤተ ክርስቲያን ወፂኡ ሠለስተ ጊዜ ዖይዱ ናብ ታሕታይ እንዳ ኣዴታት ወሪዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ምስ ቆመ፦ ሊቃውንቲ መምህራን ጣዕመ ዜማ ከስምዑ ከለዉ፡

ብቀሺ በርሐ “መን እዩ እቲ ህያዋይ ኣገልጋላይ” ዝብል ናይቲ መዓልቲ ዝተነበ ወንጌልን ሊቃውንቲ ኣቦታት ከስተንትንዎ ዝኃደሩ መሪሕ ቓል ምስ ገድለ ኣቡነ ዮናስ ብምትእስሳር ሰፊሕ ትምህርቲ ተዋሂቡ። ቀሺ በርሐ ኣብ ትምህርቶም “ናይ ኣቦና ብፁዕ ኣቡነ ዮናስ ታሪኾም ኣመጻጽኦም መንፈሳዊ ኾና ሥጋዊ ልደቶም ኣብዚ ቦታ ዓመት ዓመት ይንገረና እዩ እቲ ቀንዲ ክንኽተሎ ዘሎና ግብረግብነቶምን ኣኻሔዶምን ሕይወቶምን ኸምይ ነይሩ ኢልና ገድሎም ኣንቢብና ናቶም ግብረገብነት መንፈሳዊ ሕይወት ብምስትንታን ከምቲ ናቶም ክንኸይድሞ ደቆም ተባሂልና ጸጋን በረኸትንን ክንረኽብ እዩ። ከምቲ ሊቃውንት ኣቦታትና ኣብ ማቴ. 25 ዘሎ “መኑ ውእቱ ገብር ኄር ወምእመን ዘይረክቦ እግዚኡ በምግባረ ሰናይ” መሠረት ዝሓደርዎ ማለት “መን እዩ እቲ ህያዋይ ኣገልጋላይ ሠናይ እናገበረ ጐይታኡ ዝረክቦ”። ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ዮናስ ዓለም ፍትወታን መኒኖም ኵሉ ወንጌል ዝብሎ ብምስትንታን፡ ነቲ ጐይታ እቲ ከገልግለኒ ዝደሊ ኵሉ ኃዲጉ ደድሕረይ ይስዓብ መስቀል ሞቱ ተሰኺሙ ኸኣ ይስዓበኒ ንዝበሎ ብምጽናዕ ዓለምን ፍቶታትን ጣዕማን ሓዲጎም ኣብቲ ኣግልግሎትን ግብረገብነት ብምግባረ ሠናይ ተጸሚዶም ብምንባሮም ኅያዋይ ኣገልጋሊ ተሰሚዮም።

‘መን እዩ እቲ እሙን ኣገልጋላይ ሠናይ እናገበረ ጐይታኡ ዝረኽቦ’ ኢሉ ቅጽል ኣቢሉ ድማ ‘ወይሰይሞ ዲበ ኵሉ ንዋዩ’ በለ፡ ነቲ ኵል ጊዜ ኣብ ቤቱ ሠናይ እናገበረ ብትግሓት እናገልገለ ዝረኽቦ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ንብረቱ ኽሸሞ እዩ ከምዝበለ፡ ቅዱስ ኣቦና’ውን ካብ ንእስነቶም ኣቲሒዞም ብፍቕረ እግዚአብሔር ተጸሚዶም ሠናይ ገድሊን ኣገልግሎትን ስለዝተጋደሉ ሰማያዊ ኮነ ስጋዊ ርስቲ ከምዝተወሓቡ ገድሎም ይገልጸልና። ኣብ ምድሪ 4 ገዳማት፦ ደብረ ጽጌ ፡ ደብረ ድኁኃን ፡ ደብረ ሲኆን ዓዲ ውስኽ፡ ደብረ ሣሕል ንፍሉይ ኣገልግሎት ካብ እግዚአብሔር ክወሓቡ ከሎ፡ ሠማያዊ ርስቲ ብዓብዩ ንእኦም ነቶም ብጸሎቶም ብኣማላድነቶም ዝኣምኑ ከኣ ኪዳን ተዋህቦም።

መሊሱ እውን ብውኁድ ተዓሚንኻ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙኅ ክሸመኻየ ከም ዝበለ ቅዱስ ኣቦና እውን ኣብ ብዙኅ ተሸይሞምን እዮም። ስለዚ እቲ ኅያዋይ ኣገልጋልኢ ብምግባር ሠናይ ተጸሚዱ ሠናይ ገድሊ ምስ ዝጋደል ብጐይታኡ ግርማን ሞገስን ረኺቡ ኣብ ብዙኅ ከም ዝሽየምን መንግሥተ ሰማያት ንምውራስ ይበቕዕ። ስለዚ ንሕና ድማ ደቆም ክንበሓል እንተኮይና ናይ ኣቦና ክንርወርስ ኣሎና ከምቲ ኣቦና ብቕድስና መንገዲ ዝተጓዕዙ ንሕና’ውን ኣሰሮም ክንስእብ ኣሎና።

ከምኡው ሊቃውንት ኣቦታትና ካብቲ ሓደ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝኾነ እቲ ዘለናዮ ዕዋን ዝመሣሰል “ንጹም ጾመ ወናፍቕር ቢጸነ” ክብሉ ሓዲሮም እዚ’ውን ወንጌል እዩ። ፍጹም ዝኾነ ጾም ንጹም ብጻይና ነፍቕር፡ ብጻይና መን እዩ እንተበልና ኵሉ ፍጡር፡ ምስ ኵሉ ፍጡር ተፋቂርና ክንጸውም ይግባእ በሉ። እዚ’ውን ሓደ ካብቲ ሥራሕ ኣቦና እዩ። ስለዚ በዚ መንገድ እንተኼድና ጸጋን በረኸትን ናይ ኣቦና ንወርስ። እዚ ጊዜ ንነፍስና እንፍተሸሉ ሰዓት እዩ በሐፍ ወበድካም ዓስቢ ሒዞም ይምለሱ” ከም ዝበለ ኣብዚ ኽቡር ቦታ ብድኻም መጺእና ዓስቢ ሒዝና ክንምለስ ናይቶም ቅዱሳን ገድሎም ሰሚእና ካብ ገድሎም ኣርኣያ ዝኾነና ወሲድና ኣሠሮም ክንስዕብ ኣሎና። ከምቲ ኣቦታትና ኣብ በረኻታት ሰፊሮም ገዳም ገዲሞም ምስ ጸላኤ ሠናያት ተባዒሶም ብጾምን ጸሎትን ንሰይጣን ስዒሮም ክብሪ እግዚአብሔር ከም ዘንገሱን ዘእበዩን ንሕና ድማ ናብዚ መጺና መዋግደ ሰይጣን ማለት ፍትወታት ናይ ሥጋን ሰይጣንን ስዒርና ነፍስና ክንመልኽ ብጾምን ጸሎትን ክንተግሕ ኣሎና።

ቀጺሎም’ውን እስመ በጾም ኤልያስ ናብ ሰማያት ኣርገ ዮናስ’ውን ካብ ባህር ድኅነ ኢሎም ሊቃውንት ኣቦታትን ከስተንትኑ ዝሓደሩ፡ ኣቦና ኤልያስ ብፍጽም ጾን ብጽሞና ዝነብር ዝነበረ ክሳብ መዓስ ኢኹም ብሓደ እግርኹም ትነብሩ ወይ ናይ እግዚአብሔር ኹኑ ወይ ናይ በዓል ዝበሃል ጣዖት እናበለ ነቶም ክልተ ክልተ ዝነበሩ ወገናቱ እናወቐሰ ብቕንዓት ኣምልኾተ እግዚአብሔርን ብጾምን ጸሎትን ብምንባሩ ናብ ሰማይ ኣረገ፡ ከምኡ’ውን ዮናስ ሠለስተ መዓልትን ለይቲን ኣብ ከብዲ ዓቢይ ዓሳ ኾይኑ ፍጹም ጾም ብምጾምን ብምጽላይን ከም ዝደኃነ ኣቦና ኣቡነ ዮናስ’ውን ኣብ ውሽጢ ባህሪ ኾይኖም ፍጹም ጾም ብምጾን ብምጽላይን ኣጻብኦም ከም ሽምዓ ክበርሑ ጻጋ ከም ዝተወሃቡ ገድሎም ይገልጸልና። ስለዚ ንሕና ድማ ካብ በረኸቶምን ጸጋኦምን ኪዳኖምን ክንሳተፍ ፍቓድ እግዚአብሔር ይኹነልና።” ብምባል ምሂሮም።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ሰላም ምእዳንን ቡራኬን ምስ ሓቡ “ሰላመ ኣብ” ተባሂሉ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195