banner

ናይ ሰኑይ ሥነ ፍጥረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ናይ ሰኑይ ሥነ ፍጥረት

ኣምላኽ ድማ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ፡ ከምኡ’ውን ኮነ (ዘፍ.1፡6)

ሰኑይ መዓልቲ ብመጀመርታ ሰዓት ካብ ምድሪ ኂዙ ክሳብ ብሩህ ሰማይ ማይ መሊኡ ኃዲሩ ነበረ’ሞ ኣብ ሠለስተ ኸፈሎ፡ ሓደ ኢድ ኣብዚ ዓለም’ዚ ኣስፈሮ(ውቅያኖስ)፣ ሓደ ኢድ ከኣ ልዕሊ እዚ ዝረኣየና ሰማይ ኣስፈሮ ንሱ ድማ ኃኖስ ይበሃል፣ ሓደ ኢድ ከኣ “ለይኩን ጠፈር ማእከለ ማይ” ኢሉ ኣብ ማእከል ኣቖሞ፡ እዚ ንርእዮ ሰማይ ጠፈር ማይ እዩ።


“ወበሳኒታ ዕለት ገብረ ምጽንዓተ ማእከለ ማይ፡ ተከፍሉ ማያት በይእቲ ዕለት መንፈቆሙ ዐርጉ ላዕለ፡ ወመንፈቆሙ ወረዱ መትሕተ ምጽንዓት፡ ማእከለ፡ ዲበ ገጻ ለምድር/ ኣብ ኻልኣይ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኃኖስን ውቅያኖስን ጠፈር ፈጠረ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ማያት ኣብ ክልተ ተኸፍሉ፣ ፍርቆም ንላዕሊ ደየቡ፡ ፍርቆም ከኣ ናብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማእከል ምድሪ ወረዱ ኣብ ኻልኣይ መዓልቲ እዚ ተገብረ።” ኩፋ. 2፡9

እዚ እቲ ኽልተ ኢድ ኣብ ላዕሊ ዝተረፈ ናይ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ምሳሌ እዩ፡ እቲ ሓደ ኢድ ኣብዚ ዓለም ዝተረፈ ናይ ወልድ ምሳሌ እዩ፡ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ሥጋ ለቢሶም ኣብዚ ዓለም ኣይተራእዩን፡ ወልድ ግና ሥጋ ለቢሱ ኣብዚ ዓለም እዚ ንሠላሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርኅን ምንባሩ ምሳሌ እዩ።

“ይሰቅል ማየ ወይሰሚ ሰማየ/ ማይ ሰቒሉ ሰማይ ኢሉ ይሰሚ” ከም ዝብል ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት። ስለምንታይ እዩ ንጠፈር ከምኡ ገይሩ ዘፅንዖ፧ እንተ በልና ወዲ ሰብ ንእኡ እናረኣየ ሰማያዊ ርስቲ ኸም ዘለዎ ኺርዳእ እዩ። “ቤቱ ብማይ ዚሠርሕ፡ ንሠረገላኡ’ውን ደመና ዚገብር።” መዝ. 103፡3 ከም ዝበለ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ፡ ጠፈር ቤቱ ማይ እዩ፡ ደመና ድማ ሠረገላታቱ እዩ።

ከምኡ ድማ “ብዕለት ረቡዕ ለይኩኑ ብርሃናት ውስተ ጠፈረ ሰማይ ወያብርሁ ዲበ ምድር” ምስ በለ ፀሓይን ወርኅን ከዋኽብትን ኪፍጠሩ ስለዝኾኑ ኣቐዲሙ ንኣታቶም መኅደርን መመላለስን ኪኸውን ኣዳለወሎም።
እግዚአብሔር ንጠፈር ኪፈጥሮ ኸሎ ከም ቤት ንጉሥ ገይሩ ፈጠሮ። ስለምንታይ፧ እንተ በልና ፀሓይን ወርኅን ከዋክብትን ብርሃኖም ንታሕቲ ምእንቲ ኸብርሑ።

“ወገብሮ እግዚአብሔር ለጠፈር ከመዓዝረቅ።” ፈጺሙ ፃዕዳ ወይ ቀይሕ ኣይገበሮን፣ “ወረሰዮ በአምሳለ አዝረቅ” ኣብ ኀኖስ ዘሎ ጸልማት ኣምጺኡ ሓዊሱ ከምቲ ኣብ ሊን ዝጠምዐ ልብሲ ኣምሲሉ ዘርጊሑ ኣፅንዖ። ምኽንያቱ ፈጺሙ ፃዕዳ ገይርዎ እንተ ዚኸውን ንዓይኒ ሰብ መንጻባረቐ ነይሩ፡ ቀይሕ እንተ ዚኸውን’ውን ንዓይኒ ጐዳኢ ምኾነ፣ ፈጺሙ ጸሊም እንተዚኸውን ውን ብዓይኒ ንምርኣይ ከቢድ ነገር ምኾነ ነይሩ።

“ወበዕለተ ሰኑይ ፈለጠ እግዚአብሔር ልዑል ማእከለ ማያት ዘመልዕልተ ምድር ወኮነ ዕርገቱ ለማይ በዛቲ ዕለት” እግዚአብሔር ብመዓልቲ ሰኑይ ንማያት ካብ ማያት ፈለየ፡ ማይ ናብ ላዕሊ ምድያቡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ እዩ ከመ ዝበለ። (ቀሌምንጦስ)

መላእኽቲ ብዕለተ እሑድ ተፈጥሩ ኢልና ኔርና፡ ድርሳነ ሚካኤል ግና፡ ብዕለተ ሰኑይ ተፈጥሩ ይብል፡ ከመይ እዩ፡ እንተ በልና፡ ምፍጣሮም ብዕለተ እሑድ እዩ። “ወበቀዳሚት ሰዓት ዘዕለተ እሑድ ፈጠርክዎሙ ለኵሎሙ መላእክት፡” ከም ዝበለ ቀሌምንጦስ፡ ድርሳነ ሚካኤል ብዕለተ ሰኑይ ምባሉ ብዕለተ ሰኑይ ካብ ነገደ ኪሩቤል ገጽ ሰብን ገጽ ኣንበሳን፡ ካብ ነገደ ሱራፌል ድማ ገጽ ላሕምን ገጽ ንስርን መሪጹ ኣብ ሰማይ ውዱድ ዘቐመጠሎም ስለ ዝኾነ እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195