banner

ክብረ በዓል ጥንተ ስቕለት ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ጥንተ ስቕለት ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተኸቢሩ!

ኣብ መላእ ኤርትራ ዝርኸባ ኣብያተ ክርስቲያናት ክብረ በዓል ጥንተ ስቕለት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከብእላ ከለዋ ብፍላይ ድማ ኣብ ከረን እንዳ መድኃኔዓለም ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣንሰባን ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረክቡሉ ብምእሩግ መንፈሳዊ ኣከባብራ ከቢሩ ውዒሉ።

ኣከባብራ እቲ በዓል ከምቲ ልሙድ ዋዜማ 26 መጋቢት ሰዓት 8፡00 ቅ.ቀ. ጀሚሩ ክሳብ ቅዳሴ ተቖይሙ ምስ ተፈጸመ ንለይቱ ሰዓት 11፡00 ምሸት ብጸሎተ ሰዓታት ጀሚሮም ስብሐተ ማኅሌት ከብጽሑ ሓደሩ። ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ቅዱስ ታቦት ብለባስያን ተዓጂቡ ካብ ቅድሪ ቤተ ክርስቲያን ወጺዑ ሠለስተ ሻዕ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ተመልሰ ነቲ በዓል ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ብሊቃውንት ተሰምዐ። ቀጺሉ ብመሪጌታ ዘለዓለም ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርት ተውህበ። መሪጌታ ኣብ ትምህርቶም፡ “ዝንቱ ውእቱ መስቀል ለአዳም ዘአግብኦ ውስተ ገነት፡ መርኅ ወፍኖት ሞገሶሙ ለጻድቃን” ዝብል ብምምርዃዝ እቲ ምእንቲ ኣዳም ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ኵሉ ፈጺሙ ኣብ ዕፀ መስቀል ተሰቂሉ፡ ንኣዳምን ንደቁን ዝሃቦም ዕፀ መስቀል መርኅ መንገዲ ንመንግሥተ ሰማያት ኾነና። ከመይ ደቂ ሰባት ምስ እግዚአብሔር ተራሓሒቆሙሉ ኣብ ዝነበሩ ኣብ ማእከልና ከም መንደቕ ኮይኑ ዝክልኽለና ዝነበረ ኃጢኣት ብመስቀሉ ዝተደምሰሰሉ እዩ። በዛ መዓልቲ ልክዕ በዛ ሰዓት ንኣዳም ደቁን ድኅሪ 5500 ዓመታት ዝበደሉ ኾኑ ዘይበደሉ ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ነፍሳት ናብ ሲኦል ወሪዱ ትንሣኤኡ ኣበሢሩ ሲኦል ዘሚቱ ብቅጽበት ናብ ገነት ዝመለሰሉ፡ ሰዓት እዩ። ስለዚ ንሕና ድማ ነዚ ዘኪርና ካብ በረከቱ ክንሳተፍ ምምጻእና ብሓቂ ዓቢይ በረኸት ከውህበና እዩ ኢሎም ሰፊሕ ትምህርቲ ሃቡ።

ቀጺሎም’ውን ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ባስልዮስ “እዚ መዓልቲ ንዓና ዓቢይ ውዕለት ዝተወዓለልና ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ብቓላት ዘይግለጽ ፍቕሩ ዝገለጸልና መዓልቲ እያ። ጐይታ ንኣዳም ዝኣተወሉ ቃል ንምፍጻም ናብዚ ምድሪ መጺኡ ኵሉ እቲ ኣዳም ክገብሮ ዝግባእ ኣብ ክንድኡ ምስ ገበረ ኣብ መወዳእታ በዛ መዓልቲ 13 መከራ መስቀል ተቐቢሉ ተሰቂሉ ኣድኃነና። ስለዚ ንሕና ድማ ነዚ ውዕለት ዘኪርና ብሃይማኖትን ብግብሪ ጸኒዕና ክንነብር ኣሎና” ኢሎም ሰፊሕ ምእዳንን ትምህርትን ምስ ሃቡ “ሰላመ አብ” ተባሂሉ ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195