banner

ሆሣዕና በአርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሆሣዕና በአርያም፡ ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር።

ነበልባላዊ ዝኾነ እሳታዊ መንበሩ፡ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዘርጊሑ ብኣእላፍ እሳታውያን መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ብምልኣተ ህላዌኡ ኪሥለስን ኪቕደስን ዝነብር ኣካላዊ ቓል፡ ንወዲ ሰብ ንምድኃን ብድኹም ኣርኣያ ሥጋ፡ ጐይታ ዳዊት ክንሱ፡ ኻብ ዘርኢ ዳዊት ተወሊዱ፡ ሰብ ኮይኑ ሆሣዕና ተባሂሉ ምጽውዑ ንወዲ ሰብ ክሳብ ክንደይ ፍቕሩ ከምዝገለጸሉ ዘርኢ እዩ። ሆሣዕና ማለት ድኅነት ዝርከቦ ሓቀኛ መድኃኒት ማለት እዩ። ሓቀኛ መድኃኒት ዝተባህለ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።


ፍጹም ናይ ዓለም ነፍስ ድኅነት ንዝኾነሉ መዓልቲ፡ 7ተ መዓልቲ ኪተርፎ ኸሎ ንኽልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ኢሉ ለኣኾም “ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘሎ ዓዲ ኺዱ፡ ኣብኡ ምስ ኣቶኹም ድማ ዝተኣስረት ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ክትረኽቡ ኢኹ እሞ ፈቲሕኹም ኣምጽኡለይ” በሎም። “እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ ዝብል ሰብ እንተረኸብኩም ከኣ ጐይታኦም ይደልዮም ኣሎ” በሉ። ብተፈጥሮ ጐይታኦም ስለ ዝኾነ እዩ። ንሳቶም ድማ ኸምቲ ዝተኣዘዝዎ ነታ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ፈቲሖም ኣምጽእሉ። እዚ ድማ ኸምቲ ብነቢይ ዘካርያስ “ኣቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጐሲ፡ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም ዕልል በሊ፡ እንሆ ንጉሥኪ ንሱ ጻድቕን ለዋህን ትሑትን እዩ ኣብ ኣድግን ኣብ ጻዕብን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ” ዘካ. 10፡10 ኢሉ ብእተነበዮ መሠረት፡ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድግን ጻዕብን ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ ዚበዝኁ ኻብቶም ሕዝቢ ኽዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንጸፉ። ካልኦት ድማ ኻብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ ኣብ መንገዲ ነስነሱ፡ ቀቅድሚኡ ዝኸዱ ደድኅሪኡ እውን ዚስዕቡ ሕዝቢ ዓው ኢሎ “ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት ቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር / ንወዲ ዳዊት መድኃኒት ምባል ይግብኦ እዩ። እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ እዩ፡ እናበሉ ሕፃናትን ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሕዝብን ጨንፈር ስየ ኂዞም ኣመስገንዎ።

ኣካለ መለኮት ምስ ኣካላ ሥጋ፡ ኣካለ ሥጋ ምስ ኣካለ መለኮት ብምውሃዱ መድኃኒት ኮይኑ ንዓለም ዘድኅነሉ እዋን ከም ዝኣኸለ ንምርግጋጽ ፍጹም ትሕትናኡ’ውን ንምግላጽ ኣብ ክንዲ ዘባነ ኪሩቤል ኣብ ዘባነ ኣድግን ጻዕብን ተወጢሑ ኣብ ክንዲ ምስጋና መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን፡ ምስጋና ካብ ምድራውያን ኣረገውትን ካብ ኣፍ ሕፃናት “ሆሣዕና” ንወዲ ዳዊት” መድኃኒት ምባል ሆሣዕና ኣብ ኣርያም ዝብል ቃለ ምስጋና እናተቐበለ ካብ ቢታንያ ተበጊሡ ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣተወ።

ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወ ኸኣ ብዘላ እታ ኸተማ ዅላ “እዚ መንዩ፧” ኢላ ተናወጸት። እቲ ሕዝቢ ኸኣ “እዚ ኻብ ገሊላ ዝመጽአ እቲ በዓል ናዝሬት ኢየሱስ እዩ” እንተኾነ ሊቃነ ኻህናትን ጸሓፍትን ብዝኾነ ይኹን እዋን ቅንኣት ተንኰል ኣይፍለዮምን እዩ’ሞ ነቶም ሕፃናት ጨንፈር ስየ ሒዞም እናወጣወጡ እናተሓጐሱ ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት ሆሣዕና ኣብ ኣርያም . . . እናበሉ ሰማያዊ ልዕልናኡን ጐይታ ዳዊት ክንሱ ወዲ ዳዊት ንምባል ብትሕትናኡ ተደኒቖም ከመስግንዎ ኸለዉ ሰሚዖም ባህ ስለ ዘይበሎም ንጐይታ እዞም ሕፃናት ዝብልዎ ዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፡ ስለምንታይ ዘይትኽልክሎም” በልዎ።
ጐይታ ኸኣ ነቢይ ዳዊት ብዛዕባ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ኣርኂቑ ብዓይኒ ትንቢት ጠሚቱ “እም አፈ ደቂቅ ወሕፃናት ኣስተዳሎከ ስብሐተ/ ምስጋና ካብ ኣፍ ሕፃናትን ቈልዑን ኣዳሎኻ ኢሉ ንዝተነበዮ ቓልዶ ኣየንበብኩምን፡” በሎም። ደቂቅ ዝተባህሉ ደቂ ዓመትን መንፈቕን፡ ሕፃናት ዝተባህሉ ድማ ደቂ ኽልተ ዓመት እዮም። ከምኡውን “እዚኣቶም ስቕ እኳ እንተበሉ እዞም ኣእማን ከመስግኑ እዮም “እብለኩም ኣሎኹ ኢሉ መለሰሎም። ሉቃ. 21፡50

ልሙዕ ስየ ሒዝካ ምቕባል ቅድሚ እቲ ጊዜ እቲ ዝተለምደ ነበረ።
ሀ. ኣብርሃም ኣብ ጊዜ እርጋኑ ንይስሐቅ ምስ ወለዶ ናይ ሥየ ጨንፈር ኂዙ ከም ዘመስገነ ቅዱስ ያሬድ “ነሥአ አብርሃም አዕፁቀ በቀልት ስብሐ ወዘመረ” ኣብርሃ ናይ ሥየ ጨንፈር ኂዙ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ ኢሉ ገሊጹዎ ኣሎ።
ለ. እስራኤል ካብ ምድረ ግብጽ ክወጹ ከለዉ ለምለም ሥየ ኂዞም “ንሴብሖ ለእግዚአብሔር ስቡሐ ዘተሰብሐ” ብባሕርይ ክብሩ ንዝተመስገነ እግዚአብሔር ፍጹም ምስጋና ይብጽሓዮ እናበሉ ብብርቱዕ ድሃይ ኣመስገንዎ። ዘፀ. 26፡2-28
ሐ. ብዛዕባ ክዳን ምንዳፍ ድማ ኢዩ ዝተባህለ ቅብዓ መንግሥቲ ምስ ተቐብዐ ነፍስ ወከፎም ከክዶሞኖም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ መደታይቦ ኣንጸፉ ይብል። 3ይ ነገ. 10፡24

ኵሎም እዚኣቶም በዛ መዓልቲ’ዚኣ ምስ ኣቦታቶም ሽማግለታት ኮይኖም ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝተወጥሖ ኣድጊ ብቕድሚትን ብድኅሪትን ከቢቦም “ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት፡ ሆሣዕና በኣርያም . . . እናበሉ ነቲ ስለዕ ናይ ሥየ እናወዛወዙ ክዘሉን ክዕንድሩን ከም ዝወዓሉ ንሕና ናይ ክርስቶስ ምእመናን ከኣ ንዓኣቶም ኣብነት ጌርና ናይ ክርስቶስ ሆሣዕና (ምድኃን) ተኣሚንና ስለዕ ናይ ሥየ ኂዝና ምስ ደቅና ሕፃናት ኴንና “ቅድሚ ሕጂ ዘይተገብረን ድኅሪ ሕጂ’ውን ዘይከውን ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኒት ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ንኣደናቒ ተኣምራቱ ገለጸ ኣርኣየ እናበልና፡ ኣብ ዓዓመቱን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከነመስግኖ እንነብር ዘሎና ነዚ ኣርኣያ’ዚ ብምስዓብ ኢና። ምእመናትን ምእመናንን ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ ዕለተ ሆሣዕና ጥራይ ዘይኮነ ደቕና ሒዝና ክንመጽእን ክንሳለምን ካብ ሕፃንነቶም ኣፎም ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክኸፍቱን ትምህርተ ተዋሕዶን መሠረተ እምነቶምን ኣጽኒዖም ክዓብዩ እሞ ንጹሓትን ርቱዓትን ወረስቲ ኣቦታቶም ብኵሉ ሥነ ምግባሮም ንእግዚአብሔር ዘሐጕሱን ድረት ኣቦታትም ዝሕልዉ ክኾኑን ሎሚ ጽባህ ዘየድልዮ ናይ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ሓላፍነት እዩ እሞ በዚ ቅዱስ ዕለት እዚ ኵላትና ንፈጣሪና ክነመስግንን ደቕና ኣብ ቤተክርስቲያን ኪነምጽእን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ትብል ኣላ።

ድርሳን ስምዖን ዓምዳዊ
ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስቶም ሕፃናት ሆሳዕና ስየን ሰትን ክፀውር ዓድለኒ። ኦ ወዲ ዳዊት ምሳኻ ሓደ ግበረኒ። ኣብ ውሽጢ ሕሊናና ብርሃን ምስጋናኻ ኣብሪህካ ኣባላትካ ክንከውን ዓድለና። ንስኻ ጓሳና፡ መጋቢና፡ መራሒና፡ ንጕስናን ኣምላኽናን እንቋዕ ብደኃን መጻእካ ካብ መንግሥቲ ጽልመት ኣናጊፍካ ናብታ ምልእቲ ብርሃን መንግሥትኻ ኣእትወና። ብስምካ ሕይወት ምእንቲ ክንወርስሲ ኻብ ስደት መልኣኽ ጽልመት ኣናጊፍካ ኣምላኻውያት ዝኾና ኪዳንካን ሕግኻን ኣብ ልዕሌና ጸሓፍ።
ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣቲና ነቶም ረጋቢት ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝነበሩ ሰጕጕካ “ቤተይ ቤት ጸሎት ክስመይ እዩ። ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉትን ሰረቕትን ገበርክምዎ” ዝበልካዮም። ንዅሉ መንፈስ እከይን ዘይጠቅም ሓሳባትን ካብ ልበይን ነፍሰይን ኣርሒቕካ። ንልቡናይ ቤት ጸሎት ክኸውን ኣብቅዓዮ፡ ንልበይን ሕሊናይን ድማ ንስምካ ከመስግኑን ክባረኹን ኣንቅሓዮም።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195