banner

ላዕለዋይ ልኡክ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ናይ ሥራሕ ምብጻሕ ፈጹሙ ተመሊሱ!


ላዕለዋይ ልኡክ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ደቡብ ሱዳን ከተማ ጁባ ናይ ሥራሕ ምብጻሕ ፈጹሙ ተመሊሱ!

ኣብዚ ካብ ዕለት 20 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ዝጀመረ ናይ ሓደ ሰሙን ሓዋርያዊ መንፈሳዊ ተልእኮ፦ ኃላፊ ክፍሊ ኣገልግሎት ካህናት ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይን ኃላፊ ወፃኢ ዝምድናታት ቀሺ በረኸት ኪዳነን ዘሳተፈ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ጁባ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሐ፡ ክቡር ኣምባሳደር ዮሓንስ ተክለ ሚካኤል ኣባላት ሰባኻ ጉባኤን ብኽብሪ ተቐቢሎሞም።

 

ላዕለዋይ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ክቡር ኣምባሳደርን ምስ ኣቦ መንበር ሰበኻ ጉባኤን ኣባላትን ከምኡ’ውን ውሉደ ክህነትን ሕዝበ ክርስቲያንን ብምርኻብ ብዛዕባ ህልዊ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልግሎትን ጥርናፈ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ብሰፊሑ ተዘራሪቡ።

ብተወሳኺ ላዕለዋይ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዕለት 24 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ብምስታፍ፡ “ኵሎም ዝኣመኑ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ነበሩ” ዝብል ጥቕሲ መሠረት ብምግባር ስብከት ሂቡ። ቀጺሉ’ውን ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ገምጋም ጕዕዞ 20 ዓመት ዝፈጸሞም መንፈሳዊ ሥርሓትን መጻኢ መደባትን ብዝርዝር ንተሳተፊ ሕዝቢ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ልኡክ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ሓዋርያዊ ዑደቱ ብዕለት 25 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ፈጺሙ ምስ ተመልሰ፡ ብዕለት 29 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ጸብጻብ ዑደቱ ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ ኣሎ።
ከምዝፍለጥ ኣብ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ከተማ ጁባ ዝግልገሉ ኤርትራውያን ልዕሊ 30 ውሉደ ክህነትን ኣስታት 10 ሺሕ ምእመናንን ምእመናትን ኣለዉ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195