banner

ዜና ዕረፍት ብፁዕ አቡነ ማርቆስ

ዜና ዕረፍት ብፁዕ አቡነ ማርቆስ

‘በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ . . . / ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ ሃይማኖተይ ኣጽኒዐ ጕያይ ፈጺመ እየ’ (2ይ ጢሞ. 4፡7)

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ብዝኃደሮም ሕማም ንነዊኅ እዋን ኣብ ሃገራት ዓባይ ብሪጣንያን እስራኤልን ክሕከሙ ድኅሪ ምጽናሕ ቀዳም 30 መጋቢት 2009 ዓ.ም (08 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ከተማ ሎንደን ኣብ መበል 86 ዓመቶም ዓሪፎም።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ “ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር/ ካብ ሕፃንነቱ ሕይወቱ ኣብ ቤት እግዚአብሔር” ከምዝብል፣ ካብ ጊዜ ንእስቶም ኣትኂዞም ንቤተ ክርስቲያን ተወፍዮም ዘገልገሉ፣ ቅድምን ድኅርን ናፅነት ሃገርና ኣብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ጽፍሒ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ንሕዝበ ክርስቲያን ዝጓሰዩ ኣቦ እዮም ነይሮም።

ኣብ ገዳሞም ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ (ጐደይቲ) ብዙኅ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኮይኖም ድኅሪ ሢመተ ጵጵስናኦም ድማ ካብ ታኅሣሥ 1988 ዓ.ም. (1995 ዓ.ም.ፈ) ጀሚሮም ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ብምዃን ኃላፊ ወፃኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ኣባል ቀዋሚ ሲኖዶስ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ . . . ብደረጃ ኃላፍነት ኣገልጊሎም እዮም።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ብምኽንያት ስእነት ጥዕና ንነዊኅ ጊዜ ዕረፍቲ ክወሃቦም ንቅዱስ ሲኖዶስ ክሓቱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ 18 ጥሪ 2007 ዓ.ም ኣትኂዞም ካብ ኃላፍነት ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣዕሪፎም፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ ክርስቲያን እናገልገሉ ከምዝጸንሑ ይፈለጥ።

ብሕማም ተሰኒፎም ኣብ ኢየሩሳሌምን ሎንደንን ሕክምናዊ ምክትታል ይገብሩሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፣ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘለዉዎ ቦታ ብምብጻሕ ጥዕናኦም ዝከታተልን ዝራድኦምን ብምምዳብ ጉዳዮም ብቐረባ ክከታተል ምጽንሑ ይፍለጥ።
ንሥርዓተ ቀብሮም ዝምልከት ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ዚገብሮ ሕፁፅ ጉባኤ ንሕዝበ ክርስቲያን ኪገልጽ እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195