banner

አቡነ ዓቢየ እግዚእ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

አቡነ ዓቢየ እግዚእ

‘ጸሎት ጻድቅ ብግብራ ብዙኅ ተስልጥ እያ’ ያዕ. 5፡16

ቅዱስ ኣቡነ ዓቢየ እግዚእ ካብ ኣቦኡ ያፈቅረነ እግዚእን ካብ ኣደኡ ጽርሓ ቅዱሳንን ሓደ ግንቦት ኣብ መረታ ኣርያ ዝበሃል ኣብ ትግራይ - ኢትዮጵያ ተወልደ። ‘እንጦንስ፡ ኢሎም ድማ ሰመይዎ። ገና ወዲ 7 ዓመት እንከሎ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ናብ ብሕትውናዊ ናብራ ኣምርሐ። ካብ ኣባ ዘርአ ሚካኤል ከኣ ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ካልእ መንፈሳዊ ትምህርትን ተማህረ። ብጾምን ጸሎትን ዝጸንዐ ኣቦ ስለዝነበረ ብዙኅ ጊዜ ብሒቱ ሱባኤ ይኣቱ ነበረ። ንመጀመርያ ጊዜ ሱባዔ ዝኣተወላ ቦታ ‘ኣገፋት’ ትበሃል።

ድኅሪ ሱባዔኡ ኣብ ሓርማዝ ተወጢሑ ካብ ኣገፋት ናብ ገዳም ደብረ ዓባይ ከደ። ቀጺሉ ኸኣ ናብ ገዳም ዋልድባ ብምኻድ ንምንኲስናኡ ብጸሎት ኣጽንዐ። ከም መርኣያ ቅድስናኡ ድማ ብደመና ተፃዒኑ ናብታ መቓብር ጐይታ ዝርከበላ ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም ተሳሊሙን ተባሪኹን ተመልሰ። ንእግረ መንገዱ ኸኣ ንበረኸት ክኾኖ ካብ መቓብር ኣቡነ እንጦንዮስን ኣቡነ መቃርዮስን፡ ካብ መቓብር ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ካብ ገዳም ደብረ ምጥማቅ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን መቓብር ሓዋርያ ማርቆስን ከምኡ’ውን ካብ ካልእ ቅዱሳት ቦታታትን ጸበል ተማልአ። (2ይ ነገ. 5፡17)

እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ፡ ካብ’ዚ ጸበል እዚ ናብ ሃገርካ እንተ ወሰድካ ንሰብን እንስሳን መድኃኒት ክኾነካ’ዩ ስለ ዝበሎ እዩ። ነዚ ዘምጽኦ ጸበል ድማ ኣብቲ ቅዱስ ሚካኤል ገዳሙ ከምዝኸውን ዝገለጸሉ ‘ተነስሓ’ ዝበሃል ቦታ በተኖ። ከምቲ ኣልኣዛር ዝተንሥአ፡ እቶም ኣብ ተነስሓ ተቐቢሮም ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት ተንሢኦም ብኽብሪ ተቐበልዎ። ጻድቅ ኣቦና ድማ ካብቲ ሠረገላ ወሪዱ ባረኾም። በዚ ዝገብሮ ዝነበረ ተኣምራት ከኣ ስሙ ካብ ‘ዓቢየ እግዚእ’ ሰመይዎ። ወንጌል እናሰበኸ፡ ተኣምራት እናገበረ ብጾምን ጸሎትን ንጽሕናን ቅድስናን ትሕትናን ትዕግሥትን ጸኒዑ ንነዊኅ ዓመታት ኣብቲ ዝገደሞ ገዳም ተቐመጠ።

በዚ ኣገልግሎቱን ቅድስናኡን ኣጋእዝተ ዓለም ሥላሴ ስለዝሠመሩ፡ ቅድሚ ዕረፍቱ ተገሊጾም ቃል ኪዳን ሃብዎ። ብድኅር’ዚ ኣቦና ዓቢየ እግዚእ ኣብ መበል 150 ዓመት ዕድሚኡ፡ ብ19 ግንቦት ካብዚ ኃላፊ ዓለም ናብቲ ዘይኃልፍ መንግሥተ ሰማያት ብሥጋዊ ሞት ተሰጋገረ። ድኅሪ ዕረፍቱ፡ ኣብቲ ዝተቐብረሉ ገዳሙ ኮነ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ቃል ኪዳኑ ስለዘይተፈልየ፡ ብስሙ በረኸት ይርከብ፡ ብጸበሉ ኸኣ ተኣምራት ይግበር ኣሎ።

ሕዝበ ክርስቲያን ንሕና ኸኣ ታሪኽ አቡነ ዓቢየ እግዚእ ከነንብብን ክንሰምዕን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣሰር ኣሰር ኣቦና ስዒብና ንጐይታ ዘሥምር ታሪኽ ክንሠርሕ ይግብኣና።

ነዚ ንምፍጻም እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና። በረኸትን ረድኤትን ኣቦና ዓቢየ እግዚእ ድማ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፡ ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195