banner

በዓለ ግዕዛን ዘውእቱ ግዕዛነ ኤርትራ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ፓራዲዞ/ማይተመናይ) ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

በዓለ ግዕዛን ዘውእቱ ግዕዛነ ኤርትራ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን (ፓራዲዞ/ማይተመናይ) ብመንፈሳዊ ሓበን ተኸቢሩ!

ከምቲ ዓመት መጸ 16 ግንቦት ነቲ እግዚአብሔር ዝገበረልና ዓቢይ ተኣምርን ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ንምዝካር ዝግበር በዓል፡ ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብፍሉይ ድማ ኣብ መካነ ገነት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ፓራዶዞ/ማይተመናይ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ብማኅሌትን ቅዳሴን ዑደተ ታቦትን ክብረ በዓል ተኸቢሩ። ሎሚ ዓመት’ውን ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ማእከል፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ሊቃውንት መምህራንን፡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብመንፈሳዊ ሥርዓት ተባዒሉ።


ብመሠረት ዝወፀ መርሐ ግብር ፡ ዋዜማ ካብ ፋዱስ ክሳዕ ሰዓት 3፡00 ድ.ቀ. ምስ ተቖመ፡ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ. ምሸት ስብሓተ ማኅሌት ንምቛም ቤተ ክርስቲያን ደወላ ደዊላ፡ ሊቃውንት መምህራንን ውሉደ ክህነትን ብዝግባእ ሥርዓት ስብሓተ ማኅሌት ከብጽሑ ኃዲሮም።ብድኅር’ዚ ጸሎተ ቅዳሴ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ጴጥሮስ ተሠሪዑ።

ዑደተ ታቦት ሰዓት 8፡15 ድ.ቀ. ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተዓጂቡ ብብፁዓን ኣቦታትን ካህናትን ሊቃውንት መዘምራን ተሰኒዩ ሠለስተ ሳዕ ምስ ተኻየደ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ደው በለ። ሊቃውንት መምህራን፡ ‘‘በዛቲ ድንግል ተሞዓ ሞት ወተቀጥቀጠ ኃይለ ጸላዒ’’ ዝብል ጣዕመ ዜማ ምስ ኣሸብሸቡ፡ መዘምራት ትምህርተ ሰንበት “ናይ አበው ሃይማኖት ኣይትሕደስን፣ ናይ ሰማዕታት እምነት ኣይትቕየርን” ኢሎም ዘመሩ። ቀጺሎም መጋቤ ሐዲስ መምህር ኤልያስ ሃብታይ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ኣስሚዖም። መምህር ኤልያስ ኣብ ትምህርቶም ‘‘ዓርቢ ዕለት 27 መጋቢት ናይ ነፍሲ ናጽነት፡ ዓርቢ ዕለት 16 ግንቦት ድማ ናይ ሥጋ ናጽነት ዝረኸብናለን ፍሉያት ዕለታት እየን። ካብቶም ታሪኽ ሠሪሖም ዝኃለፉ ሰባት ተማሂርና፣ ናጽነትና ነቲ ምሕረቱ፡ ኃይሉ፡ ፍቕሩ ንዘርኣየና ኣምላኽና ውዕለት እናዘኸርና ብጾምን ጸሎትን ንእግዚአብሔር እናመስገናንን እናዓቐብና ከነኽብረን ይግባእ። ነዚ ንምፍጻም ድማ ወትሩ ኣብ ቤቱ ክንርኸብ ይግባእ’’ ኢሎም ድኅሪ ምምሃሮም፡ ‘ከምቲ ንኣቦና ኖኅ ሐፀ ማይ አይኅ ክብል ቀስተ ደመና ዝገለጸሉ፣ ባንዴራና እውን ኣምሳል ቀስተ ደመና ዝኾነት ናጽነት ከም ዝረኸብና ክሕብረና እግዚአብሔር ኣምላኽ ብቀስተ ደመና ኣበሢሩና እዩ።” ብምባል ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ኣብ መወዳእታ ‘ሰላመ አብ’ ተባሂሉ ብብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ቡራኬን ጸሎትን ተዋሂቡ ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195