banner

ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ተቓኒዑ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ በዓለ ትንሣኤ ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣብ 10-11 ግንቦት 2009 ዓ.ም. ኣቃኒዑ። ኣብዚ ንኽልተ መዓልቲ ዝተቓንዐ ጉባኤ መንፈሳዊ፣ ምምኅዳራዊ፣ ልምዓታውን ካልእን ኣጀንዳታት ክቐርቡ ከለዉ፡ ሰፊሕ ዘተ እናተገብረሎም ከከም ዓይነት ኣጀንዳ ውሳነታትን መምርሒ ሥራሕን ተዋሂብሎም።

ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ ዝዘተየሎም መንፈሳውን ምምኅዳራውን ኣጀንዳታት፥

ጉዳይ ጸብጻብ ሽማግለ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ጉዳይ ራብዓይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ መንበረ ፓትርያርክ፣ ወግዓዊ ምምራቕን ምጅማርን መንፈሳዊ ኮሌጅ፣ ምጅማር ገዳም ደብረ ደናግልን ምጽዳቕ ሕጊ ገዳምን፣ ሥልጠና ካህናት፣ ምንጻር ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጕዳይ ኣስተምህሮ “ጥንተ አብሶ”፣ ምቋም መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ፣ ጸብጻብን ገምጋምን ንግደት ኢየሩሳሌም 2009/2017፣ ህልዊ ምዕባለ ኣብ ጉዳይ ምዕዳግ መሬት ቤተ ክርስቲያን ሃገር ቅድስት ኢየሩሳሌም፣ ምብርባር ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ገዳማት ዘመንበረ ፓትርያርክ፣ ምሥራዕ ሥሉሳዊ ጉባኤ ምኽሪ ገዳማት ኤርትራን ጉባኤ ሊቃውንትን ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ምጥንኻርን ምክትታልን ወፃኢ ሃገረ ስብከታትን ኣብያተ ክርስቲያንን፣ ተሳትፎ ናብ ዝቕጽል ጉባኤ ፈጻሚ ኮሚቴ ፌካላሃ (Feccalaha)፣ ጉዳይ ዳግመ ኅትመት ቃለ ዓዋዲ ከምኡ’ውን ፍቓድ ኅትመት ክልተ መጻሕፍቲ፣ ዝኽሪ ኃዘን ግብረ ሽበራዊ ፍጻሜታት ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ግብጺ . . . ዝብሉ ክጥቀሱ ይከኣሉ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ፡ ካብቶም ብመልክዕ ጸብጻብን ቍጽራዊ ቀመርን ተሰንዮም ዝቐረብሉ ልምዓታዊ መደባትን ጉዳያትን ዝተዘርበሎም ኣጀንዳታት ንምጥቃስ ዝኣክል፥ መግለጺ ንድፊታትን ውጥናትን ብእንዳ ‘ደብረ ዳሞ’ ዝፍለጥ ቤት ጽሕፈት፡ ቤት ትምህርቲ ቀራንዮ፡ ጨንፈር ደብረ ደናግልን ምምሥራት እጓለ ማውታን(መእለዪ ዘኽታማት)፡ ምምሥራት ማእከል ንዋያተ ቅዱሳት፡ ምሕዳስ ዝተፈላለዩ ሕንፃዊ ሥራሓት . . . ይርከብዎም።

ጽማቝ ጸብጻብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ሃገረ ስብከታት ክዝርጋሕን በዚ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ (www.lisantewahdo.org) ክሕበርን እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195