banner

ገባሬ ተአምር ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ገባሬ ተአምር ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ሓደ ኻብቶም ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ነናብ ብዕጫ ዝበጽሖም ሃገረ ስብከቶም ዝኸዱ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት እዩ። ንሓዋርያ ቶማስ ብዕጫ ዝበጽሖ ሃገረ ህንድ እዩ። ኣብዚ ዓዲ ምስ ኣተወ፡ ‘እንታይ ሞያ ኣለካ’ በልዎ። ንሱ ድማ “ምንዳቕን ምጽራብን ምሕናፅ ቤተ ምኵራብን . . . እኽእል እየ” ብምባል ኽእለቱ ገለጸሎም።


‘በል ከምዚ ናትካ ዝበለ ክእለትን ፍልጠትን ዘለዎ ሰብ ንንጉሥና የድልዮ እዩ’ ኢሎም ናብ ንጉሥ ወሰድዎ። ንጉሥ ድማ በዚ እናተሓጐሰ “ዓቢይ ሕንፃ ክሓንፀለይ ዝኣክል ገንዘብ ሃብዎ” ኢሉ ናብ ሉክዮስ ዝተባህለ መኰንን ሰደዶ። ሉክዮስ ድማ መልእኽቲ ተቐቢሉ ገንዘብ ሂቡ ናብ ቤቱ ወሰዶ። ንሱ ግና መገሻ ስለዝነበሮ ናብ መገሻኡ ከደ። ሉክዮስ፡ ካብቲ ዝገሸሉ ምስ ተመልሰ፡ ኵሉ ኵነታት ተቐያዪሩ ከምቲ ዘይሓሰቦ ጸንሖ። ሓዋርያ ቶማስ፡ ነታ ሰበይቲ ንጉሥን ካልኦትን ክሰብኽ ከምኡ’ውን ነቲ ዝተዋህቦ ገንዘብ ንድኻታት ክምጽውት ጸንሖ። ሉክዮስ ብቝጥዓ ንሓዋርያ ቶማስ፡ ‘እቲ ዝሓነፅካለይ ቤት ደኣ ኣበይ ኣሎ፧’ በሎ። ሓዋርያ ቶማስ ከኣ ‘ብገንዘብካ ዝሓነፅኩልካ እዚኦም ብስም ክርስቶስ ዝኣመኑ ሥድራኻን ሕዝብኻን እዮም’ በሎ። በዚ ኣዝዩ ሓሪቑ፡ ቈርበቱ ቀሊጦም ሑፃ መሊኦም ከሰክምዎ ኣዘዘ።

እቶም ዝተኣዘዙ ሠራዊት ከኣ ቈርበት ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ እናቐለጡ ሰበይቲ ሉክዮስ ብመስኮት ኮይና ትርእይ ነበረት እሞ ወዲቃ ሞተት። ሉክዮስ ናብ ሓዋርያ ቶማስ ከይዱ፡ ‘ናብ ኣምላኽካ ጸሊኻ ንሰበይተይ ኣተንሥኣለይ እሞ ብኣምላኽካ ክኣምን እየ’ በሎ። ሓዋርያ ቶምስ ድማ ጸልዩ ኣተንሥኣ። በዚ ሉክዮስ ምስ ሥድራኡን ነዚ ተኣምራት ዝረኣዩ ኵሎምን ኣሚኖም ተጠምቁ። ቤተ ክርስቲያን ሓኒፁ ጳጳሳትን ካህናትን ሸይሙ ዝግባእ ትምህርቲ ምሂሩ ብዙኅ ዝተፈላለየ ተኣምራት ጌሩ ናብ ሃገረ ቀንጠራ ኸደ።

ኣብ ሃገረ ቀንጠራ ምስ በጽሐ፡ ብኸቢድ ኃዘን ኣምሪሩ ዝበኪ ሓደ ሰብኣይ ረኸበ። ምኽንያት ኃዘኑ ምስ ሓተቶ፡ ልቓሕ ገንዘብ ንጉሥ ብዘይ ምምላሱ ሾብዓተ ደቁ ከም ዝተቐትልዎ ነገሮ። ቅዱስ ቶማስ ድማ ካብቲ ቅላጥ ቈርበቱ ሂቡ፡ ‘ኣብ መቓብር ሾብዓተ ደቅኻ ኣንብሮ እሞ ኵሎም ደቅኻ ካብ ሞት ኽትንሥኡ እዮም’ በሎ። በዚ ኸኣ ሾብዓተ ደቁ ካብ ሞት ተንሥእሉ። እዚ ተኣምር’ዚ ኣብ ኵሉ ኣህጉረ ምስ ተሰምዐ፡ እቶም መምለክያነ ጣዖት ንሓዋርያ ቶማስ ኣዝዮም ኣሳቐይዎ። እንተኾነ እቲ ንስም እግዚአብሔር ዝጸርፍ ዝነበረ ካህን ጣዖት፡ በዚ ኽፉእ ግብሩ ኃዲግ ሰማይ ኃዲግ ምድሪ ጌሩ ነፋስ ምስ ኣንጠልጠሎ፡ ኵሎም እቶም መምለክያነ ጣዖት ብስም ክርስቶስ ኣሚኖም ተጠምቁ፣ ነቲ ቤተ ጣዖት ኣልዮም ድማ ቤተ ክርስቲያን ሓነፁ።

ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ፡ ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕ ናብ መቄዶንያ ኸደ። እንተኾነ ግና ሰብ እቲ ዓዲ ኣዝዮም ክፉኣት ስለዝነበሩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። ማዕጾ እዚ ቤት ማእሰር’ዚ ዝኸፍቶ ዘይብሉ ባዕሉ እናተራሕወሎም፡ ሰበይቲ እቲ ንጉሥ ምስ ጓላ ከምኡ’ውን ብዙኃት ሰባት ይርእይዎን ይረኽብዎን ነበሩ።

እዚ ነገር እዚ ኣብ ንጉሥ በጽሐ እሞ ኣዝዩ ተቘጥዐ። “ሕጂ ነዚ ዅሉ ሕዝቢ ተጋጊ ኣሎኻ፡ ደኃር ምስ ቀተልኹኻ ግና ትምህርትኻ ካብ መሠረቱ ካብዚ ሃገር ኪጠፍእ እዩ” በሎ። ሓዋርያ ቶማስ ግና “ምስ ሞትኩ ግብረይን ትምህርተይን ኣዝዩ ክስፍሕ እምበር ኣይጠፍእን’ዩ” ኢሉ ብትብዓት መለሰሉ። በዚ ዝተቘጥዐ ንጉሥ ብዅናት ወጊኦም ኪቐትልዎ ኣዘዘ። 26 ግንቦት ድማ ብሰማዕትነት ኃለፈ።

በረኸቱ ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195