banner

እንቋዕ ንጾመ ድኅነት ኣብቅዓና!

እንቋዕ ንጾመ ድኅነት ኣብቅዓና!

ጾመ ድኅነት ጾመ ረቡዕን ዓርብን እንትርፎ ድኅሪ ትንሣኤ ክሳዕ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘለዉ ጊዜያት ዝርከቡ ረቡዕን ዓርብን ከምኡ’ውን ልደትን ጥምቀትን ኣብ ዝውዕሉሉ እዋን እንተ ዘይኾይኑ ካብ ዓመት ክሳዕ ዓመት ዝጽወም ጾም እዩ። ዝጽወምሉ ምኽንያት ኣለዎም።

ረቡዕ፦ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስቃል ናይ ሞቱ ምኽሪ መኺሮም ዝፈጸሙሉ ዕለት እዩ። (ዮሓ. 11፡46-53) ስለዚ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ምእንቲ ደቂ ሰባት ዝተወሰኖ ናይ ሞት ፍርዲ ምእንቲ ክንዝክር ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኽንጸውም ብሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ተሠሪዑ ኪጽወም ይነብር ኣሎ።

ዓርቢ፦ ከምዝፍለጥ ጐይታ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ዝተሰቕለሉ ብሥጋ ዝሞተሉ ንብዙኅ ዓመታት ኪጽበይዎ ዚጸንሑ ተስፋ ዝተፈጸመሉ ቅድስት ዕለት እያ። (ዮሐ. 19፡17-30 ፣ ሉቃ. 23፡26-49) ብምዃኑውን እንትርፎ ኣብ በዓለ ኃምሳን ልደትን ጥምቀትን፡ ረቡዕን ዓርብን ምእንታና ዝወዓለልና ውዕለት እናዘኸርና ብጾምን ጸሎትን ነዘን ክልተ ዕለታት እዚኣተን ከነኽብረን ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ትእዝዘና። (ፍት.መን.አን. 15፡ ዲድስቅ. 29)

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195