banner

‘ማየ በረከት ዘዕለተ 8 ሰኔ’

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ማየ በረከት ዘዕለተ 8 ሰኔ’

ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ስለዝኾነ፡ ዘመን ተቘጺርሉ ሕፃን ኮይኑ ካብ እስራኤል ናብ ግብጺ ተሰደ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ሰሎሜን ኣብ ግብጺ ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ምስ ጸንሑ፡ ዘሳደዶም ንጉሥ ሄሮድስ ስለዝሞተ፡ ንግብጺ ገዲፎም ናብ ዓዶም ምድረ እስራኤል መንገዶም ጀመሩ።

እንሆ ድማ ኺምለሱ ኸለዉ ኣብ 'መዓልቃ' ትበሃል ዓዲ በጽሑ እሞ ብዕለት 8 ሰኔ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕሙማን መድኃኒት ዝኸውን ካብ ከውሒ ማይ ኣፈልፈለ።

ካብታ ተኣምር ዝገበራ ዕለት ድማ ብዙኃን ሕሙማን መጺኦም እናተሓጽቡ ይመሓሩ ነበሩ። ኣብዛ ቦታ’ዚኣ ኣብ 893 ዓ.ም. ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፁ ቅዳሴ ቤታ ተኸቢሩ።

በዚ ኸኣ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመት መጽአ 8 ሰኔ ከም ሓደ ካብ ሰላሳን ሠለስተን በዓላት እግዝእትነ ማርያም ቈጺራ ኸተኸብሮ ትነብር ኣላ።

ሰላም እብል ለቅዳሴ ቤትኪ ሕንፅት፣

ኀበ አንቅዐ ወልድኪ ማየ በረከት፣

ማርያም በስምኪ ስመ ሀብት፣

ይትወሀብ ለዘጸለየ በኵሉ ሰዓት፣

ሠናይ ሀብት ወፍጹም ፍት።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195