banner

ነገረ ድኅነት ሣልሳይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ነገረ ድኅነት ሣልሳይ ክፋል

“ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ብተዋሕዶ እዩ”። “ተዋሕዶ” ዝብል ቃል “ተዋሐደ” ካብ ዝብል ግእዛዊ ቓል ዝወፅአ እዩ፣ ትርጕሙ ድማ፦ “ካብ ክልተ ነገራት ሓደ ኾነ” ማለት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል፣ ካብ ክልተ ባህርይ ሓደ ባህርይ ብምዃን ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ እዩ። ቅድሚ ተዋሕዶ ኽልተ ኣካል፡ ኽልተ ባህርይ ዝተባህሉ፡ መለኮታዊ ኣካልን ሥጋዊ (ሰብኣዊ) ኣካልን እዮም።


“ኣካል” ዝብል ንእግዚአብሔርን ንሰብን ክንገር ዝኽእል እዩ። ንእግዚአብሔር፦ “ንአብ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም መልክዕ፡ ፍጹም ኣካል ኣለዎ፤ ንወልድ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም መልክዕ፡ ፍጹም ኣካል ኣለዎ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ፍጹም ገጽ፡ ፍጹም መልክዕ፡ ፍጹም ኣካል ኣለዎ። መለኮታዊ (ናይ እግዚአብሔር) ኣካል ሰፊሕ፡ ረቂቕ፡ ምሉእ እዩ።

ንሰብ ኣካሉ ኻብ ጸጕሪ ርእሱ ኽሳዕ ጽፍሪ እግሩ ዘሎ እዩ፣ ነዚ ኺገልጽ ዘማራይ ዳዊት፦ “ወአካልየኒ ወኢከመ ምንት በቅድሜከ/ ኣካለይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ" (መዝ. 39፡5) ይብል። ሰብኣዊ (ሥጋዊ) ኣካል ጸቢብ፡ ግዙፍ፡ ውሱን እዩ።

ናይ’ዞም ኽልተ ኣካል ተዋሕዶ (መለኮታዊ ኣካልን ሥጋዊ ኣካልን) ናይ ኣካል ተዋሕዶ ይብሃል። ነዚ ድማ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ብምልኣትን ብስፍሓትን ይምስክሩሉ እዮም። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣይሁድ፦ “ኣነ ኣብርሃም ከይተወልደ ከም ዘሎኹ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” በሎም። ኣብዚ ምሉእ ሓሳባት እዚ ጐይታና መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብርሃም ከይተወልደ ህልው ከም ዚኾነ እኳ እንተገለጸ፡ ብሥጋዊ ኣካል ካብ ዝግለጽ ገና ኃምሳ ዓመት ከምዘይመልአ ኣይሁድ ተዛሪቦምዎ እዮም። ሥጋዊ ኣካል ምስ መለኮታዊ ኣካል ብምውሓዱ፦“ኣብርሃም ከይተወልደ ኣነ ኣሎኹ” በለ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “እንተዝፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ክብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም” (1ይ ቆሮ. 2፦9) ኢልዎም ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ቀራንዮ ኽቡር ደሙ ዘፍሰሰ ጐይታ ኽብሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ምስ ሥጋ ፍጹም ከም ዝተወሓደ የረድኣና። ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ብወገኑ ንኣይሁድ ኣብ ቤተ መቅደስ ኣብ ዚገሠፀሉ ጊዜ፡ “ነቲ ወሃብ ሕይወት ቀተልክምዎ” (ግብ. 3፡15) ኢሉዎም እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣይሁድ ብኽፍኣት ዝቐተልዎ ወሃብ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ሥጋ ዚተወሓደ መለኮት (ሥግው ቃል) ምዃኑ ይገልጸልና። ንቕዱስ ዮሐንስ ኣብ ራእዩ ጐይታና ምስ ተገልጸሉ፦ “ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳኅራይን እቲ ሕያውን እየ እሞ ኣይትፍራህ፣ ሞይተ’ውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸኣ ንዘለዓለም ዓለም ሕያው እየ፣ መርኆ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ።” ብምባል መለኮቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሞይተ’ውን ነበርኩ” ኢሉ ድማ ምስ ሥጋ ፍጹም ምውሓዱ ይምህረና። (ራእ. 1፡18)

ስለዚ ድማ “ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ኻብ ክልተ ኣካል ሓደ ኣካል ኮይኑ” ኢላ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትኣምንን ትምህርን።

ኣካል ብዘይ ባህርይ ኣይቀውምን እዩ። ባህርይ ከኣ ብዘይ ኣካል ኣይፍጸምን እዩ። ባህርይ፡ ምንጪ ኣካል እዩ፡ ኣካል ግብሩ ዚፍጽመሉ’ውን መሣርሒ እዩ። ስለዚ ኣካልን ባህርይን ዘይፈላለዩን ዘይተኻኽኡን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኣካል፡ ባህርይ ኣይብሃልን፣ ባህርይ’ውን ኣካል ኣይብሃልን እዩ። መለኮታዊ ባህርይ ኣሎ፤ ሥጋዊ (ሰብኣዊ) ባህርይ’ውን ኣሎ። መለኮታዊ ባህርይ፦ ፈጣሪነት፡ ኵሉ ከኣልነት፡ ዘለዓለማውነት፡ ዘይምልዋጥ፡ ዘይምስዓር፡ ዘይምጥማይ፡ ዘይምጽማእ፡ ዘይምሕማም፡ ዘይምማት እዩ። ሰብኣዊ (ሥጋዊ) ባህርይ ድማ ምድካም፡ ምጥማይ፡ ምጽማእ፡ ምሕማም፡ ምማት እዩ። ስለዚ እዚ ናይ ክልተ ባህርይ ምውሓድ ናይ ባህርይ ተዋሕዶ ይበሃል።

ነዚ ሓደ ኣብነት ዝኾነና ናይ ሓፂንን ሓውን ተዋሕዶ እዩ። ሓፂንን ሓውን ምስ ዝወሓዱ እቲ ሓፂን ናይ ሓዊ ባህርይ ናቱ ገይሩ ይኅዝ። ኣቐዲሙ ዘየንድድ ዝነበረ፡ ድኅሪ ምውሓዱ ከንድድ ይጅምር። ብርሃን ሓዊ ወሪሱ ድማ ከብርህ ይጅምር። ሓዊ’ውን ከምኡ፡ ባህርይ ሓፂን ወሪሱ ናቱ ይገብሮ። ኣቐዲሙ ቅርጺ ኣልቦ ዝነበረ ሓዊ ድኅሪ ምውሓዱ ናይ ሓፂን ቅርጺ ወሪሱ ናይ ሓፂን ቅርጺ ይኅዝ። ኣቐዲሙ ዘይጭበጥ፡ ዘይድኅሠሥን ዘይህረምን ዝነበረ ሓዊ፡ ምስ ሓፂን ድኅሪ ምውሓዱ ግና ኺጭበጥ፡ ኪድኅሠሥን ኪህረምን ይጅምር። ብኸምዚ ድማ መለኮት ብባህሪኡ ረቂቕ እኳ እንተኾነ፡ ከምቲ ሓዊ ምስ ሓፂን ምስ ተወሓደ እሳትነቱ ዝርአ፡ መለኮት’ውን ምስ ሥጋ ብምውሓዱ ግዝፈቱ ተራእየ፡ ተገልጸ። ሓዊ ምስ ሓፂን ኮይኑ ብማሳ ከምዝህረም እሞ ግና እቲ ማሳ ነቲ ናይ ሓዊ እሳትነት ባህርይ ከምዘየናውጾ፡ መለኮት’ውን ምስቲ ዝተወሓዶ ሥጋ ብሓደ ምንባሩ ሓቢሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ፡ ተቐብረ። እዚ ግና ንመለኮታዊ ባህርይ ኣይረኽቦን እዩ። በቲ ዝለበሶ ሥጋ ደኣ እምበር ብመለኮት ኣይሞተን። ብኻልእ ውን ከምቲ ሓፂን ናይ ምንዳድ ባህርይ ዘይነበሮ እሞ ደኃር ዘቃጽል ባህርይ ሓዊ ወሪሱ ከንድድ ዝኸኣለ፡ ኸምኡ ድማ እቲ ድኹም ዝነበረ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውሓዱ ንሞት ዚስዕርን ተኣምራት ዚገብርን ኮነ። (እዚ ምሳሌ’ዚ ብቕዱስ ቄርሎስ ዝተዋህበ እዩ።)

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ሥግው ቃል) ንሥጋ ዝተወሓደ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር እዩ። ድኅረ ተዋሕዶ ክንፈላሊ ኣይንኽእልን። እዚ ናይ መለኮት እዩ፡ እዚ ናይ ሥጋ እዩ ኣይብሃልን። ክልቲኦም ብተዋሕዶ ሓደ ኾይኖም እዮም።

ንኣብነት፦ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮም ተኣምራት ነዚ መረዳእታ ይኾኑና እዮም፦

• ነቲ ዓይነ ሥውር ብምራቑ ሓመድ ኣብዒጡ ብምልካይ ከምዝርኢ ገበሮ። ምራቕ፡ ናይ ሥጋ ባህርይ ብምዃኑ ተኣምር ናይ ምግባር ኃይሊ ኣይነበሮን፡ ሕጂ ግና ሥጋ ፍጹም ምስ መለኮት ስለዝተወሓደ ጐይታና ብምራቑ/ብጥፍጣፉ ዓይኑ ኣብርሃሉ። እዚ ተመልኪትና ተኣምር ዝገበረ ብሥጋኡ እዩ ወይ ብመለኮቱ እዩ ኢልና ምንጽጻል ኣይከኣልን እዩ።
• ጐይታ ምስ ሓዋርያት ብጃልባ እናተጓዓዙ ኸለዉ ኣብኣ ደቀሰ። “ኦ ጐይታ! ጠፋእና” ኢሎም ኣተንሥእዎ። ተንሢኡ ኸኣ ነቲ ንፋስ ገሠፆ። ምስ ሥጋ ዝተዋሓደ መለኮት፡ ሥጋ ኣብ ዝደቀሰሉ ነይሩ እዩ። ምፍልላይ የብሎምን። በዚ ድማ ጐይታ ተንሢኡ ነቲ ማዕበል ገሠፆ። ድቃስ ባህርይ ሥጋ ስለዝኾነ ደቀሰ። ተንሢኡ ግና ማዕበል ጸጥ ኣበለ። ንባሕሪ ምግሣጽ፡ ንፍጥረታት ምእዛዝ፡ ባህርይ መለኮት ብምዃኑ እዚ ገይሩ ኢልካ ምፍልላይ ኣይግባእን። ደቂሱ ነይሩ፡ ተንሢኡ ንማዕበል ጸጥ ዘበለ ንሱ ሓደ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ፡ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ይድቅስ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ ተኣምራት ይገብር፡ ሙውት የተንሥእ ነበረ።
• ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ሥጋ ለቢሱ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ እዩ” ኽንብል ከሎና፡ ሰብ ብምዃኑ ብባህሪኡ ምትሓት የብሉን። ኣብ ሰማይ ኣብ ዝፋኑ እናተመስገነ ኣብ ምድሪ እናዞረ ምሂሩ፡ መከራ’ውን ተቐበለ። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ያሬድ “ንዅሎም ፍጥረታት ዝምግብ ጐይታ፡ ኣብ ሕቝፈኺ ኾይኑ ኸም ሕፃን ኪጠቡ ኣብ ዝርኣይሉ ጊዜ ኣብ ኣርያም ደለይዎ እሞ፡ ኣብዚ ዓለም ከም ቀደሙ ምስ ኣቦኡን መንፈስ ቅዱስን ረኸብዎ።” ይብል። (ኣንቀጸ ብርሃን) ነዚ ዝረኣዩ መላእኽቲ እዮም። ፀሓይ ኣብ ዘላቶ ኾይና ንምድሪ ኸም እተሙቖ፡ ንሱ ድማ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ (ንዓለም እንገዝአ) ኣብ ምድሪ ብሥጋ ማርያም ተገልጸ፡ ሥጋ ተዋሒዱ እናዞረ ምሃረ።

ስለዚ፦ “ተዋሕዶ ማለት ከመ ኣውጣኪ ሓደ ባህርይ ጥራይ እዩ ኸይበልና፡ ከም ንስጥሮስ ተደሪቡ ኽልተ ባህርይ እዩ ኸይበልና፡ ከም ካልኦት መናፍቓን ብምድብላቕ/ ምትሕውዋስ/ እዩ . . . ናብ ዝብል ሓሳብ ከይኣተና ፡ መለኮት ምስ ሥጋ ፍጹም ብምውሓዱ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ባህርይ ብተዋሕዶ ምዃኑ ክንምስክር ይግብኣና።”

ተፈጸመ ሣልሳይ ክፋል

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195