banner

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታት ኤርትራ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታት ኤርትራ

ዕለተ ሰማዕታት 13 ሰኔ  ዝንበቡ፦ 

ዘእስመ ለዓለም፦

ወይርእዩ ኣሕዛብ. . . ። መዝ. 71
እስመ በእንቲአሁ . . . ። መዝ. 44
ማቴ. 10፡16-31

ዘቅዳሴ

ዕብ. 14፡32-ፍጻሜ።
ራእ. 20፡1-6
ግብ.ሓዋ. 5፡32-ፍጻሜ

ምስባክ፡

ወሥጋሆሙኒ . . . ። መዝ. 79
ዮሐ. 12፡24-34 ።

ሰማዕታት ዝበሃሉ ብሓባር ኮነ ብውልቂ ምእንቲ ሓቅን ጽድቅን ምእንቲ ሕዝብን እምነትን ሕይወቶም በጃ ዝወፈዩ መሥዋዕቲ ዝኾኑ እዮም። ሰብ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ንሕይወቱ በጃ ኣኅሊፉ ክህብ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ ስለዘየልቦ፡ ሰማዕትነት ዓቢይ ክብርን ዓሚቕ ፍቕርን ዝኃዘ እዩ። ዮሓ. 15፡13

ኣብ ሥጋዊ ሕይወት ኮነ መንፈሳዊ ሕይወት ቀይሕ ደም ከይፈሰሰ ፃዕዳ ዓፅሚ ከይተኸስከሰ ብዘይ መሥዋዕቲ ናፅነት ኣይርከብን’ዩ። ሃገርካ ኪወርር ሕዝብካ ኬሕስር ሃይማኖትካ ኪቕይር ንዝመጸካ ምክልኻልን ክሳዕ ሞት ዝበጽሕ መከራ ምቕባልን ንቡር እዩ። ኣብ መጽሓፍ መቃብያን ተጻሒፉ ከምዘሎ፦ እቶም ሕዝበ እግዚአብሔር ዕብራውያን ነቲ ንቤት መቕደሶም ዜፍርስ፡ ንሃገሮም ዜብርስ ንነፍሶምን ጥሪቶምን ዜባሳብስ፡ ጸላኢ ተላዒሉ ኣብ ወሰን ምድሮም ናይ ባዕዲ ሠራዊት ከምዝሰፈር ምስ ርኣዩ ብኽብሪ ንምንባር ወይ ብኽብሪ ንሙማት ወሰኑ።

ምእንቲ ቤት መቅደስ ኣምላኽን ምእንቲ ሃገሮምን ኪዋግኡ ተገደዱ። ብሓንሳእ ተኣኪቦም ‘ኦ ጐይታ ኣሕዛብ ክድምስሱና መጺኦም ኣለዉ ነቲ ኣሚሞምዎ ዘለዉ’ውን ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ’ እናበሉ ናብ እግዚአብሔር ምስ ጸለዩ፡ ቤት መቕደስና እናፈረሰ፡ ሕዝብና እናተደምሰሰ ፈዚዝካ ካብ ምርኣይ ኣብ ውግእ ሙማት ይኃይሽ ኢሎም መለኸት ነፊሖም ተዋግኡ። ኣብቲ ውግእ ካብ ክልተኡ ወገን ብዙኃት ተወጊኦም ወደቑ። እቲ ዓወት ግና ናይ ሕዝቢ እግዚአብሔር ዕብራውያን ኮነ። ነዚ ድኅሪ መሪር ቃልስን ብዙኅ መሥዋዕትን ዝተረኽበ ዓወት ድማ ዝዓነወ ቤት መቕደሶም ሓኒፆምን ቀዲሶምን፡ ተምሳል ዋልታ ምክልኻልንን ኣኽሊል ዓወትን ብምግባር ዓመት ዓመት እንዘከሩ የብዕልዎ ነበሩ። (ቀዳማይ መጽሓፈ መቃብያን)

እንሆ ንሕና’ውን በዓለ ሰማዕታት ኤርትራ ኢልና ከነብዕሎ ከሎና ነቲ ብደሞም ዝተረኽበ ዘውዲ ናፅናት እናዘከርና ነፍሳት ኵሎም ሰማዕታትና ዕረፍቲ ነፍሲ ንኽህቦም ንእግዚአብሔር ብምምኅጻን እዩ። ሰማዕታት ኤርትራ ምእንቲ ፍቕሪ ሃገርን ሕዝብን ሕይወቶም ዘኅለፉ ስለዝኾኑ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም፡ ነቶም ኣካሎም ዝሠውዑ ኸኣ ምጽንናዕ ክዕድሎም ንእግዚአብሔር ምልማን ዝግባእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ዝተዘርወ ኣዕፅምቶም በቲ ዝፈሰሰ ደሞም ጠሊሉ ፍረ ናፅነት ስለዝፈረየ።

ሓቂ እዩ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኃለፉ ዓመታት ናፅነት ንምርካብን ንምኽባርን ብዙኅ ዕንወትን ሞትን ስንክልናን ስደትን ዝኽትምናን ምክልባትን ገጢምዎ እዩ። ግና ብምስጋና ብጸሎትን ተቐቢሉ ኪጸናናዕ ከምዘለዎ ክምህረና ከሎ እግዚአብሔር “ንሕዝበይ ኣጸናንዑ፡ እወ ንሕዝበይ ኣጸናንዑ ንሕዝቢ ኢየሩሳሌም ኣተባብዕዎም ጸበባኦም ከምዝተወደአ ኣበሳኦም ከምዝተኃድገ ንገርዎም።” ብምባል የጸናንዓና። ምጽንናዕ ብእግዚአብሔር ምዃኑ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ክገልጽ ከሎ “በቲ ንርእስና ካብ እግዚአብሔር እንጸናንዓሉ፡ . . . ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ።” 2ይ ቆሮ. 1፡3-5

ስለዚ ነቲ ጸገማትና ዝፈትሕ፡ ካብ ፈተና መዋፅኦ ዝፈጥር፡ ካብ ኃዘንና ዘጸናንዕ እግዚአብሔር ምዃኑ ኣሚንና ንሓድሕድና ክንጸናናዕን ክንተባብዕን ግብእና ክንፍጽምን፡ ከምኡ’ውን ሃገርን ሕዝብን ናጽነቱ ተኸቢሩ፡ ሰላምን ቅሳነትን ኪረክብ ጸሎትን ምህለላን ወትሩ ክግበር ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕጽንታኣ ተቕርብ።

ኵሉ ዝከኣሎ እግዚአብሔር ኣምላኽና፡ ነቶም ስለ ሃገሮም ሕይወቶም ዘኅለፉ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ፡ ነቶም ኣካሎም ዝሠውዑ መንፈሳዊ ኃይሊ፡ ንቤተ ሰቦም ድማ ምጽንናዕ ክህብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195