banner

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታተ ኤርትራ ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሩ!

ዝክረ ዕለተ ሰማዕታት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ድማ ብደረጃ ሃገር ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሰኑይ 12 ሰነ 2009 ዓ.ም. ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩ።

ኣብዚ ሥነ ሥርዓት’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ማእከል፡ ኣበምኔት ገዳማት፡ ኣመኃደርቲ ሰበካ ጉባኤያት፡ ኣካላት መንግሥቲ፡ ውሉደ ክህነት፡ ምእመናንን ምእመናትን ተሳተፍቲ ነይሮም።

ብመሠረት ዝወፀ መርሐ ግብር፡ ካብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ዝተዋፅኡ ለባስያን ካህናት ‘ጸሎት በእንተ ሙታን (እግዚአ ሕያዋን)’ ብዜማ እንናጸለዩ፡ ኵሉ ሕዝቢ ድማ ኣብ መምዕራፉ ንነፍሳት ኵሎሙ ሰማዕታተ ኤርትራ ኣዕርፍ እናበለ ይቕበሎም ነበረ።

‘ጸሎተ ንስሓ’ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ተጸልዩ፡ ጸሎተ ወንጌል በጺሑ፡ ካብ መዝሙር ዳዊት ምስ ተሰብከ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ካብ ወንጌል ዮሐንስ ተነቢቡ። ሊቃውንት መዘምራን ድማ ያሬዳዊ ዜማ ኣስሚዖምን ኣሸብሺቦምን። መራሕ መደብ ሊቀ ካህናት ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ዝኾኑ መምህር ዘርአ ኣስመላሽ ሓፂር መግለጽን መልእኽትን ኣስሚዖም መድረኽ ንኣቦ መንበር ጉባኤ ሊቃውንት መጋቤ ሐዲስ ኤልያስ ሃብታይ ኣመኃላሊፎም።

 

መምህር ኤልያስ ሃብታይ ድማ ነቲ ዕለተ ሰማዕታት ምስ ቃለ እግዚአብሔር ብምትእስሳር ኣእምሮ ዘሐድስ ካብ ኃዘን ዘጸናንዕ ትምህርቲ ኣስሚዖም። ብድኅር’ዚ ኵሉ ሕዝቢ ኢዱ ዘርጊሑ ኣዕይንቱ ኣንቃዕሪሩ ሓደ ልቢ ኮይኑ ‘እግዚኦ መሓረና ክርስቶስ’ ኢሉ እናተማህለለ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝሞቱ ዕረፍቲ ነፍሲ፡ ንዝሰንከሉ ተስፋ፡ ንሥድራ ቤት ድማ ምጽንናዕ ክህብ ተማሕፂኖም። ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ድኅሪ ጸሎተ ምህላ ‘እግዚአብሔር ኣምላኽ ንናፅነት ሃገርና ክዕቅበልናን ከጽንዓልናን፡ ንምድሪ ዘርእን ዝናምን ክህበልና፡ ብሓፈሻ ንሕዝብናን ንኵሉ ዓለምን ሰላሙ ከብዝኃልና ብጸሎት ንለምኖ’ ብምባል ኣባታዊ ምኽርን ቃለ ቡራኬን ሂቦም።

ኣብዚ ሥርዓተ ጸሎት ፍትሓት፡ ኣቡነ መንግሥተአብ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ቀሺ ስምዖን ገብረክርስቶስ ፕረዚደንት ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ከምኡ’ውን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ተሳቲፎም ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195