banner

ኣደየ ኣብርህዮ ንመን ኢልክዮ!

ኣደየ ኣብርህዮ ንመን ኢልክዮ!

ክብረ በዓል ቅዳሴ ቤታ 21 ሰኔ ብኽብሪ ተባዒሉ!

20 ሕንፀተ ቤታ ከምኡ’ውን 21 ሰኔ ቅዳሴ ቤታ ኣብ ኵሎን ኣብያተ ክርስቲያን ብውዳሴን ቅዳሴን ተኸቢሩ። ብፍላይ ድማ ኣብቲ ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸር ሕዝበ ክርስቲያን ዝተረኽበሉ ገዳም ደብረ ሲና፦ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት መንደፈራ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ጳጳስ ዞባ ማእከል፡ ከምኡ’ውን ኣበምኔት ገዳማት፡ መምህራን ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ናይቲ ዕለት በረኸት ተሳተፍቲ ኮይኖም ነይኖም።


20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ፡ ጸሎተ ሰዓታትን ስብሐተ ነግኅን ምስ በጽሐ፡ ዋዜማ ናይ 21 ሰኔ ከምኡ’ውን ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ሰዓት 8፡00 ድ.ቀ. ‘ሊቃውንት መዘምራን’ ነቲ ዕለት ዝምልከት ንእግዚአብሔር ዘመስግን፡ ንእግዝእትነ ማርያም ዝውድስ ስብሓታትን ቅኔያትን ምንባብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ከብጽሑ ከለዉ፡ ኣዴታትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያትን ምሉእ ለይቲ ብጸሎትን ምህለላን ነቒሖም ኃዲሮም። ሰዓት 8፡30 ቅ.ቀ. ታቦት ብኽብሪ ብለባስያን ውሉደ ክህነትን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፡ ኣባል ገዳም ደብረ ሲና ኣባ ክፍለ ማርያም ንዅሎም በረኸት ክሳተፉ ዝመጹ ዓስቦም ክህቦም ሓፂር መልእኽቲ ገዳም ምስ ኣስምዑ፡ ሊቃውንት መዘምራን ብያሬዳዊ ዜማ ኣሸብሺቦም። ኃላፊ ስብከተ ወንጌል ዘመንበረ ፓትርያርክ መሪጌታ ስምዖን ንዕለቱ ዝምልከት ዓሚቝ ልቢ ዝምስጥ ትምህርቲ ምሂሩ። መሪጌታ ስምዖን፡ ንኽብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲናን ምስ ገለጸ፣ ንሕና ድማ ክብሪ ናይዚ ገዳም ተረዲእና በረኸት ኽንሳተፍን ብትሕትና ኣብ ጾምን ጸሎት ክንጽመድን ጊዜኡ ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣብ መወዳእታ፡ ምህለላ ምስ ተገብረ ታቦት ብኽብሪ ኣብ መንበሩ ተመሊሱ ፍጻመ ናይዚ በዓል ብጸሎተ ቅዳሴ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195