banner

ጕዕዞና ናብ ደብረ ማርያም ዓይላ ጉንደት

ጕዕዞና ናብ ደብረ ማርያም ዓይላ ጉንደት

ገዳም ደብረ ማርያም ዓይላ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓዲ ኳላ ዓይላ ኣብ ጥቓ ፈለግ መረብ ብወገን የማን ዝርከብ እዩ። 

ገዳም እንዳ ማርያም ዓይላ ምስ ገዳም አቡነ አብሳዲ መንፈሳዊ ርክብ ኣለዎ።

ወዲ አቡነ አብሳዲ ዝኾነ አቡነ ተወልደ መድኅን ብብሕትውናን ተጋድሎን ኣብ ደብረ ማርያም ዓይላ ተቐሚጡ ነይሩ እዩ። ብድኅሪኡ’ውን አቡነ ዳንኤል ዝተባህለ ኣብኡ ተቐሚጡ ከምዝተቐብረ ይንገር።
ኣብ እንዳ ማርያም ዓይላ፡ ዝተፈላለየ ሕማማት ዘለዎም ሕሙማን እናተሐጽቡ ዝፍውሱ ብዙኃት እዮም። ብኅልፊ እኳ ውላድ ዝሰአና አዴታት እናተመባጽዓ ውላድ ይረኽባ።

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ማርያም ዓይላ ጉንደት ዓመት መጸ ብኽብሪ ይበዓል።

ሎሚ ዓመት’ውን ብምዕሩግ መንፈሳዊ ተመስጦን ሥርዓትን ተኸቢሩ። ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ክሳዕ ዕለቱ ብፍቕሪ እግዚአብሔርን ወላዲቱን ዝተቓነዩ ሊቃውንት ደኺመ ከይበሉ ስብሐተ እግዚአብሔር ኣብጺሖም።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕዝበ ክርስቲያንን ኣብ ዝተረኽብሉ ዑደተ ታቦት፡ ብዝምስጥ ሥርዓትን ጸሎተ ምህለላን ምስ ተገብረ፡ ካብ ሊቃውንት ኣቦታት ነቲ ዕለት ዝምልከት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። “ሕዝበ ክርስቲያን ንሃይማኖቱ ብግብሪ ኣሰንዩ፡ ሓቀኛ ክርስቲያናዊ ሕይወት ክኅዝ፡ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሕይወት ኣሰር ብምስዓብ ብትሕትናን ብፍቕርን ብስኒትን ክነብሩ” ቃለ ምዕዳን ሂቦም። ታቦተ ሕጉ ብኽብሪ ናብ መንበሩ ምስ ተመልሰ ብጸሎተ ቅዳሴ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195