banner

ያሬዳዊ ዜማ (፪ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ያሬዳዊ ዜማ (፪ይ ክፋል)

ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶም ስልተ ዜማ ፦ ድጓ፡ ድጓዐ ጾም፡ ምዕራፍ፡ ዝማሬን መዋሥዕትን እዮም።

• ድጓዓ ፦ ረቂቕ ማለት’ዩ። እዚ’ውን ካብ ረቂቕነት ጽሕፈቱን ብዝኂ ምልክታቱን ዝወፅአሉ ስያሜ ኾይኑ ናይ ምሉእ ዓመት መዝሙራት ተዋፂኦም ዝርከቡሉ መንፈሳዊ ትምህርቲ እዩ። እዚ ናይ ዜማ ትምህርቲ’ዚ ብግእዝ፡ ብእዝል፡ ብዓራራይን ዝግለጽ ድርሰት እዩ።

• ምዕራፍ፦ መዕረፊ ማለት እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ትምህርተ ዜማ ግና ‘ሰላም ለኪ’ ከምኡ’ውን ዋዜማን ኢሉ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ጾም ምዕራፍ ፍጻሜ ዘሎ ትምህርቲ ዝገልጽ እዩ።

• ዝማሬ፦ ማለት ‘ዘመረ፡ ኣመሰገነ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ቓል ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ኸኣ ምስጋና ማለት እዩ። ዝማሬ ዅሉ ጊዜ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝበጽሕ ንኽብሪ ቅዱስ ቍርባን እዩ። ኣብ ትኅዝቶኡ’ውን ኅብስት ጽዋዕ፡ መንፈስ፡ አኰቴት፡ ምሥጢር ዝተባህሉ ኃሙሽተ ክፍልታት ዘጠቓለለ እዩ።

• መዋሥዕት፦ ካብ ጐይታ ጀሚሩ ንእግዝእትነ ማርያምን ንዅሎም ቅዱሳንን ዝውድስ፣ ኣብ ቀዳም ሥዑር ዝበጽሕ ከምኡ’ውን ንሙታን ዝጽለየሎም ጸሎተ ፍትሐት ሥርዓተ ኣገልግሎት እዩ።
• ድጓዐ ጾም፦ ኣብ ጊዜ ዓቢይ ጾም ተጀሚሩ ክሳዕ ዝዛዘም መዓልታዊ ነግህ፡ ሠለስት፡ . . እናተባህለ ምሉእ መዓልቲ ውዕሎ ዚቕወም እዩ።

ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ድርሰታት ናይ ሥርዓተ ማኅሌት መሠረት ዝኾነ ድጓዓ እዩ። ማኅሌት፦ ንእግዚአብሔር ዝቐርብ መንፈሳዊ መሥዋዕት፡ ምስጋና፡ መዝሙር እዩ። እሑድ ዝቕወም ‘መዝሙር መወድስ’ ይበሃል። እቲ ኣብ ወርኃውን ዓመታውን በዓላትን ዝበጽሕ ድማ ‘ማኅሌት ይበሃል።

‘ማኅሌት’ ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም፣ ብከበሮን ብጸናጽልን ብመቖምያ ዝበጽሕ፣ ርእሱ ዝኸኣለ ኪነ ጥበብ ዘለዎ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

. . . ይቕጽል።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195