banner

ክብረ በዓል ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ 28 ሰኔ 2009 ዓ.ም. ተኸቢሩ!

ክብረ በዓል ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ሰኔ 28 2009 ዓ.ም. ተኸቢሩ!

ዝክረ በዓል አቡነ ክፍለ ሥላሴ፡ ብዕለት 28 ሰኔ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ኣብ ባንቡቆን ዛውልን ተኸቢሩ። ካብ ቀረባን ርሑቕን ዝመጹ ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ካብ ድሮ ጀሚሮም ተሳተፍቲ በረኸት ኮይኖም።

ከም ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንና፡ ካብ ዋዜማ ጀሚሮም ክሳዕ ዕለቱ ሊቃውንት መዘምራን ብያሬዳዊ ጣዕመ ዜማ ስብሐታት ከብጽሑ ከለዉ፡ መንፈሳዊ ገድልን ጽኑዕ ተጋድሎን አቡነ ክፍለ ሥላሴ ድማ ካብ መጽሓፍ ገድሎም ተነቢቡ። ሰዓት 10፡30 ቅ.ቀ. ታቦት ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተዓጂቡ ብዘማርያን ሊቃውንት ተሰንዩ ኣብቲ ዝተዳለወሉ ምስ ቆመ፡ ሊቃውንት ውሉደ ክህነት ብጣዕመ ዜማ እናሸብሸቡ ኣዚሞም።

መምህር ናይቲ ቤተ ክርስቲያን መሪጌታ ሠመረአብ ገብረ እግዚእ ኣብ ዝመሃሮ ትምህርቲ “ኣቦና ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ካብ ሕፃንነቶም ኣትኂዞም ኣብ ቤት እግዚአብሔር ዝዓበዩ፡ ‘ንነፍሱ ዘጥፍኣ ይረኽባ’ ዝብል ቃል ወንጌል መሠረት ብምግባር ብጽኑዕ ዝተጋደሉ፡ ካብ ደብረ ቢዘን ብተራዳእነት መላእኽቲ ናብታ ብስም ሥላሴ ዝሓነፅዋ ቤተ ክርስቲያን ናብ ደብረ መድኃኒት ባንቡቆ ብፍቓድ እግዚኣብሔር መጺኦም ሠናይ ገድሊ ዝተጋደሉ፡ ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ተቐቢሎም’ውን 28 ሰኔ ዝዓረፉ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ስለዚ ነዞም በረኸቶም ንምስታፍ ዝተጋባእና ሕዝበ ክርስቲያን ካብቲ ንቕዱሳን ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዘይጠልም እግዚአብሔር ኣምላኽ በረኸቶም ከም ንሳተፍ ንኣምን።” ብምባል ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሩ።

ብድኅር’ዚ ጸሎተ ምህለላ ተገይሩ ታቦት ናብ መንበሩ ምስ ተመልሰ እቲ ክብረ በዓል ብጸሎተ ቅዳሴ ተዛዚሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195