banner

ብጉባኤ ሊቃውንት ኤርትራ ተጸኒዑ፣ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተራእዩ ንዝተነጸረ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ "ነገረ ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ብጉባኤ ሊቃውንት ኤርትራ ተጸኒዑ፣ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተራእዩ ንዝተነጸረ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ “ነገረ ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን”

ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ትምህርተ ሃይማኖት ኮነ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ክርክራት ኣብ ዝለዓለሉን ስምምዕ ኣብ ዘይርከበሉን እዋን ቅዱሳን ኣቦታትና ዓበይቲ ጉባኤታት ሠሪዖም፡ ሊቃውንት ኣጋቢኦም፣ ካብ ጐይታ ዝተረኽበ ኣብ መሠረት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተሓንፀ ርቱዕ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን እናነጸሩን እናስፍሑን፣ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን እናጽንዑ ነታ ሓንሳብ ንቅዱሳን ዝተዋህበት አሐቲ ሃይማኖት ብተጋድሎ ኣጽኒሖምልና እዮም።

ሓደ ኣብዚ እዋን’ዚ ንጻሬ ክሕተተሉ ዝጸንሐ ኸኣ ነገረ ጥንተ አብሶን ተዛማዲ ኣስተምህሮታትን ዝምልከት እዩ።

ጉባኤ ሊቃውንት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ድማ መጻሕፍተ ብሉያትን ሓዲሳትን ከምኡ’ውን መጻሕፍተ ሊቃውንት ንዝብልዎ ብምምርማር፣ ንኣስተምህሮ ኣኃት ኦርየንታል ኣብያተ ክርስቲያን ብምጽናዕ፡ ነቶም ኣብዚ ዘሎናዮ ክፍለ ዘመን ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ትኅዝቶኦምን ምንጪታቶምን ብምምልካት፡ ልዕሊ ኵሉ ድማ ነቲ ካብ ጥንቲ ዝጸንሑ ሊቃውንት ሃገርናን፣ ኣብ ሃገርና ዝጸንሐ ኣስተምህሮን ጊዜ ሂቡ ዓበይቲ ጉባኤያት እናካየደ ሰፊሕ መጽናዕትን ምርምርን ገይሩ። ድኅሪ’ዚ ሰፊሕ መጽናዕትን ምርምርን ብዝኂ ጉባኤያትን ድማ ነቲ ንጹርን ርቱዕን ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን ኣነጺሩ።

ሕፅር ብዝበለ ኣገላልጻ፦

1. ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጥንተ አብሶ ከምዘይኃለፋን ከምዘይተንከፋን፣
2. ሓንሳብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ብጥምቀቱ ከምኡ’ውን ኣብ ቀራንዮ ብስቕለቱ ምስ ደምሰሶ ጥንተ አብሶ ከምዘይመኃላለፍ፡
3. ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ‘ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት ለሥርየተ ኃጢአት’ ዝብል ዓንቀጽ ርቱዕ ትምህርተ ሃይማኖትና ኮይኑ፣ ጥምቀት ንሕፃናት ብንጹሓቶም ውልድነት ሥላሴ እተውህብ፡ ንንኡሰ ክርስቲያን ድማ ካብ ኃጢኣቶም ኣንጺሓ ኃይሊ እትህብ ምሥጢር ምዃና ተነጺሩ።

እዚ ዝተጠቕሰ ካብቲ ሰፊሕ ብጉባኤ ሊቃውንት ተዳልዩ፣ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተራእዩ ንዝተነጸረ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን እዩ። 

እምበኣር እዚ ዐንቀጸ ትምህርተ ሃይማኖት ንጹርን ርቱዕን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ስለዝኾነ ሊቃውንትን መምህራን ሰባክያነ ወንጌልን ንሕዝበ ክርስቲያን ኣስፊሖምን ኣምሊኦምን ክምህሩ ይግባእ።

መዘክር፦ ምስዚ ንባብ’ዚ ብጉባኤ ሊቃውንት ኤርትራ ተዳልዩ፣ ብቅዱስ ሲኖዶስ ተራእዩ ንዝተነጸረ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስቲያን ኣብ “ነገረ ጥንተ አብሶን ጥምቀተ ክርስትናን” ተተኃኂዙ ኣሎ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195