banner

መመረቕታ ሓድሽ ሕንፃ ቤተክርስቲያን ሐመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተጸምቢሉ!

መመረቕታ ሓድሽ ሕንፃ ቤተክርስቲያን ሐመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተጸምቢሉ!

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መመረቕታ ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ሐመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ናይሮቢ ሃገረ ኬንያ፡ ዕለት 16 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ካብ ኤርትራ ዝመጹ ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ቀሲስ በረከት ኪዳነ ከምኡ’ውን ኣብ ሀገረ ኬንያ ዝቕመጡ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተጸምቢሉ።


ቀዳም ዕለት 15 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ኣብ ሰዓታት ድኅሪ ቀትሪ፡ ታቦት ካብቲ ብጊዜያውነት ንሠለስተ ዓመት ክግልገለሉ ዝጸንሐ ቤተ ክርስቲያን ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተማሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናን ምእመናትን ብኽብሪ ተዓጂቡ፡ናብቲ ሓድሽ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን ኣምሪሑ። ኣብዚ ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት ዝግባእ ጸሎትን ሥርዓተ ምእታው ታቦትን ዑደተ ታቦትን ምስ ተገብረ፡ ታቦት ኣብ መንበሩ ብኽብሪ ተነቢሩ። ብኣርባዕተ መኣዝናት ንባበ ወንጌልን ጸሎተ ኪዳንን ምስ በጽሐ፡ ብኣባታዊ ምዕዳንን ቃለ ቡራኬን ሥርዓተ ዋዜማ ተፈጺሙ።

ሰንበት 16 ሓምለ 2009 ዓ.ም. ብለይቲ ስብሐተ ማኅሌት፡ መዝሙርን ጸሎታትን ምስ በጽሐ፡ ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ታቦት፡ ብብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፣ ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ናይ ‘እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓናንን ኣሐጐሰናንን’ መልእኽቲ ኣመኃላሊፎም። ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ኣብ መልእኽቶም፡ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ኬንያ ነዊኅ ገድልን ገቢድ ፈተናን ኃሊፉ፡ ንዅሉ ጊዜ ኣለዎ እሞ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ምፍጻሙ ንልዑል እግዚኣብሔር ከነምስግን ይግብኣና ኢሎም።

ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ኃላፊ ወፃኢ ዝምድናታት ቀሲስ በረከት ኪዳነ ብወገኖም ነቲ ዕለት ምኽንያት ብምግባር፡ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ፡ ካብ ዝደቀቀ ክሳብ ዝዓበየ ኣብ መንፈሳውን ምምኅዳራውን ልምዓታውን መደባት ብዳግመ ሥርርዕን ውዳበን ቤተ ክርስቲያና በጺሓቶ ዘላ ትስፍው ደረጃ ትንተናዊ መግለጺ ሂቦም።

ቀጺሎም ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ፦ እዚ ኣብ መፈጸምታ በጺሑ ዘሎ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝተርፎ ነገራት ንምምላእ ዝያዳ ጻዕሪ ሕጂ ከም ዝሓትት ብምምዓድ፣ ኣብ መደባትን ተልእኾን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ብሞያን ምኽርን ንዋትን ገንዘብን ተሳታፊ በረኸት ክኸውን ተማኅፂኖም።

ቀሲስ ዓምደሚካኤል ሓደራ ኣማኃዳሪ ሐመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ብወገኖም፦ እዚ ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን’ዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዘይመልእ ጊዜ ተጀሚሩ ከምዝተፈጸመ፣ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ወፃኢ ከምዝተገብረሉ ድኅሪ ምግላጽ፣ ንዅሎም ብምኽርን ንዋትን ገንዘብን ዝተሳተፉ ነበርቲ ሃገረ ኬንያን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡን ሕዝበ ክርስቲያን ሰማያዊ ዓስቦም ክረኽቡ ጸሎት ቤተ ክርስቲያን እኳ እንተኾነ ግና ስለቲ ኣበርክቶኦም ኣመስጊኖም። ነዚ ተሪፉ ዘሎ ሓደ ሓደ ዘይተመልአ ነገራት ክሳዕ ዚፍጸም ድማ ኣበርክቶኦም ክቕጽሉ ተላብዮም።

ኣብ መወዳእታ ጸሎተ ምህላን ቡራኬን ጸሎትን ምስ ተገብረ፡ ታቦት ናብ ክብሪ መንበሩ ኣትዩ። በቲ ኵሉ ኣብዚ ሥነ ሥርዓት’ዚ ዝተገብረ መግለጽን ቃለ ምዕዳንን ትምህርትን ኵሎም ዝተሳተፉ ሕዝበ ክርስቲያን መንፈሳዊ ዕግበት ተሰሚዕዎም፡ ሓጐሶም ብድሙቕ ዕልልታን ጣቅዕቲን ይገልጹ ነይሮም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195