banner

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሀገረ ኬንያ ተራኺቦም!

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ሀገረ ኬንያ ተራኺቦም!

ብፁዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዝመርሕዎም ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ነታ ናይ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ንሠለስተ ዓመት ዝኣክል ሕዝበ ክርስቲያን ኤርትራ ንኺግልገሉላ ፍቓድ ዝሃቡ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ናይቲ ኣብ ቀጽሪ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን

ዝርከብ ዘመናዊ ሆስፒታል ግብጺ ኃላፊ ዝኾኑ ቀሺ ኤሊሻ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ብምብጻሕ ስለቲ ዝገበርዎ ዘይርሳዕ ኣበርክቶ ብስም ቅዱስ ሲኖዶስን ሕዝበ ክርስቲያን ነበርቲ ኬንያን ብምምስጋን፣ ነቲ ዝጸንሐን ዘሎን ዝምድና ክልቲአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያን ብዝኃየለ ኽቅጽል ናብ እግዚኣብሔር ከም ዝልምኑ ገሊጾም።

ግብጻዊ ካህን ቀሺ ኤሊሻ ብወገኖም፡ እቲ ዝገበርዎ ምስጋና ዘድልየሉ ከምዘይኮነ ኵሉ ንጕስነት እግዚአብሔር ክሳዕ ዝኾነ ማዕረ ጸጋ እዩ ዘለና ብምባል፡ በቲ ዝነበረ ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን እምብዛ ከም ዝተመሰጡን ብዙኅ ከምዝተማህሩን በዚ ዝተሓንፀ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣዝዮም ከምዝተሓጐሱ ገሊጾም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195