banner

ገባሬ ተአምር ቅዱስ ቂርቆስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገባሬ ተአምር ቅዱስ ቂርቆስ

19 ሐምሌ፡ ቅዱስ ቂርቆስ ምስ ኣደኡ ኢየሉጣ ብተራዳእነት ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ገብርኤል፡ ካብ እቶን ሓዊ ዝደኃኑሉ ዕለት እዩ። ቅዱስ ቂርቆስ ሠናይ ገድሊ ተጋዲሉ ካብ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ቃል ኪዳን ተቐቢሉ ብሰማዕትነት ኃለፈ። ድኅሪ ሰማዕትነቱ ከምቲ ጐይታ “እቲ ብኣይ ዝኣምን ንሱ ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት ዝገብር፡ ካብኡ ዝዓቢ’ውን ከም ዝገብር ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” (ዮሓ. 14፡12) ዝበሎ፡

ካብቲ ብስሙ ዝተሓንፀ ቤተ ክርስቲያን በረኸትን ገቢረ ተኣምራትን ኣይፍለን እዩ። ዘርዚርካን ጠቒስካን’ውን ዝውዳእ እኳ እንተ ዘይኮነ ንገለ ግና ክንጠቅስ ኢና። እግዚአብሔር ካብቲ ብስም ቅዱስ ቂርቆስ ዝህቦ በረኸት የሳትፈና።

1. በብወርኁ ከምኡ’ውን ብዝያዳ 15 ጥርን 19 ሓምሌን ዝኽሪ ቅዱስ ቂርቆስ እናገበረት፡ ብእኽለ ማይ ውሉደ ክህነትን ነዳያንን እተጋብእ ሓንቲ መካን ሰበይቲ ነበረት። ወትሩ ነቂሓ ናብቲ ብስም ቅዱስ ቂርቆስ ዝተጸውዐ ቤተ ክርስቲያን እናኸደት፡ “ኦ ቅዱስ ቂርቆስ፡ ብጸሎትካ ወዲ ውላድ እንተ ኣውሂብካኒ ንቤተ ክርስቲያንካ ከገልግል ብመብጽዓ ክህቦ እየ” ብምባል ብንብዓትን ጥብዓት ልብን ትልምን ነበረት። እንሆ ድማ ጊዜኡ በጺሑ ቃል ኪዳኑ ዘይጠልም እግዚአብሔር ጸሎታ ሰሚዑ ወዲ ወለደት። ስሙ ድማ ‘ቂርቆስ’ ሰመየቶ። መብጽዓኣ'ውን ፈጸመት። እንተኾነ እዚ ሕፃን’ዚ ምስ መሳትኡ ሕፃናት እናተጻወተ ከሎ፡ ካብ ደርቢ ወዲቑ ሞተ። ነዲኡ ከም ዝሞተ ምስ ነገርዋ፡ ብስንባደ መጺኣ ሓቚፋ ሰዓመቶ። ነቶም ኣዝማዳ ድማ “ኣብ ጥቓ መቓብር ቅዱስ ቂርቆስ ኣቐምጥዎ እምበር ኣይትቕበርዎ” በለቶም። ንሳቶም ድማ ከምኡ ገበሩ። እቲ ሕፃን ከኣ ከም እምነታን ብምሕረት ኣምላኽን ብጸሎት ቅዱስ ቂርቆስን ሕያው ኮይኑ ተንሢኡ ብእግሩ ቆመ። ነዚ ተኣምር’ዚ ዝረኣዩ ሕዝቢ፡ ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ፣ ብረድኤት ቅዱስ ቂርቆስ’ውን ኣመኑ። እቲ ሕፃን ብኣካልን ልቦናን ምስ ዓበየ፡ ዝኽሪ ቅዱስ ቂርቆስ እናገበረ ከምኡ’ውን ነታ ብስም ቅዱስ ቂርቆስ ዝተሰየመት ቤተ ክርስቲያን እናገልገለ ዝነብር ቡሩኽ ውላድ ኮነ።

2. ብሃብቲ ዓለም ዝተወርየት፡ ካብ ዘይኣምኑ ወገን ዝኾነት፡ ንብዙኅ ዓመታት ደም ዝፈሳን ብጸላኤ ሠናያት ብቅርጸት እትሳቐን ሓንቲ ሰበይቲ ነበረት። ብዙኃን መሠርያንን ጠንቖልትን ከሕውይዋ ኣይተኻእሎምን። ሕማማ ደኣ ካብ ዝነበሮ እናገደዳ ኸደ። ሓደ ጊዜ፡ ኣብታ ኣብ ሃገረ ኣንጾኪያ ዝተሓንፀት ቤተ ክርስቲያን ብስም ቅዱስ ቂርቆስ ዝፍጸም ተኣምራት እቶም ሕዝበ ክርስቲያን ክዛረቡ ትሰምዕ ነበረት እሞ ንሓደ ክርስቲያናዊ ሰብኣይ ሓተተቶ። ንሱ ድማ ብጥርጥር ዘይብሉ ፍጹም እምነት ክትሓዊ ከምትኽእል ምስ ነገራ ንሳ ኸኣ ካብቲ ቦታ ብመጽሓፍ ገድሉ ዝተደግመ ማየ ጸሎት ኣምጺኡላ ሰትያ እንተሓውያ ብኣምላኽ ናይ ቅዱስ ቂርቆስ ክትኣምን ምዃና ነገረቶ። ብኡ ንብኡ እቲ ክርስቲያናዊ ሰብኣይ፡ ናብታ ኣብ ሃገረ ኣንጾኪያ ዝተሓንፀት ተኣምራዊት ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ፡ በቲ ዓቃቢኣ ካህን መጽሓፈ ገድል ቅዱስ ቂርቆስ ኣድጊሙ ኣምጽኣላ። ንሳ ድማ ብእምነት ሰተየቶ’ሞ ካብ ሕማማ ተፈወሰት። ነዚ ጸጋ’ዚ ንቅዱስ ቂርቆስ ብዝሃበ እግዚአብሔር ኣመነት። ሰብኣያ ካብ ዝወፈሮ ምስ ኣተወ ሓውያ ጸንሓቶ። ብኸመይ ከምዝሓወየት ኵሉ ሓቲቱ ምስ ተረድአ ዘይኣምን ኣረማዊ ብምንባሩ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ነቲ ማየ ጸሎት ዘምጽኣላ ክርስቲያናዊ ሰብኣይ ንኽቀትሎ ሰይፉ ምስ ኣልዓለ፡ ወዲቑ ሠለስተ መዓልትን ለይትን ከም እምኒ ኮነ። ብእምነት ዝጸንዐት ሰበይቱ ግና ካብቲ ማየ ጸሎት ኣብ እዝኑ ምስ ኣንጠበትሉ ሓወየ። ንሱ ምስ ሥድራ ቤቱ’ውን ኣሚኑ ተጠምቀ። ንዝተገብረሉ ውዕለት ዝዝክረሉን በረኸት ዝረኽበሉን ዝኽሪ ቅዱስ ቂርቆስ ከኣ ዝገብር ኮነ።

ምሕረት እግዚአብሔርን ተራዳእነት ቅዱስ ገብርኤልን በረኸት ቅዱስ ቂርቆስ ምስ ኣደኡ ኢየሉጣን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ንዘለዓለም ይኹን፡ አሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195