banner

መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ኡራኤል መልአክ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መራኄ ብርሃናት ቅዱስ ኡራኤል መልአክ

ቅዱሳን መላእክት- ልዑካት እግዚአብሔር፡ ኣብሠርቲ ሐጐስ፡ ሓለውቲ ሰባት እዮም።
ቅዱሳን መላእኽቲ ወትሩ ከይደኸሙ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወምድረ ቅድሳተ-ስብሐቲከ / ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ክብሪ ምስጋናኻ ኣብ ሰማይን ምድርን ምሉእ እዩ። እናበሉ የመስግኑ። (ኢሳ. 6፡3-4 ራእ 4፡8 ) ሓደ ካብቶም 7ተ ሊቃነ መላእክት ዝኾኑ ቅዱስ ኡራኤል እዩ።
ኡራኤል ማለት “እግዚአብሔር ብርሃን እዩ” ዝብል ትርጕም ኪህልዎ ኸሎ፡

ኣብ ሓሓደ ጽሑፋት’ውን “ሱርያል” እናተባህለ ይጽዋዕ እዩ። ሱርያል ኸኣ ዓሌት እግዚአብሔር ማለት እዩ።

ቅዱስ ኡራኤል ንእግዚአብሔር ካብ ምምስጋን ኃሊፉ፡ መብረቕ ዝእዝዝ ናይ ብርሃናት መራኂ ከምዝኾነ ሄኖክ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ። ከምዚ ድማ ይብል “ኡራኤል ካብ ልዕሊ ነጐድጓድን መብረቕን ዝተሸመ መልኣኽ መጽአ” (ሄኖ. 6፡1-6)

ቅዱስ ኡራኤል ኣብ ብሉይ ኪዳን

1. ንኣቦና ኣዳም ዜና ናይ ድኅነት ዝነገሮ፡ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ስንክሳር)
2. ንኣቦና ሄኖክ ምሥጢር ናይ ሰማይ ዘርኣዮን ፍልጠት ዝገለጸሉን ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ሄኖ. 28)
3. ንኣቦና ዮሴፍ ካብቲ ብመንገዲ ሰበይቲ ጲጢፋራ ገጢምዎ ዝነበረ ፈተና፡ ብርትን ኃይልን ሂቡ ዘድኀኖ፡ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ስንክሳር)
4. ብዘመነ ብሉይ፡ ብዛዕባ ቅዱስ ኡራኤል መልኣኽ ብሰፊሑ ዝተገልጸ ኣብ መጽሐፈ ዕዝራ ሱቱኤል እዩ። ነቢይ ዕዝራ ምሥጢር ጥበብ እግዚአብሔር ንኽገልጸሉ ኣብ ምድረ ራፊድ መሪር ንብዓት ኣሰንዩ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ። ብድኅሪ እዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጽዋዕ ልቡና ንኸስትዮ ንቕዱስ ኡራኤል ኣዘዘሉ። ቅዱስ ኡራኤል ነዚ ልቡናን ጥበብን ዝህብ ናይ እሳት ጽዋዕ ኣስተዮ እሞ ዕዝራ ሱቱኤል ብኡ ንብኡ ነቶም መጻሕፍቲ ብሉያት ኸኣ ብሓድሽ ጽሒፉ ኣብ 6 መዓልቲ ወድኦ። (መጽሓፈ ዕዝራ ሱቱኤል)

ቅዱስ ኡራኤል ኣብ ሓዲስ ኪዳን

1. ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፡ ንጉሥ ሄሮድስ ንወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ከይቀትለላ ኢላ ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደደትሉ ጊዜ ምስኣ ሓቢሩ ብምኻድ ዘገልግሎም ዝነበረ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ድርሳነ ኡራኤል)
2. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኣብ መስቀል ኮይኑ ዘፍሰሶ ዝነበረ ኽቡር ደሙ ፡ ኣብ ጽዋዕ ተቐቢሎም ናብ ዓለም ካብ ዝነጸጉ መላእኽቲ ሓደ፡ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። ኣብቲ ደም ክርስቶስ ዝነጠቦ ቦታ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝተሓንፀን ብሕጂ’ውን ከም ዝሕነፅ ኣብቲ ድርሳኑ ተጻሒፉ ኣሎ።
3. ሓደ ጳዎሎስ ዝበሃል ሶርያዎ ሰብኣይ ነበረ። ጳውሎስ ዘእስሙናይ እናተባህለ’ውን ይጽዋ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ዘእስሙናይ ንእግዚአሔር ዘፍቕርን ከም ፍቓደ እግዚአሔር ሕይወቱ ይመርሕ ብምንባሩ፡ በቲ ጊዜ ብዝነበረ ኣረማዊ መኰንን እታ ሃገር ጸዋትወ መከራ ኣብ ዝተቐበለሉ ጊዜ ኻብቲ መከራኡ ዘድኅኖን እናመጽአ ዘጸናንዖን ዝነበረ ቅዱስ ኡራኤል እዩ። (ስንክሳር የካቲት 9)
4. ኣብ 12ተ ክፍለ ዘመን ሕዝበ ጽዮንን እምነ ጽዮንን ዝበሃሉ ሰብ ውላድ ስለዘይነበሮም እናሓዘኑ ንእግዚአብሔር ይልምኑ ነበሩ። ወይሁቦ ጸሎቶ ለዘጸለየ/ ነዚ ዝጽሊ ጸሎቱ ይህቦ እዩ። ከም ዝብል ልማኖኦም ሰሚዑ ብ1357 ዓ.ም. ንቕዱስ ኡራኤል ልኢኹ ወዲ ከምዚወልዱ ስሙ’ውን ጊዮርጊስ ኢሎም ከምዚሰምይዎ ነገሮም። እዞም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን ወዶም ወዲ 6ተ ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ሓይቅ ገዳም ናብ ዝነበሩ ሠረቀ ብርሃን ዝበሃሉ መምህር ንኺመሃር ሰደድዎ። ጊዮርጊስ ዋላ እኳ ንሾብዓተ ዓመት ዝኣክል ኣብዚ ገዳም እንተጸንሐ ሓንቲ ፊደል’ውን እንተኾነት ኺቖጽርን ክሕዝን ስለዘይከኣለ ናብ ገዝኡ ሰደድዎ። ሕዝበ ጽዮን ግና “እዚ ሕፃን ንእግዚአብሔር ከም መብጽዓኣይ እየ ሂበዮ እሞ ምሳኹም ይኹን ኢሎም ነቶም ገዳማውያን ሃብዎም። ብድኅር’ዚ ጊዮርጊስ ነቶም መነኮሳት እኽሊ እናጠሓነ፡ ማይ እናወረደ ፡ ብጾምን ጸሎትን ተወሲኑ ይነብር ነበር። ሓደ ጊዜ ኣብ ሥእሊ ቅድስት ድንግል ማርያም ተበርኪኹ እናደለየ ኸሎ፡ ቅዱስ ኡራኤል ጽዋዕ ልቡና ሒዙ ብምምጻእ ኣስተዮ። ብድኅር’ዚ ምሥጢር ሰማይን ምድርን ተገሊጽሉ ፡ ካብ ኣርብዓ ንላዕሊ ዚበዝሑ መጻሕፍቲ ደረሰ። (መጽሓፈ ኣርጋኖን፡ መእትዊ)።

ብሓፈሻ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ፡ ቅዱስ ኡራኤል ንዕዝራን ኣብ ጊዮርጊስን ጽዋዕ ልቡና እናኣስተዮ ከምኡ’ውን ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ጊዜ ስደት ናብ ግብፂ እናኣገልገላ ዝገልጹ ኣሣእል ኣለዉ።
ኡራኤል መልኣክ ብብርሃን ጽዋዕ ፍቅሪ ሃበና
ጥበብ ምስትውዓል ንኽገልጸልና
ንመንገዲ ጐይታ ንኸፍልጠና
ኡራኤል መልኣኽ በጃኻ ርድኣና 
ጸሎትካን ተራዳእነትካን ወትሩ ኣይፈለየና!!!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195