banner

እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ 2009 ዓ.ም. ኣብጽሓና !

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ኣብጽሓና !

ካብ ሰኑይ 1 ነሓሴ ክሳዕ ሠሉስ 16 ነሓሴ 2009 ዓ.ም.ግ. ዘሎ መዓልታት ብጸሎትን ውዳሴን ቅዳሴን ከምኡ’ውን ዝጽወም ሓደ ካብ ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ጾመ ፍልሰታ እዩ። ‘ፍልሰት’፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምኻድ፡ ምድያብ፡ ምዕራግ ማለት እዩ። “በተአምኖ ፈለሰ ሄኖክ እምዝንቱ ዓለም ከመ ኢይርአዮ ለሞት/ ሄኖክ ስለ ዝኣመነ ንሞት ከይርእይ ካብዚ ዓለም ከደ” ከምዝብል። (ዕብ. 11፡5)

ብተወሳኺ’ውን “ፈለሰት ማርያም በስብሐት ውስተ ሰማያት መላእክት ወሊቃነ መላእክት ወረዱ ለተቀብሎታ/ ድንግል ማርያም ብምስጋና ናብ ሰማያት ዓረገት፡ መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ንኺቕበልዋ ወረዱ” ይብል። (ዝማሬ 16 ነሓሴ) ስለዚ ‘ፍልሰታ’ ክብሃል ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ምድራዊ ናብ ሰማያዊ፡ ካብ ጊዜያዊ ናብ ዘለዓለማዊ ዝኸደትሉ ናብ ሰማይ ዝዓረገትሉ ማለት እዩ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ጥሪ 21 ብ49 ዓ.ም. ዓሪፋ፡ ሓዋርያት ኪቐብርዋ ናብ ጌተሴማኒ እናወሰድዋ ኣይሁድ ስለዝተጻብእዎም፡ ቅዱሳን መላእክት ንሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ወሲዶም ኣብ ገነት ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣንበርዋ። ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ተመሊሱ ንሓዋርያት ምስ ነገሮም፡ ከምቲ ንዮሓንስ ዝተገልጸሉ ኺግለጸልና ኢሎም ኣብ ወርኃ ነሓሴ ክልተ ሱባዔ ኣተዉ። ሱባዔኦም ኣብ ዝፈጸምሉ ኣብ መበል 14ተ መዓልቲ ሥጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ተዋሂብዎም ቀበርዋ። ድኅሪ ሣልስቲ ድማ ኣብ 16 ነሐሴ ተንሢኣ ዓረገት። (ተኣምረ ማርያም ፡ ስንክሳር ነሓሴ 16)

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ክትዓርግ ከላ ንበይኑ ንሓዋርያ ቶማስ ተራእያቶ ስለዝነበረት፡ ደጊሞም ኣብ ወርኃ ነሐሴ ሓዋርያት ከም ሓዋርያ ቶማስ ዕርገታ ክርእዩ ዝጾምዎ እዩ።

ካብዚ ጊዜ’ዚ ጀሚራ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ሕዝበ ክርስቲያን እናጾሙን ናብኣ እናተማኅፀኑን በረኸት ቅድስት ድንግል ማርያም ምእንቲ ኺሳተፉ ብኣዋጅ ክጾሙ ትእዝዝ።

ኣብዚ ቅንያት ጾመ ፍልሰታ፡ ኣብያተ ክርስቲያንን ገዳማትን፡ ዓበይትን ናኣሽቱን ሕዝበ ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ሃይማኖታዊ ሥርዓት፡ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለዎም ፍቕሪ ዘመልክት እዩ።

ቡሩኽ ጾም ይግበረልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195