banner

“ጸጋን ሃብትን” - ቅድስት ድንግል ማርያም!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ጸጋን ሃብትን” - ቅድስት ድንግል ማርያም!

ማርያም ማለት ጸጋ ሃብቲ ማለት እዩ። ቅድም ንወለዳ ጸጋ ኮይና ተዋሂባ ነበረት። ስም ኣቦኣ ኢያቄም፡ ስም ኣደኣ ድማ ሃና እዩ። ሃና መኻን ስለዝነበረት ኣብ ቤተ እግዚአብሔር እናኸዱ ጸሎቶም የብጽሑን ንነዳያን ይረድኡን ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ኣብቲ ቦታ ኣታኽልቲ ምስ ከዱ ኣርጋብ ምስ ጨጨውተን ኪጻወታ ምስ ረኣዩ፡ ሃና “ንዅሉ ውሉድ ሂብካዮ ንሃና ግና ካብ እምኒ ዲኻ ፈጢርካያ” ኢላ ኣምሪራ በኸየት።

ካብዚ ኃዘኖም ዝተላዕለ ምስ ደቀሱ ራእይ ረኣዩ። ሃና፡ ንኢያቄም ፀምሪ ኬዕጥቕዎን በትሩ ለምሊማ ዓምቢባ ፈርያ ኵሉ ፍጥረት ኪምገብ ራእይ ርእያ ነገረቶ። ንሱ ድማ ንሃና ፃዕዳ ርግቢ ሾብዓተ ሰማያት ሰንጢቓ ኣብ ማኅፀና ኽትዓልብ ዝረኣዮ ራእይ ነገራ። ብድኅር’ዚ 7 ነሐሴ ብብሥራተ መልአክ፡ ብፈቃደ ኣምላክ እግዝእትነ ማርያም ተፀንሰት። በዚ ድማ’ያ ንወለዳ ጸጋ ወሀብት ኮይና ተዋህበት። 

ንጊዜኡ እኳ ንወለዳ እንተ ተዋህበት ፍጻሜኡ ግና ንዅልና ጸጋን ሃብትን ኮይና ተዋሂባ እያ። ካብ ወዳ ብዝረኸበቶ ጸጋን ክብርን፡ ሥልጣንን ቃል ኪዳንን

ነቲ ብጽንዓት ሃይማኖትን፡ ብምግባረ ሠናይን ንጽሕና ልብን ኮይኑ ዝነብር ሰብ፡ ከምቲ ንቅድስት ኤልሳቤጥ ኣደ ዮሓንስ መጥምቅ ዝበጽሓታ ብበረኸትን ረድኤትን ከም እትበጽሖ ዝተረጋገጸ እዩ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዝበጽሓታ እዋን፡ ቅድስት ኤልሳቤጥ ብኽልተ ነገር ትጭነቕ ነበረት። በዓል ቤታ ካህን ዘካርያስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ቤተ መቅደስ ከሎ ንብሥራተ መልአክ ቅዱስ ገብርኤል ብዘይ ምእማኑ ዓባስ ኮይኑ ምዝራብ ስኢኑ ብምንባሩ፣ ከምኡ’ውን መዋዕላ ኃሊፉ ልማድ ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ዝገደፋ እዋን ብምጽናሳ ካብ ሰብ ርኂቓ፡ ንኃሙሽተ ወርኂ ፅንሳ ኃቢኣ ትነብር ነበረት። እቶም ነገረ ፅንሳ ዝሰምዑ ሰባት፥ ዕጹተ ማኅፀን፡ ይብስተ ኣጥባት፡ ኅጥእተ በረከት፡ ምልእተ መርገም እናበሉ ይጸርፍዋ ስለዝነበሩ ትሽገር ነበረት።

ናዛዚተ ኅዙናን ወሰዋቂተ ትንቱናን ወረዳኢተ ምንዱባን ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ከተጸናንዓን ክትረድኣን ናብ ቤት ኤልሳቤጥ ከደት።

ከምቲ ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ዝበሎ “በቲ ጊዜ’ቲ እግዝእትነ ማርያም ንመገሻ ቀልጢፋ ተበገሰት። ናብ ዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። ናብ ከተማ ዳዊት በጽሐት። ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸአ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፡ እቲ ሕፃን ኣብ ከርሣ ተሰራሰረ፡ ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልአ። ብዓቢይ ድምፂ’ውን ዓው ኢላ ‘ንስኺ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ እቲ ካባኺ ዝውለድ ሕፃን’ውን ብሩኽ እዩ። ኣደ ጐይታይ ንስኺ ናባይ ክትመጺኸ እዚ ካበይ ኮነለይ፧ እነሆ ቃል ሰላምታኺ ምስ ሰምዕኩ እቲ ሕፃን ኣብ ማኅጸነይ ዘሎ ሕፃን ብሓጐስ ተሰራሰረ። እቲ ካብ እግዚአብሔር ተላኢኾም ዝነገሩኺ ቃል ከም ዝፍጸም ስለዝኣመንኪ ንስኺ ብፅዕቲ ኢኺ በለት። . . . እግዝእትነ ማርያም ንሠለስተ ወርኂ ዝኣክል ምስ ኤልሳቤጥ ተቐመጠት፣ ብድኅሪኡ ናብ ቤታ ተመልሰት ” (ሉቃ. 2፡39-45)

ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዝበጽሓታ ቅድስት ኤልሳቤጥ፡ ምሥጢር ተገልጸላ፣ ካብ ኃዘና ተጸናንዐት፣ ሕይወታ ተሓደሰ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ንኤልሳቤጥ ጥራይ ዘይኮነስ ትበጽሐ፡ ንዝኃለፈ ንዘሎ ንዝመጽእ ትውልዲ ኵሉ ብፅዕት ኢሉ ብኣማላድነታ ንዝኣምን ትበጽሖ እያ። ብናይ ወዳ ቅዱስ ፍቓድ ብጸጋን በረኸትን፡ ብምሕረትን ረድኤትን፡ ብዕድመን ጥዕናንን፡ ብጠልን ፍረን . . . ትብጽሓና።

ጣዕማን ፍቕራን የኅድረልና!!!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195