banner

“ዓስቢ ጾመ ፍልሰታ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ዓስቢ ጾመ ፍልሰታ”

ጾመ ፍልሰታ፡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ጣዕማን ፍቕራን ዘኅድር፡ ጸጋን በረኸትን ዘውህብ እዩ።

ቅዱሳን ሓዋርያት ብምኽንያት እግዝእትነ ማርያም ክልተ ሱባኤ ምስ ጾሙ ሓሳብ ልቦም ሠሚርሎም በረኸት ተዓዲሎም እዮም። ኣሰሮም ተኸቲሎም ነዚ ቅዱሳን ሓዋርያት ዝጾምዎ ናይ እግዝእትነ ማርያም ጾም ዝጾሙ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ከምዝረኽቡ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍት ተመዝጊቡ ዘሎ ከምኡ’ውን ብዓይንኻ ኣብ ሕይወት ምእመናንን ምእመናትን ዝርአ እዩ።  ኣብ መጽሓፈ ተኣምረ ማርያም ዝሰፈረ ታሪኽ ኣሎ፦

ብዙኃት ደቂ ዓዱ ዝጸልእዎን ዝንዕቅዎን፡ ሠናይ ግብሪ ዘይፍጽም ዲያቆን ነበረ። ንወዳ ዘሥምር ሠናይ ግብሪ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ ብኣማላድነታን ቃል ኪዳናን ብዘይ ንስሓ ከይመውት ክትረድኦን ከተድኅኖን ዕለታዊ ናብ ቤተ ክርስቲያን እናኸደ ይምኅፀና ነበረ። እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ናይ እግዝእትነ ማርያም ጣዕማን ፍቕራን ስለዘኅደረሉ፡ ነቂሑን ጸኒዑን ጾመ ፍልሰታ ይጸውም ነበረ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ጸላእቱ ክሳዕ ሞት ዘብጽሕ መከራ ቀጥቂጦም ኣሳቐይዎ፡ ንነፍሱ ካብ ሥጋኡ ክፈልይዎ ስለዘይከአሉ ግና ተገረሙ። ደጊሞም ድማ ብሴፍ ወቕዕዎ፣ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ኪፈልዩ ግና ኣይከኣሉን። እቲ ዲያቆን ከኣ “ዋላ’ኳ ንሥጋይ በብምታር እንተቘራረጽኩሞ፡ እግዝእትነ ማርያም ስለ ትሕልወኒ ንስሓ ከይኣተኹ ኣይመውትን እየ። ኣብ ሥልጣነ ክህነት ዘለዎ ቀሲስ ንኃጢኣተይ ተናዚዘ፡ ብንብዓት ተሓጺበ ተነሲሐ እየ ዝመውት” በሎም።

ሓደ ካብቶም ዝወቕዕዎ ድማ ኣብ ጥቓኦም ናብ ዘላ ዓዲ ከይዱ ካህን ኣምጽኣሉ። ኣብ ስቓይን ቓንዛን ከሎ ነቲ ካብ ሕፃንነቱ ጀሚሩ ክሳዕ እታ ዕለት እቲአ ዝገበሮ ኵሉ ኃጢኣቱ ኣብ ቅድሚ’ቲ ካህን ተናዚዙ ሥርየት ተቐበለ። ንስሓኡ ምስ ወድኤ ድማ ዓረፈ። 

እቲ ዲያቆን ብኣማላድነት ክብርት እግዝእትነ ማርያም ተማኅፂኑ ከም ዘይኃፈረ፣ ብሥጋ እኳ እንተ ሞተ ብነፍስ ግና ከም ዝደኃነ ተረድኡ። ዕድሉ መደቡ ምስቶም ንእግዚአብሔር ዘሥመሩ ኾይኑ ድማ ብኽብሪ ተቐብረ። 

በዚ ዝተፈጸመ ተኣምራት፡ እቶም ዝወቕዕዎ ሰባት ኣዝዮም ፈርሑ፣ ብዝገበርዎ ግብሪ’ውን ተጣዕሱ። ንስሓ ኣትዮም ድማ ኣብታ ብስም እግዝእትነ ማርያም ትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ክሳዕ ዕለተ ሞቶም የገልግሉ ነበሩ። 

ክብርት እግዝእትነ ማርያም ተገሊጻ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኤጲስ ቆጶስ፡ ንዓፅሚ ዲያቆን ኣፍሊሱ ኣብ ክቡር መቓብር ምእመናን ብኽብሪ ክቐብሮ ነገረቶ። እቲ ኤጲስቆጶስ ምስ ኵሎም ካህናት ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑ፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም እናወደሱ ብስብሐትን ዓቢይ ሓጐስን ብኽብሪ ኣፍለስዎ። ብኣማላድነት እግዝእትነ ማርያም እመ ብርሃን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ንጹሕ ኮይኑ መንግሥተ ሰማያት ወረሰ። (ተአምረ ማርያም መበል 84)

ጸሎታን ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!!!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡

ወለወላዲቱ ድንግል፡

ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195