banner

ቅድመ ሥዕልኪ እሰግድ !

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ስግደት ንወላዲተ አምላክ

ንእግዚአብሔር ንሰግዶ ስግደት ናይ ኣምልኮ ስግደት’ዩ። ንወላዲት ኣምላኽ ንሰግዶ ስግደት ከኣ ናይ ጸጋ ስግደት ይበሃል። ኣዴና ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህባ ጸጋ ኣደ ኣምላኽ ትበሃል። ብኽብራ’ውን ካብ ፈጣሪ ንታሕቲ ካብ ፍጡራን ንላዕሊ እያ። ብጸጋ’ውን ንዅሎም ፍጡራን ካብ ዝተዋህበ ጸጋ ንላዕሊ ጸጋ ዝተዋህባ ብምዃና ናይ ጸጋ ስግደት ንሰግደላ። ኣቐዲሙ ብኢሳይያስ . . . 

“ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሓቒፎም ከምጽኡልኪ ነዋልድኪ’ውን ኪሕንግርወን እዮም። ነገሥታት ከኣ መዕበይትኺ ንግሥታቶም ድማ መጕዚታትኪ ኪኾኑ፡ ብገጾም ድማ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ተጐጓ እግርኺ’ውን ኪልሕሱ’ዮም” ተባሂሉላ’ዩ። (ኢሳ. 49፡22)

እዚ ነቢየ እግዚአብሔር ደጊሙ “ኣነ’ውን ንሥፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ፡ ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኪመጽ፡ እቶም ዝነዕቑኺ ኵሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኪብሉ እዮም እሞ ከተማ እግዚአብሔር ጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢሎም ኪሰምዩኺ’ዮም” ኢሉ’ዩ። (ኢሳ. 60፡13)

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ገና ኣብ ማኅፀን ኣደኡ ከሎ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልአ ሰለዝነበረ ድምፂ ሰላምታ ድንግል ማርያም ንኤልሳቤጥ ኣብ ዝተሰምዓሉ እዋን ናይ ጸጋ ስግደት ንድንግል ማርያም፡ ናይ ኣምልኮ ስግደት ኣብ ማኅፀና ንዘሎ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሰጊዱ’ዩ። ነዚ ዝገበረ መንፈስ ቅዱስ’ዩ።

ሎሚ’ውን መንፈሰ እግዚአብሔር ዘይተፈለዮ ኵሉ ንኽብሪ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ይንብርከኽ፡ ይሰግደላ’ውን እዩ።

 ቅድመ ሥዕልኪ እሰግድ ወለሥዕለ ወልድኪ እገኒ፣

ማርያም ድንግል ማርያም እመ አዶኒ፣

ማዕበለ ጌጋይ ጽኑዕ ሶበ ለአስጥሞ በጽሐኒ፣

ሐመርየኒ ማዕዶትየኒ ሃይማኖትየኒ፣

ዘእንበሌኪ ማርያም አልብየ ምንትኒ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195