banner

እቲ መልአኽ (መዝ. 34፡7) - ቅኔያዊ ግጥሚ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እቲ መልአኽ (መዝ. 34፡7)

ሓደ እዋን ኣብ ገለ ከለኹ
ፃዕዳ ዝለበሰ፡ ኣብ ጐነይ ረአኹ
        መን’ኮን ይኸውን እናበልኩ ብውሽጠይ
        መልኣኽ እግዚአብሔር’ዩ ሰሚዐን ኣእዛነይ
ጸኒሐ ጌና፡ ከለኹ ኣብ ጸልሚ
ዝኸድኩ መሰለኒ ናብ ዓለማዊ ሰልሚ
       ካብ ሰልሚ ወፂአ እናበልኩ መሊሰ
       ህቦብላ ስስዐ ኣብ ዙርያይ ነፈሰ
ነዊኅ ከይጸንሐ ግና ተዓዝረ ንኣንፉ
መንገፉ ናይ ቅንኢ ኣብ ዓይነይ ገዲፉ
       ከይድለይ እናበልኩ
       ውሕጅ ዓለም ዝሙት መጽአ ምስ ሕንባቡ
       ገፊዑ ገደፈኒ ብርኽሰት ኣዘቕቢቡ


በቃ!
እናሓጨጩ ተጋብኡ ኣጋንንቲ ብኣጋ
ነፋሰይ ክጨረቱ ኣብ ናይ ሲኦል ዕዳጋ 
       ነቲ ኣብ ጐድነይ ዝነበረ ዘኪረዮ ሽዑኡ
       ካብ ኢድ ኣጋንንቲ ከውፅአኒ መንዚዑ
ቁሊሕ እንተበልኩ ደው ኢሉ ኣብ ማዕዶ
ከምዘይነበረ ይኸይድ ኣነ ናብ ዝኸዶ
       ቅረብ’ባ እንተበልኩ፡ ንገጹ እናኸወሎ
       ኃጢኣትካ ጨኒኑ ኢሉኒ ኣብኡ ኸሎ
እንታይ’ዶ ጌረካ እንተበልክዎ እንደገና
ክዛረበኒ ጀመረ ብዘርዕድ ቃና
       ኣብ ዓለማዊ ሰልሚ ከይኣቶኻ ብእግርኻ
       በትሪ ጽድቂ ጸሎት ክትኅዝ ነይሩካ
ንጸጋ መንፈስ ቅዱስ እንተትኅዞ ኣብ ጕንዱ
ውሕጅ ዓለም ዝሙት ኣይምወሰደካን ብቐንዱ፡
       ነፋስ ዓለም ስስዐ እናመጸ ብህዳን፡
       ኽትኣቱ ነይሩካ ኣብ በዓቲ ቤተ ክርስቲያን፡
ልዕሊ ዅሉ ግን ነኣይ ዘርኃቐኒ
ዘይተሓጽበ ኃጢኣትካ’ዩ እቲ መልአኽ በለኒ
ግን ከኣ፡
ዕሽግቲ ንስሓ ካብ ካህን ወሲድካ
ጾምን ጸሎትን ምስኡ ሓዋሲስካ
      ኃጢአትካ ተሓጺቡ ፍጹም ምስ ጸረየ
      ካብ ክፉእ ክሕልወካ ምሳኻ ክኸውን እየ
ሽዑ፡
ክልቲአን ኣዒንተይ እናዛረያ ንብዓት
ብር እንተበልኩስ ደቂሰ ኣብ ዓራት።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195