banner

ሣህሉ ለእግዚአብሔር በጊዜሁ / ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ጊዜኡ እዩ! መዝ. 68፥13

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንቋዕ ናብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ 2010 ዓ.ም. ኣብጽሓና!

ብመሠረት ኣቈጻጽራ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ካብ ሓደ ዓመት ናብ ካልእ ዓመት መሰጋገሪ ናይ መጀመርታ ዕለት ሓደ መስከረም ኮይኑ ንኽብርን መዘከርታን መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ፡ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ይበሃል። እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ዘመነ ብሉይ ዛዛሚ ናይ ዘመነ ሓዲስ ጀማሪ፣ ንኽረምቲ መውፅኢ ንሓጋይ መእተዊ፣ ካብ ነቢያት ናብ ሓዋርያት መሰጋገሪ ድልድል ስለዝኾነ እዩ።

እቲ ለይትን መዓልትን ጸልማትን ብርሃንን ኣፈራሪቑ ካብ ሰዓት ናብ ዕለት፡ ካብ ዕለት ናብ ሰሙን፡ ካብ ሰሙን ናብ ወርኂ፡ ካብ ወርኂ ናብ ዓመት ዘሰጋግር ከኣ ፈጣሬ ኣዝማናት እግዚአብሔር እዩ።


ጊዜ፡ ምስ ሥነ ፍጥረት ዝመጸ ውህበት እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ንፍጥረታቱ ኣብ ውሽጢ ጊዜ የመላልስን ይምግብን ይሕሉን። ነቲ ዝፍጽሞ ሥራሕ ብኣምላኽነቱ ኣብ ዝፈቀዶን ዝወሰኖን ጊዜ ደኣ ይፍጽሞ እምበር ንንግሆ ዝሓስቦ ንምሸት፡ ንሓጋይ ዝሓስቦ ከኣ ንኽረምቲ ኣይገብሮን እዩ። “ሣህሉ ለእግዚአብሔር በጊዜሁ/ ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ጊዜኡ እዩ!” (መዝ. 68፥13) ከም ዝብል። ኣዳም ብምክረ ከይሲ ተታሊሉ ትእዛዙ ምስ ኣፍረሰ እግዚአብሔር ኣብታ ዝመደባ ጊዜ ቀጽዖ። በደሉ ኣሚኑ ንስሓ ምስ ኣተወ ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር ኣብቲ ዝወሰኖ ጊዜ ኣድኃኖ። ነዚ ንኸረድእ ድማ ንዋየ ኅሩይ ዝተሰምየ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ወአመ በጽሐ ጊዜሁ ፈነወ እግዚአብሔር ወልዶ ወተወልደ እም ብእሲት/ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ንወዱ ለኣኾ’ሞ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ” ይብል። (ገላ. 4፥4)

ስለዚ ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን “ንዅሉ ዘዘመኑ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኵሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ ኣለዎ። ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፣ ንሙማት ከኣ ጊዜ ኣለዎ . . . ” ዝበሎ (መክ. 3፥1-8)፣ ኵሉ ሥራሓትን መሥርሕ ሕይወትን ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ መድረኽ ጊዜ ከም ዝፍጸም ገበሮ። በዚ’ውን መንፈሳውን ሥጋውን ዕዮ ዝፍጽመሉ ከምኡ’ውን ብውጥንን ትግሃትን ዝጥቀመሉ ጊዜ ሃቦ። ዓመት ኃሊፉ ብሓድሽ ክትካእ ከሎ፡ ነቲ ዝሃበና ጊዜ ተጠቂምና ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ዝበለየ ሕይወትና ብሓድሽ ሕይወት እንተዘይለዊጥናዮ ትርጕም የብሉን። ምኽንያቱ ሓድሽ ዓመት እቶም ብጥንተ ተፈጥሮ ዝተረኽቡ ዕለታት ተደሚሮም ዝህብዎ ለውጢ እምበር ካልእ ዝተወሰኸ ሓዲሽ ነገር የለን። ነቲ ቀመር ሓልዩ ዝመላለስ ዘይልወጥ ጊዜ ሓዲሽ ዘብሎ ናትና ሥራሕ ብምዃኑ ንዝተዋህበና ጊዜ ኣብ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ዘውህብ ዝተፈላለየ መንፈሳውን ሥጋውን ዕዮ ኸነውዕሎ ይግባእ። ንኣብነት፦

• ኣብ ትምህርቲ

ንልዑል እግዚአብሔር ፈሊጥና ፍቓዱ እንፍጽም፣ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን እንፈልጥ፡ ንዕለታዊ መነባብሮና ዘድልዩና መሠረታውያን ነገራት እነማልእ ምስ እንመሃር እዩ። ኵሉ ዝፈልጥ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ኣብ ቤተ መቅደስ ኣብ ማእከል መምህራን ሊቃውንት ተቐሚጡ ዝሰምዕን ዝሓትትን ዝነበረ፡ ሰብ ንጊዜኡ ፍልጠት ኣብ ምቕሳም ከውዕሎ ከምዘለዎ ኣብነት ንምዃን እዩ።(ሉቃ. 2፥46) ነዚ ኣርኣያ ስዒብና በቲ ዝተዋህበና ጊዜ ምስትውዓል ኣጥሪና መንፈሳውን ሥጋውን ፍልጠት ምስ እንቐስም ሕይወት ከምእረክብ ጥበበኛ ሰሎሞን ኽገልጽ ከሎ፦ “ምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ሕይወት ትህቦ” ይብል። (ምሳ. 16፥22) እግዚአብሔር ብነቢይ ሆሴዕ “ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ” (ሆሴ. 4፥6) ከምዝበለ፡ መንገዲ ጽድቅን ኵነኔን እንፈልጥ ምስ እንመሃር ስለዝኾነ ኣብዛ ላዕልን ታሕትን፣ ኃጢኣትን መናፍቕነትን፣ ምፍኽኻርን ምልውዋጥን ዝዓብለላ ዓለም፡ ካብ ርቱዕ ሃይማኖትናን ሠናይ ምግባርናን ምእንቲ ኸይንወፅእ ንጊዜና ኣብ ፍልጠት ከነውዕሎ ይግባእ።

• ኣብ ሥራሕ

ሰብ ንፈቃደ እግዚአብሔር ዝፍጽመሉ፡ መንፈሳውን ሥጋውን ድሌታቱ ዘማልኣሉ ብሥራሕ እዩ። እግዚአብሔር ንኣዳም ፈጢሩ ናብ ገነት ዘእተዎ ኣብ ገነት ጽቡቕ ሥራሕ ንኽሠርሕን ንኽሕልዋን ምዃኑ “ንሰብ ወሲዱ ኺዓያን፡ ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኣቐመጦ” ይብል። (ዘፍ. 2፥15) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳለወልና ሠናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብኢየሱስ ክርስቶስ እተፈጠርና ኢና” ይብል። (ኤፌ. 2፥10) ደኃር’ውን ኣዳም ብኃጢኣቱ ናብ ምድሪ ኣብ ዝተሰደሉ እዋን ብርሃጹ ጽዒሩ ክበልዕ እዩ ኣዚዝዎ። (ዘፍ. 3፥17)

ስለዚ ጊዜ ዝተዋህበና ካብ ፈቃደ እግዚአብሔር ከይወፃእና ብውጥን ኽንሠርሓሉ እዩ። ንጊዜና ብውጥን ኣብ ሥራሕ ምውዓል ብዓቢኡ ፆር ሥጋ ኣውኂዱ ካብ ኃጢኣት ንኽንሕሎ ዝሕግዝ እዩ። ቅዱሳን ኣቦታትና ሥራሕ አልቦ ኮይኖም ጊዜኦም ብኸንቱ ንኸየኅልፉ እሞ ፆር ሥጋ ንኸይብርትዖም፡ ኣብ ሥራሕ ተጸሚዶም ንርእሶም ኮይኖም ንኻልኦት ይምጽውቱ ከም ዝነበሩ ገድለ ቅዱሳን ይነግረና። ልዑል እግዚአብሔር እትሠርሓሉ ጊዜን ዝሓስብ ኣእምሮን ምሉእ ኣካል ምስ ጥዕናን ሂብካ ከሎ ብትህኪት ተታኂዝካ ንጊዜኻ ብዋዛን ፈዛዛን ምኅላፍ ከምኡ’ውን ተጊህካ ብቕንዕና ኣብ ተግባረ ነፍስን ተግባረ ሥጋን ዘይምውዓል ንመከራ ሥጋን ንመከራ ነፍስን ዘቃልዕ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ኪሠርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ክብል ከሎ (2ይ ተሰ. 3፥10) ጥበበኛ ሰሎሞን ድማ ‘ብልዕን ድቃስን ጥራይ እንተ ዄንካ ጨርቃም ኽትከውን ኢኻ’ ይብል።

ስለዚ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ንምርካብ ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ጊዜ ብውጥንን ትግሃትን ኣብ ሥራሕ ከነውዕሎ ይግባእ። (ምሳ. 23፥21)

•  ኣብ ንስሓ
ኃጢኣት፡ ካብቲ ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ርክብ ፈልዩ፣ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም ንሽግርን መከራን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓለም ድማ ንዘለዓለም ሞት ዘቃልዕ ብምዃኑ መፍቀሬ ንስሐ እግዚአብሔር ንስሓ ንኣትወሉ ጊዜ ሃበና። ነዚ ኽገልጽ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ “ጐይታስ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኪበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኪጠፍእ ዘይፈቱ ስለዝኾነ፡ ምእንታኹም ይዕገሥ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጒ ዚመስሎም ንተስፉኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ይብል። (2ይ ጴጥ. 3፥9-10) ኣብዚ ምድራዊ ዓለም ንኃጢኣትና ተዓጊሡ ኣብ ዕድመና ዕድመ ወሲኹ ሓድሽ ዓመት ባሪኹን ቀዲሱን ምሃቡ ተወሳኺ ካልእ ኃጢኣት ኽንፍጽመሉ ዘይኮነስ ንስሓ ንኽንኣትወሉ እዩ እሞ ንጠቀመሉ። “እምበኣር እግዚአብሔር ናይ ዘይምፍላጥ ጊዜ ኣኅሊፉ ሕጂ ግና ኣብ በቦታኦም ንስሓ ንኽኣትዉ ንደቂ ሰባት ኵሎም ይእዝዝ፡ መዓልቲ'ውን ይቘጽር” ከም ዝበሎ ጻውዒት ንስሓ ሰሚዕና ብዝተወሃበና ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ንቕረብ። ምኽንያቱ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም’ዚ ንኃጢኣትና ብንብዓት ንስሓ እንተዘየጽረና ዝጽበየና ቅጽዓትን ዋይዋይታን እዩ።

• . . . ወዘይመስሎ

እምበኣር እቲ ካብ ዕለተ እሑድ ዝተፈጥሩ ፍጥረታትን ህልውና ሰብ ካብ ዝተፈልጠሉን እዋን ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዝቝጸር ዘሎ ጊዜ ሓዲሽን ኣረጊትን ዘብሎ ቀመራዊ ኣቈጻጽራ ጥራሕ ዘይኮነስ ዋና ነገር ለውጢ ናይ ሕይወትና ማለት ንዝተዋህበና ጊዜ ኣብ ትምህርቲ፡ ሥራሕ፡ ንስሓ . . . ብምሉኡ ኣብ ረብሓ ምውዓል ምዃኑ ነስተውዕል። (ኤፌ. 5፡15) ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ነቲ ዝተዋህበና ጊዜ ብምሉኡ ኣብ ረብሓ ብዘይምውዓልና ሕልናና ዝኸሰሰናን ዝፈረደልናን ‘ከምዚ ኢለ ክሳዕ መዓስ፧‘ ንበል! ነዚ ሓድሽ ዓመት እግዚአብሔር ብምሕረቱ ሓድሽ ጊዜ ከምዝሃበና ፈሊጥና ብሩህ ናይ ዓወት ጊዜ ንምግባር ምስ ርእስና ቃል ኪዳን ንእቶ።

ነቲ ዝተዋህበና ጊዜና ብምሉኡ ኣብ ረብሓ እናኣውዓልና በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ኽንረክብ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቃድ ይኹን፣ ጸሎት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ናይ ኵሎም ቅዱሳንን ኣይፈለየና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር!
                                                     ***

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195