banner

ጻድቅ ኣቡነ ኣንበስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ - 3 መስከረም

ቅዱሳነ እግዚአብሔር ካብ ልዑል እግዚአብሔር ዝወሃቦም ሃብትን ዝዕደልዎ መንፈሳዊ ጸጋን ዝተፈላለየ እዩ። (1ይ ቆሮ. 12፡11) ንገሊኦም ቃል ጥበብ፥ ፍልጠት፥ ምሥጢራት ምርቓቕ፡ ምትርጓም፡ ሀብተ ፈውስ፡ ቃለ ትንቢት ከምኡ ውን ንገሊኦም ገቢረ ተኣምራት፡ ንኣራዊት ምእዛዝ፡ ንኣጋንንቲ ምግዛእ . . . ወዘይመስሎ ይወሃቦም። ማር. 16፡17 

     ካብዞም ኣራዊት ዝገዝኡ ገባብል ዝረግጹ ሓደ ብፁዕ ኣቡነ አንበስ እዩ። ኣቡነ ኣንበስ ምስ ተወልደ ኣቦኡን ኣደኡን ዘውፅእሉ ስም ገብረ ክርስቶስ ዝብል ነበረ።

በዚ ስም’ዚ እናተጸውዐ ሓደ ጊዜ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክኸይድ ከሎ ኣብ መንገዲ ደኸመ። ኣብዚ እዋን እዚ ልዑል እግዚአብሔር ድኻሙ ተመልኪቱ፡ ናብ ኵሉ ዝኸዶ ቦታ ከም ሠረገላ ኮይኑ ዘገልግሎ ግሩም ዝኾነ ኣንበሳ ኣዘዘሉ። በዚ ኸኣ ኣብ ዝባን ኣንበሳ ተወጢሑ ይኸይድ ስለዝነበረ ‘ኣባ አንበስ’ ዝብል ቅጽል ስም ተጸውዐ።  

   ኣቡነ ኣንበስ ኣብ ደብረ ሓዘሎ ዝብሃል ገዳም ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፈ መድበል መቅድም ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ፥ “ ኣብ ደብረ ሓዘሎ ዝበሃል ዓቢይ ጎቦ . . . ኣባ ኣንበስ ዝበሃል ዕጹው መነኮስ ይነብር ከምዝነበረ ይንገር። ናይ ኣባ ኣንበስ ወደ መዝሙር ወይ ረድኢ ኣባ መዝሙረ ቅዱሳን ይበሃል። ኣባ መዝሙረ ቅዱሳን  ነዚ ብቑዕ መነኮስ (ንኣባ ኣንበስ) ብመዓልቲ እናረድአን እናኣገልገለን ኣብ ዝበቕዓሉ ጊዜ . . . እስመ ስሙ ይመርሖ ኀበ ግብሩ ከምዝብል ስም ናብ ግብሪ ይመርሕ እዩ እሞ መዘከሪ ስሙ ምእንቲ ክኸውን ‘ኣቋቋም’ ተገልጸሉ ይበሃል። . . . ኣባ መዝሙረ ቅዱሳን ንባሕታዊ ኤስድሮስ፣ ባሕታዊ ኤስድሮስ ድማ . . .” እናበለ ይቕጽል።

    ቅዱስ አቡነ አንበስ ምስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ክሳዕ ምድረ ከብድ ዝበሃል ካብ ዝቋላ ገዳም አቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ንሸነኽ ደቡብ ዝርከብ ቦታ ከምዝኸደ ይንገር። 

    ቅዱስ ኣቡነ አንበስ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብዝተፈላለየ ቦታታት ከም ዝኃለፈን ከም ዝተቐመጠን ይንገር። ናይዚ ድማ ከም ‘ጎቦ ኣንበስ፡ ማይ ጻድቕ . . ’ ዝበሃሉ መጸውዒ ቦታታት መሰኻኽር እዮም። ብፍላይ ኣባ ኣንበስ ኣብ ‘በለሳ’ ከምዝተቐመጠ፡ ካብ በለሳ ንሸነኽ ምብራቕ ተጓዒዙ’ውን ኣብ ‘ሽመዛና’ ምስ በጽሐ፥ ነቲ ብልምላሜኡ ደስ ዘብል ቦታ መጸለዪ ቦታ ከም ዝገበሮ ይንገር። ካብዚ ዝተላዕለ ውን ሠለስተ መጸውዒ ቦታ ኣለዉ፥

1. “ ዛቲ መካን ትኩነኒ ምዕራገ ጸሎትየ” ስለዝበላ ክሳዕ ሕጂ እታ ቦታ ’ ዕራግ’ ትበሃል ኣላ። 

2. “እገኒ ለከ እግዚኦ አምላኪየ” ብዝበሎ’ውን ’ምግናይ’ ይበሃል ኣሎ። እዚ ቦታ እዚ ሕጂ ቤተ ክርስቲያን ትሓኒፅሉ ዘሎ እዩ።

3. “ ሐወዘኒ ጣዕማ ትኩነኒ ምንየትየ” ብዝብል ውን ክሳዕ ሕጂ ’ እንዳ ሓዋዝ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ።

ኣቡነ ኣንበስ ናብዚ ከባቢ ዳግማይ ምስ ተመልሰ፣ እቲ እኽሊ ፃዕድዩ ምስ ጸንሐ “ለምንት የሐጽጽ ፍሬኪ / ስለምንታይ ፍሬኺ ይጐድል” ኢሉ ምስ ባረኾ፣ ናብ ልምላሜ ተቐይሩ ክሳብ ሕጂ እቲ ቦታ ልምላሜ ኣይገደፎን እዩ።

ንቅዱስ አቡነ አንበስ ስሙ ጸዊዑ ብኣማላድነቱ ተማኅፂኑ እንተደኣ ለሚንዎ ፍጡነ ረድኤት እዩ። 

ሓደ ጊዜ ብዙኃት ከብቲ ዘለዋኦ ከብቱ ከብኪቡ ክኸይድ ከሎ ኣብ ሓደ ዓቢይ ሩባ በጽሐ እሞ እቲ ሩባ ኣፍ ንኣፉ ውሕጅ መሊኡ ጸንሖ፥ ንየማን ጸጋም እንተ በለ ካልእ መሳገሪ ምስ ሰኣነ ናይ ኣቡነ ኣንበስ ቤተ ክርስቲያን(ሽመዛና) ረኣየ እሞ እዛ ቤተ ክርስቲያን እዚኣ ናይ መን ቤተ ክርስቲያን እያ፧ ኢሉ እንተ ሓተተ፥ ‘ናይ ኣባ አንበስ እያ’ ምስ በልዎ ሽዑ እዚ ብዓል ከብቲ ‘ኦ ኣባ ኣንበስ ብኃይሊ ኣምላኽካ ነዚ ውሕጅ እዚ እንተደኣ ንኣይን ነዘን ከብተይን ብሰላም ኣሳጊርካኒ ሓንቲ ላም ከምዝህበካ እመባፃዓልካ ኣሎኹ’ ኢሉ ተመባፂዑ ኣብዚ ውሕጅ ኣተወ። ሽዑ ሓደ ጒድኣት ከይበጽሖ ብደኃን ወፅአ። ግና እቲ ሰብኣይ ተመባፂዑ ከብቕዕ መብፅዓኡ ረስዐ እሞ ካብተን ከብቱ እታ ሓንቲ ነፊጻ እናዘለለት ናብታ ተመባፂዑላ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ኣቡነ ኣንበስ መጺኣ ሠለስተ ጊዜ ኰሊላ ወደቐት። ሽዑ ነታ ላም ሓሪዶም ከምዝበልዕዋ እዩ ዝንገር። በዚ መሠረት ውን ሎሚ ኵሉ ሰብ ዓቢኡን ንእሽቶኡን በብናቱ  እናኣመስገነ ሠለስተ ጊዜ ከምዝዘውር ርኢኻ ተረጋግጾ ሓቂ እዩ። ኣቡነ አንበስ ዝገበሮ  ኣዝዩ ብዙኅ እዩ።

ቅዱስ አቡነ አንበስ፡ ብዙኅ ተኣምር ገይሩ፡ ትሩፋት ፈጺሙ ኣብ 3 መስከረም ዓሪፉ። ዝዓረፈሉ ቦታ መዳልው ኣብ ዝበሃል መጽሓፍ ተገሊጹ ከምዘሎ ደብረ ሓዘሎ ከምዝበሃል፣ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሐረርን ኣብ መንጎ ወሎን ሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ዓቢይ እምባ ገዳም ምዃኑ ይገልጽ።

   ናይ ኣቡነ ኣንበስ ጸሎትን ረድኤትን ኣይፈለየና !

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195