banner

ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ጾሮና ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተመሪቑ!

ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ጾሮና ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተመሪቑ!

ሰንበት 7 መስከረም 2010 ዓ.ም. ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ጾሮና ብድሙቕ ሥነ ሥርዓት ተመሪቑ። ኣብዚ ሥነ ሥርዓት ምረቓ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዋና ኣማኃዳሪ መንበረ ፓትርያርክ፣ ኣባ ገብረሥላሴ ኣድኃኖም ኣበምኔት ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ሃም፣ ኣመኃዳሪ ንኡስ ዞባ ጾሮና ኣቶ የማነ ጸጋይ፣ ገዳማውያን፣ መምህራን ሊቃውንት፡ ካህናትን ዲያቆናትን፣ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጹ ምእመናንን ምእመናትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም ነይሮም።

ቀዳም 6 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ ሰዓታት ድኅሪ ቀትሪ፡ ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት ዝግባእ ጸሎትን ሥርዓተ ምእታው ታቦትን ዑደተ ታቦትን ምስ ተገብረ፡ .  . .

ታቦት ኣብ መንበሩ ብኽብሪ ተነቢሩ። ኣብዚ ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ብኣርባዕተ መኣዝናት ንባበ ወንጌልን ጸሎተ ኪዳንን ስብሐተ ማኅሌትን ምስ በጽሐ ሥርዓተ ዋዜማ ተፈጺሙ።

ሰንበት 7 መስከረም 2010 ዓ.ም. ብለይቲ ስብሐተ ማኅሌት፡ መዝሙርን ጸሎታትን ምስ በጽሐ፡ ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ።

ብድኅር’ዚ ታቦት፡ ብብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ሠለስተ ሳዕ ዘይሩ ኣብ ዓውደ ምሕረት ምስ ቆመ፣ ብጣቕዒት ኣቦታትን ብዕልልታ ኣደታትን ተሰንዮም ሊቃውንት መዘምራን ለዘብ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዝሙር ኣስሚዖ።

ቀጺሎም ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ስብከተ ወንጌልን ናይ እንቋዕ ኣብዚ ኣብቅዓናንን ኣሐጐሰናንን መልእኽቲ ኣመኃላሊፎም። ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ መልእኽቶም፡ ሕንፃ ቤተ እግዚአብሔር ብንጉሥ ሰሎሞን ከምዝጀመረን ኣብዛ ቤት’ዚኣ ‘ዓይነን ልበይን ንዘለዓለም ኪነብራ እየን’ ( 1ይ ነገ. 9፡3) ዝብል ቃል ኪዳን እግዚአብሔር ከምዘለዎን፣ ድኅሪ ምግላጽ ቤተ ክርስቲያን ነገልግለሉን ንግልገለሉ ስለዝኾነ ብዘለና ዓቕሚ ንውሉደ ክህነት ክንሕብሕብ፡ ንደቅና ድማ ናብ ትምህርተ ሰንበት ክንልእኽ ኣባታዊ ምዕዳን ሂቦም።
 

ኣብዚ ንኽዛዘም ኃሙሽተ ዓመት (2012 ዓ.ም. – 2017 ዓ.ም.) ዝወሰደ ሓድሽ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ኣበርክቶ ዝነበሮም ንኃሙሽተ ካህናት መዓርገ ሢመት ክወሃቡ ከለዉ፡ ንብርክት ዝበሉ ምእመናን ከኣ ምስክር ወረቐት ተዋሂቡ። ኣብ መወዳእታ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ቡራኬን ጸሎተ ምህላን ምስ ተገብረ ታቦት ናብ መንበረ ክብሩ ኣትዩ።

ብሕዝቢ ጾሮና፡ ንቤት እግዚአብሔር ኣብ ምሕናፅ ዝነበረ ተሳትፎን ተልእኾን ከምኡ’ውን ኣብ መመረቕታ ዝተገብረ እንግዶትን ኣኽብሮትን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገር ዘለዎን ካልኦት ከተማታትን ዓድታትን ክስዕብኦ ዘለወን መንፈሳውን ዘሐብን ባህልን እዩ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195