banner

ሸሞንተ ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ሥራሕ ይፍጽሙ ኣለዉ!

ሸሞንተ ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ሥራሕ ይፍጽሙ ኣለዉ!

ሸሞንተ ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም “World Council of Churches(WCC)” ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምምኅዳራውን ልምዓታውን መደባት ምብጻሕ ሥራሕን ርክባትን ይፍጽሙ ኣለዉ። እዚአቶም ድማ ፕሮፌሰር ዶክተር ቀሺ ዳንኤል ቡዳ ኃላፊ መደባትን ዝምድናታትን ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን (WCC)፡

ዶክተር ንጉሠ ለገሠ ናይ ኣፍሪቃ ኃላፊ መደባት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን፣ ሚስተር ፔተር ኬንዲ ኃላፊ ዝምድና ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ምስ ኣባላት ኣብያተ ክርስቲያን፣ ሚስተር ካርል ክሪስቶፈር ፍራንስ ዳይረክተር ዞባ ምብራቅን ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ሚስስ ኤልሳቤጥ ኪሲግለ ዚምባ ዳይረክተር ፈጻሚት ኮሚቴ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያት (FECCLAHA)፣ ሚስተር ስቲግ ኦሎፍ ሉንድበርግ ዋና ኣመኻሪ ዞባዊ ዝምድናታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስዊድን፣ ሚስስ ካርል ኦየን ወኪል ረድኤት ኖርወጃን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ ፕሮፌሰር ሪምይ ፓውል ኢካክሆል ኤለ ዳይረክተር ክፍሊ ሰላምን ምዕባለን ኣብ ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ።

ልኡኻት WCC ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ጀሚሩ ብብፁዓን ጳጳሳት ምዕሩግ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም፡ ወጋሕታ ሰንበት 14 መስከረም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ተሳቲፎም። ኣብ መወዳእታ ጸሎተ ቅዳሴ ብዕልልታን ጣቕዒትን ሕዝበ ክርስቲያን እናተሰነዩ ኣብ ቅድሚት ደው ምስ በሉ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስ ‘ናይ እንቋዕ ደኃን መጻእኩም’ መልእክቲ ኣስሚዖም። ጠርናፊ ልኡኻት WCC ፕሮፌሰር ቀሺ ዳንኤል ቡዳ ብወገኑ “ንWCC ወኪልና ኣብዚ ምርካብና ሕጕሳት ኢና፣ ዕላማ መምጺእና ምስታ ኣባል WCC ዝኾነት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብኣካል ምርኻብን፡ ምዝርራብን ኣብ ንጥፈታት ቤተ ክርስቲያን ዑደት ምግባርን እዩ። ንመጻኢ ዝምድና ኣጽኒዕና ኽንቅጽሎ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን” ኢሎም።

ልኡኻት WCC ኣብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን መደብ ቍርሲ ምስ ተሠርዓሎም፡ ናብ መንፈሳዊ ኮለጅ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዕዳጋ ኃሙስ በጺሖም። ብዲን ናይዚ ኮሌጅ ኣባ ሲላስ ሓፂር መብርሂ ምስ ተዋህቦም ብብፁዓን ኣቦታት ተዓጂቦም እቲ ኮሌጅ በጺሕዎ ዘሎ ሕንፃዊ ሥራሓትን ኣካዳምያዊ ምድላዋትን መጻኢ መደባትን እናዘሩ ተዓዚቦም። መግለጺ ሓጐሶምን መተባብዕን ድማ ነቲ ኮሌጅ መወከሲ መጻሕፍቲ ሂቦም።

ልኡካት WCC፡ ናብ ውሽጢ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ናይ ኃባር ጸሎት ምስ ገበሩ፡ ናብ ፍኖተ ብርሃን መንፈሳዊ ናይ ኣብነት ትምህርቲ ኣምሪሖም። ጥንታዊ ያሬዳዊ ዜማ በብሞያኡ እናሰምዑን ብሊቃውንት መምህራን መግለጺ እናተዋህቦምን ዑደት ምስ ኣካየዱ፣ ሓደ ካብ ልኡኻት WCC ዶክተር ንጉሠ ለገሠ ንመምህራንን ተማሃሮን ናይ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘመኃላፎ መልእኽቲ፦ “ጥንታዊ ዜማ ቤተ ክርስቲያን ብዝግባእ ተጸኒዑን ተዓቂቡን ምስ ዓለም ከተላልይዎ እቲ ኃለፍነት ናትኩም’ዩ፡ እቲ ጊዜ’ውን ሎሚ እዩ’ሞ ጽንዑን በርቱዑን” ኢሉ።

ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ምስ ተገብረሎም ድኅሪ ሓፂር ዕረፍቲ ምስ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ጉባኤ ኣካይዶም። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ዝኃለፈ ታሪኽን፡ ህልው ምምኅዳራዊን ልምዓታውን ንጥፈታትን መጻኢ መደባትን መግለጺ ምስ ተዋህቦም፡ ዝምድና ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምስ WCC ዝጸንዓሉ ሓናፂ ሓሳባት ተለዋዊጦም። ዳይረክተር WCC ኣብ ኣፍሪቃ ዶክተር ንጉሠ ለገሠ ኣብ ዘስምዖ ቃል፦ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ኣባልነት WCC ተኣልያ ተሰጊጋ እያ ዝብል ሓሶት እዩ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መሰል WCC እናኣኽበረት ግቡኣ ኽትፍጽም ጸኒሓ እያ” ኢሉ። ኵሎም ልኡኻት WCC ብወገኖም ተመሳሳሊ ሓናፂ ሓሳባትን ሕቶታትን ምስ ኣቕረቡ ካብ ብፁዓን ጳጳሳት ዘዕግብ መልሲ ተዋሂብዎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ንኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ዘምጽእዎ ናይ መጻሕፍትን ናውቲ ጽሕፈትን ህያባት ምስ ሃቡ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።

ብመሠረት መርሐ ግብር፡ ልኡኻት WCC ኣብ’ዚ ናይዚ ኃሙሽተ መዓልቲ ጸንሖቶም ዝተፈላለየ ርክባትን ዑደት ናብ ቅዱሳን መካናትን ኽገብሩ እዮም።

ከምዝፍለጥ፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንጥፍቲ ኣባል WCC፡ FECCLAHA፡ AACC እያ።

WCC ንሓድነትን ዝምድናን ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ዝዓዪ፡ ልዕሊ 349 ዓለማውን ዞባውን ሃገራውን ኣብያተ ክርስቲያን ዝስዕብኦ ማኅበር’ዩ። ኣብ መስከረም 2003 ዓ.ም.ፈ. ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣባል ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ምዃና ይፍለጥ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195