banner

እንቋዕ ናብ በዓል መስቀል ብሰላም ኣብጽሓና “መስቀል ኃይልና እዩ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

“መስቀል ኃይልና እዩ"

መስቀል ምልክት ሰላምን ዕርቅን፡ ጽንዓትን ኃይልን እዩ። ከምቲ ሥጋዊ ኃይሊ ንምርካብ መዓዛታት ዘለዎ መግቢ ዘድሊ፡ ከምኡ ድማ መንፈሳዊ ኃይሊ ንምርካብ ጽኑዕ እምነትን ሠናይ ግብርን የድሊ እዩ። ትእምርቲ መንፈሳዊ ኃይሊ ኸኣ መስቀል እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ኽገልጽ ከሎ “ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ ነቶም እንኣምን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዩ።” በለ። (1ይ ቆሮ. ፩፥፲፰/1:18)

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዓለም ንምድኃን ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብገዛእ ፍቓዱ ንቅድስቲ ነፍሱ ካብ ቅድስቲ ሥጋኡ ፈልዩ ምእንታና ሞይቱ፡ ካብ ምዉታን ድኅሪ ምትንሣኡ፡ እቲ ዝተሰቕለሉ መስቀል ከም ፀሓይ እናኣብርሀ ሕሙማት ይፍውስን ምዉታን የተንሥእን ነበረ። ነዚ ዝረኣዩ ኣይሁድ ብቅንእን ክፍኣትን ተላዒሎም፡ ነቲ መስቀል፡ ዓሚቝ ጕድጓድ ኣዅዒቶም ቀበርዎ። ንኸይርከብን ስመ ዝክሩ ንኸይልዓልን ድማ ኵሎም ነበርቲ ኢየሩሳሌም ጐሓፍን ርስሓትን ዘበለ ኵሉ ኣብ ልዕሊኡ ንኽጕሕፉ ኣዘዙ። እቲ ዝቐበሩሉ ቦታ ኸኣ ክሳብ ጎቦ ዝኸውን ንኣስታት ሠለስተ ክፍለ ዘመን (፫፻/300 ዓመት) ደፈንዎ።


ኣብ ፬ይ/4ይ ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሠሉ ጊዜ፡ ዲዮቅልጥያኖስን መክስምያኖስን ዝተባህሉ ነገሥታት ሮም “አብያተ ክርስቲያናት ይተዓጸዋ፡ አብያተ ጣዖታት ይረኃዋ” ዝብል ኣዋጅ ብምእዋጆም፡ ኣብ ሕዝበ ክርስቲያን ዓቢይ ጭንቀትን ኃዘንን ኮነ። ነዚ ኣዋጅ ዝተቓወሙ ምእመናን ከኣ ከቢድ መከራ ገጠሞምን፡ ብዙኃት ብሰማዕትነት ኃለፉን። ኣብዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዝዕጸወሉ፡ ቤተ ጣዖታት ድማ ዝሰፍሓሉ ዝነበረ ጊዜ፡ እቶም ምእመናን ንንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ወትሩ ነዞም ነገሥታት ኣሕዛብ ከጥፍኣሎምን ካብ መከራኦም ከናግፎምን ይምሕፀንዎ ነበሩ። ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ድማ በቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝነበረ ብዙኅ ይኃዝን ነበረ። በዚ ኸኣ ንኽዋግኦም ኣብ ዝተንሥኣሉ ጊዜ ብራእይ “በዝ ትእምርተ መስቀል ትመውዕ ፀረከ/በዚ ምልክት መስቀል ዓወት ኽትረክብ ኢኻ” ዝብል ጽሑፍ ኣብቲ መስቀል ተቐሪጹ እናኣብርሀ ኣብ ሰማይ ተራእዮ። በዚ ተመሪሑ፡ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ፡ ኣብ ኵሉ ክሳድ ፈረስን ኣብ ማእከል ዋልታን ኣብ ጫፍ ኲናትን ምልክት መስቀል ገይሩ ንጸላኢ-ክርስቲያን ዝኾነ መክስምያኖስ ሥዒሩ ናብ ሮም ኣተወ ። ኣብ ሮም ዝነበሩ ምእመናን፡ በዚ ተሓጕሶም መስቀል ኃይልና’ዩ! እናበሉ፡ መስቀል ኂዞም ተቐበልዎ። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ብኃይሊ መስቀል ዓወት ምርካቡ፡ ኣብ ሰማይ ዝርኣዮ ትእምርተ መስቀልን፡ ኣብ ሮም ዝነበሩ ምእመናን ዝኃዝዎ መስቀልን ሓደ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ፡ በዚ መንገዲ’ዚ ክርስቲያን ንክኸውን ናብ ሊቀ ጳጳስ ሶል ጴጥሮስ ከይዱ ተጠምቀ። ኣደኡ ንግሥቲ እሌኒ ክርስቲያን ስለ ዝነበረት፡ ካብ ሕፃንነቱ ጀሚራ ብዛዕባ ናይ ጐይታና ምሥጢረ ሥጋዌ ፡ ሕማሙ፡ ስቕለቱ፡ ሞቱ፡ ትንሣኤኡን ዕርገቱን ተረድኦ ነበረት’ሞ እቲ ሥርዓት ክርስትና ሓድሽ ኣይኮኖን። ኣብ ዘመነ መንግሥቱ ድማ “አብያተ ክርስቲያን ይተዓጸዋ አብያተ ጣዖት ይረኃዋ” ዝብል ዝነበረ ኣዋጅ ተሪፉ፡ “ኣብያተ ክርስቲያናት ይትረኃዋ አብያተ ጣዖታት ይተዓጸዋ” ብዝብል ኣዋጅ ተቐየረ። እቲ ዘመን ተቐደሰ፡ ሰላም ሰፈነ፡ እግዚአብሔር’ውን ተመስገነ። ዘመነ ሰላምን ናጽነትን ምስ ኮነ፡ ነቲ ዝጠፍአ ምድላይ ልሙድ እዩ እሞ ንግሥት እሌኒ ነቲ ዝተቐብረ መስቀል ንክትደሊ ተበገሰት። ሠራዊትን ክኢላታትን ኣኸቲላ ናብ ኢየሩሳሌም ምስ ኣተወት፡ ነቲ ናይ ምድላይ ሥራሕ ብምህለላን ሱባኤን ጀመረቶ።

ብምሉእ ተስፋን ብዝገበረቶ ከቢድ ጻዕርን ኪራኮስ ዝበሃል ሽማግለ “ናይ ጐይታ መስቀል ኣብ ቀራንዮ ምህላዉ ኣቦታትና ይነግሩና ነይሮም” ብምባል ናብ ጎልጎታ ሓበራ። ንሳ ኸኣ እግዚአብሔር ገሊጹላ፡ ፈልዩ ነቲ ቦታ ንምሕባር ዕንጸይቲ ኣኪባ፡ ሓዊ ኣንዲዳ፡ ዕጣን ኣትኪኻ ትእምርቲ እግዚአብሔር ተጸበየት። “ዘይቅላዕ ክዱን ዘይፍለጥ ድማ ሥውር የልቦን” (ማቴ. ፲፥፳፮/10፥26) ከም ዝብል ኸኣ እቲ ትኪ ዕጣን ኣብ’ቲ መስቀል ተቐቢርዎ ዘሎ ቦታ ወሪዱ ምልክት ኣርኣየ። ነዚ ኽገልጽ ከሎ ቅዱስ ያሬድ “ሰገደ ጢስ በጎልጎታ ዘደፈኑ ኣይሁድ ዮም ተረክበ ዕፀ መስቀል/ ኣብቲ ኣይሁድ ዝደፈንሉ ጎልጎታ እቲ ትኪ ዕጣን ሰገደ፣ ሎሚ ድማ ዕፀ መስቀል ተረኽበ” ብምባል የረድእ። ኣብ’ቲ ቦታ ድማ ፲፯/17 መስከረም ኵዕታ ተጀመረ። ድኅሪ ብዙኅ ድኻም፡ ፲/10 መጋቢት መስቀል ተረኽበ። ንግሥት እሌኒ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀልን፡ ተወሳኺ ክልተ መሳቕልን ናይቶም ምስ ጐይታ ዝተሰቕሉ ሸፋቱን ረኸበት። ግና መስቀል ጐይታ ተኣምራታዊ ብምዃኑ ምዉት ምስ ኣተንሥአ በዚ ናይ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መስቀል ምዃኑ ተፈልጠ። ካብ ኢየሩሳሌም ክሳብ ቍስጥንጥንያ ዘለዉ ሕዝቢ ናይ ንግሥት እሌኒ ብሥራት ምስ ሰምዑ፡ መብራህቲ ኣብሪሆም ብምእካብ ብመዝሙርን ዕልልታን ሓጐሶም ገለጹ። ንግሥቲ እሌኒ ነቲ ንኣስታት ሠለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐቢሩ ዝነበረ መስቀል ብምርካባ ስለ ዝተሕጐሰት፡ ኣብ ቅዱሳት መካናት ማለት ኣብ’ታ ጐይታ ዝተወልደላ ቤተ ልሔም፡ ምሥጢረ ምጽኣቱ ዝነገረላ ደብረ ዘይት፡ ጐይታ ዝተሰቕለላን ዝተቐብረላን ጎልጎታን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተቐብረትላ ጌቴሴማኒን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሕነፀት። ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ብሊቀ ጳጳሳት ናይ ኣንጾኪያ ዝነበሩ ምስ ኵሎም ኤጲስ ቆጶሳት ሰዓብቶም፡ ነተን ዝተሓንፃ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ኣብ ፲፮/16 መስከረም ብዋዜማ ባረኽወን። ኣብ ፲፯/17 መስከረም ድማ ልክዕ ከም በዓል ትንሣኤ ብዓቢይ ክብሪ፡ ንቅዳሴ ቤቱ ኣኽበሩ። በዚ መሠረት ኢና ድማ ዓመት መጸ ፲፯ መስከረም ዳሜራ ጌርናን ሽግ ኣብሪህናን እነኽብሮ። እዚ ኸኣ ምሳሌ ናይቲ ከም ፀሓይ እናብርሀ ንጸልማት ዘርሓቐ መስቀል ክኸውን ከሎ ዳሜራ ድማ ንግሥቲ እሌኒ ዕጣን ኣትኪኻ ንመስቀል ናይ ዝረኸበትሉ ምሳሌ እዩ። ከምኡ’ውን እዚ ዘሎናዮ ጊዜ ወርኃት ክረምቲ ኃሊፉ ዕንባባታት ዝዕንብብሉ፡ ኣእካል ዝሽውትሉ፡ ብርሃን ፀሓይ ዝደምቀሉን ኵሎም ፍጥረታት ዝሕጐስሉን ሓድሽ ወርኃት ስለ ዝኾነ ሆየ (ሽግ) ኣብሪህና ንበዓለ መስቀል ብብርሃን ንቕበሎ ከም ዘሎና ዘመልክት እዩ።

ብምኽንያት ምብላዕ ፍሬ ዕፀ በለስ 5500 ዘመን ኣብ ጸልማት ሲኦል ወዲቖም ዝነበሩ ደቂ ኣዳም ብዕፀ መስቀል ኃይሊ ረኺቦምን ብርሃን ወፂእሎምን ተንሥኡ። ብመስቀል ክርስቶስ ኃይሊ ዝረኸቡ፡ ዓወት ዝተጐናጸፉ፡ ካብ ደዌ ኃጢኣት ዝነጽሑ፡ ካብ ደዌ ሥጋ ዝተፈወሱ፡ ካብ ርኹሳን ኣጋንንቲ ዝደኃኑን ዝተፈላለዩ ተኣምራት ዝተገበረሎምን ብዙኃት እዮም።

ስለዚ ነዚ እነኽብሮ ዘሎና በዓለ መስቀል ንኣጋንንቲ ንስዕረሉን፡ ሰላምን በረኸትን ንረኽበሉን ንክኾነልና ፡ ነቲ ዝተፈጸመልና ግብረ ምድኃን ብዝግባእ ተረዲእና ከምኡ”ውን ኣብ መልዕልተ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙን ዝተቘርሰ ሥጋኡን ብሓፈሻ ሕማማተ መስቀሉን እናሓሰብና ክኸውን ኣለዎ። መስቀል ብምስላምን ኣብ ክሳድና ብምእሳርን፡ ከምኡ ውን ብምምዕታብን ብምምስካርን ዘሎና ፍቕሪ ኽንገልፅን ካብኡ በረኸት ኽንረክብን ይግባእ ።

ቅዱስ ጳውሎስ “እስመ ነገረ መስቀሉሰ ዕበድ ውእቱ በኀበ ኅጉላን ወበኀቤነሰ ለእለ ድኅነ ኃይለ እግዚአብሔር ውእቱ” 1ይ ቆሮ ፩፡፲፰ ከምዝበሎ መስቀል ነቶም ብልቢ ኣሚንና ዝተቐበልናዮን በዓሉ እነኽብርን ኃይልና፡ መጽንዒናን መድኃኒና እዩ።

በዓል ሓጐስን ሰላምን ይግበረልና፡ በረከተ መስቀሉ’ውን ይኽፈለና!

መዝሙር በዓለ መስቀል
1. መድኃኒት ዕፀ ሕይወት /፪/
ዝንቱ ውእቱ መስቀል /፪/
ትርጕም ፥ “እቲ መድኃኒት ዝኾነ ዕንፀይቲ ናይ ሕይወት፡
እዚ መስቀል እዚ እዩ”
2. ዮምሰ ለእሊአየ /፪/
አበርህ በመስቀልየ /፪/
እስመ ለዓለም
መስቀል አብርሀ በከዋክብት አሠርገወ ሰማየ /፪/
እምኵሉሰ ፀሐየ አርአየ ።
ዘቅዳሴ ምንባብ፥ 1ይ ቆሮ. 1፡17-ፍጻሜ ፣ 1ይጴጥ. 2፡20-ፍጻሜ ፣ ግብ. ሓዋ. 5፡26-33 ፣ ወንጌል ዮሓ. 19፡25-37

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195