banner

ክቡር በዓል ቅዱስ መስቀል ብዓቢይ ድምቀት ተባዒሉ!

“ብመስቀሉ ዝኣመንኩም እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ኣብጽሓኩም”

በዓል ቅዱስ መስቀል ዓመት መጸ 17 መስከረም ብዓቢይ ድምቀት ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክበዓል ከሎ፡ ብፍላይ ግና ኣብ ሀገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ብፁዓን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን፡ ሰበ ሥልጣን መንግሥትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዲፕሎማሰኛታትን ልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም፡ ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ረቡዕ 17 መስከረም 2010 ዓ.ም. ብዓቢይ ክብሪ ተባዒሉ።


ብመሠረት መርሐ ግብር፡ ኵሎም ተሳተፍቲ በዓል በቦታኦም ምስ ኃዙ፡ ብመሪሕነት ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳስ ማእከልን ብጸሎት ተጀሚሩ። ብለባስያን ውሉደ ክህነት ዝተመርሐ ጸሎተ ሥርዓተ ቅዳሴ በጺሑ። ካብ መዝሙር 60፡4 “ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ” ዝብል ምስባኽ ምስ ተሰብከ፡ ካብ ወንጌለ ዮሓንስ ምዕራፍ 19፡25-27 ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ተነቢቡ።

ቀጺሎም ሊቃውንት መዘምራን ብመሪሕነት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን፡ ተቐበልቲ ድማ ደብረ ፀሓይ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ቤተ ክርስቲያንን ደብረ መካነ ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ቤተ ክርስቲያንን ምልጣን ምስ ተመርሐ፡ ያሬዳዊ ልብሲ ዝለበሱ ሊቃውንት “ዮምሰ ለእሊኣየ አበርህ በመስቀልየ” እናበሉ ብሸብሸቦ ንዳሜራ ዘይሮም።

ፍሬ ጽድቅ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት፡ ነቲ በዓል ዝምልከትን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝገልጽን መንፈሳዊ ትርኢት ኣቕሪቦም። ሕፃናት ስየ እናወዛወዙ ‘መስቀል ኃይልናን በጃናን መድኃኒናን እዩ’ ክብሉ ከለዉ፡ ኣደታት ከኣ ‘ተሓምበለየ ከም መስቀልዶ ኣሎ ዝኸበረየ’ እናበላ ወዲሰን።

ካብ ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ዝተዋፅኡ መንእሰያት ብዛዕባ ዘመነ ሰማዕታትን ምርካብ ቅዱስ መስቀልን ዝገልጽ መንፈሳዊ ተዋሥኦ ከምኡ’ውን ሠለስተ መዛሙር ኣቕሪቦም። ነቲ በዓል ዝምልከት ኣስተምህሮ ብኃላፊ ክፍሊ ጉባኤ ሊቃውንት መምህር ኤልያስ ሃብታይ ተዋሂቡ። መምህር ኤልያስ ኣብ ትምህርቶም “ መስቀል፡ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ ልዕሊ ዲያብሎስ ዝተዓወትሉ፣ ሕዝበ እግዚአብሔር እስራኤላውያን ንጸላእቶም ዝሰዓርሉ፣ ብደመ መለኮት ዝተቐደሰ . . . ብሓፈሻ ትእምርተ ድኅነት፡ ትእምርተ ዓወት እዩ። ስለዚ ስመ እግዚአብሔር ብምጽዋዕ፡ ትእምርተ መስቀል ብምግባር ካብ ፈተና ሥጋን ነፍስን ኽንድኅን ይግብኣና” ብምባል መልእኽቶም ኣኅሊፎም።

ኣብ መወዳእታ መስተበቍዕ ዘመስቀል ብንባብ ተደጊሙ ኣባታዊ ምዕዳን ተዋሂቡ ምህለላ ምስ በጽሐ፡ ብልኡኻት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለምን ኣመኃዳሪ ዞባ ማእከልን ተሰንዮም፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስን ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስን ነቲ ዳሜራ ብኣርባዕተ መዓዝን ባረኽዎ። ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ከኣ ሽግ ወሊዖም ንኣመኃዳሪ ዞባ ማእከል ሃብዎ እሞ ዳሜራ ተወልዐት።

ኵሉ ተሳታፊ በዓል፦ “ብመስቀሉ ዝኣመንኩም እንቋዕ ናብ ብርሃነ መስቀሉ ኣብጽሓኩም” ዝብል ናይ ሓባር መዝሙር እናዘመሩ፡ ሰዓት 11፡30 ቅ.ቀ. እቲ በዓል ብድሙቕ ሥነ ሥርዓትን ብመንፈሳዊ ተመስጦን ተፈጺሙ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195