banner

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሓጺር ታሪኽ ሕይወት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ
“ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚአብሔር” ናይ ጻድቕ ሞት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡር’ዩ። መዝ. 116፡15

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ጻድቅ ካብ ኣቡኡ ክርስቶስ ሞዓን፡ ኣደኡ ሥነ ሕይወትን ኣብ ኣውራጃ እንድርታ ጽራእ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወልዱ።

ኣብኡ ክርስቶስ ሞዐ ካብ ስድራቤት መኳንንቲ’ዩ ተወሊዱ፡ ክርቶስ ሞዐን ሥነሕይወትን ፍርሀት እግዚአብሔር ዝነበሮም ጻድቃን’ዮም ነይሮም፡ መዓልታዊ ሥነ ምግባሮም ንዝተጸገሙ መንገደኛታት ምርዳእ፡ ንኣረጋውያንን ሰብኡተን ንዝሞትወንን ምሕጋዝ፡ ብሓፈሻ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ከምቲ ሕጊ ወንጌል ዝእዝዞ፡ ንዝጠመየ የዐንግሉ፡ ንዝጸምአ የስትዩ ከምዝነበሩ ገድሎም ይገልጸልና።


ክርስቶስ ሞዐን ሥነሕይወትን ኣብ ቃል ኪዳኖም ጸኒዖም ኪነብሩ ከለዉ፡ ክሳብ ጊዜ እርጋኖም ውላድ ኣይነበሮምን፡ ሥነ ሕይወት ውላድ ብዘይምህላዋ ብዙኅ ትኃዝን ነበረት ኣብ ጸሎታ ድማ ውትሩ እናነብዐት ውላድ ኪህባ “ዎ ኣምላኸይ ንኣኻ ዘሥምር ግብሪ ጽድቂ ዚገብር ውላድ ሃበኒ፡ ኣብ ኃዘነይ ዝናዝዘኒ ንልበይ ዘረስርሰኒ ውላድ ሃበኒ እናበለት ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ትልምንን ትመባፃዕን ነበረት፡ ሥነ ሕይወት ልማኖኣ ናብ እግዚአብሔር በጽሐሞ ቅዱስ ገብርኤል ካብ እግዚአብሔር ተላኢኹ “ሓደ ቅዱስን ኅሩይን ንጹሕን ውላድ ክትወልዲ ኢኺ ብትምህርቱ ድማ ነቶም ብመንገዲ ጥፍኣት ዚመላለሱ ዓያሹ ብቓል ወንጌል ኪመልሶምን ከድኅኖምን’ዩ፡ ካብ ክልቲኡ ኣጥባተ መንፈስ፡ ክልተ ኣፍላጋተ ጥበብ ክውኅዝ’ዩ፡ ካብ ኦሪት ፀቃውዓ መዓር፡ ካብ ወንጌል ድማ ሓሊበ ኣእምሮ፡ ንዝዕቅቦ ዘየስክር ንዝኽተሎ ዘየውድቕ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዘውርስ ኪኸውን’ዩ በላ።

ሥነሕይወት ቃል መልኣኽ ምስ ሰምዐት ፈርሀት ክተወልዲ ኢኺ ስለዝበላ ድማ ኣዝያ ተሓጐሰት እቲ ዝሰምዓቶን ዝተበሠረቶን ኵሉ ድማ ንክርስቶስ ሞዐ ነገረቶ፡ ንሱ’ውን እቲ ዝኸውን ኵሉ ቅድሚኣ ፈሊጡ ጸንሐ፡ ድኅሪ ቁሩብ ጊዜ ድማ ሥነ ሕይወት ፀነሰት እሞ ብ21 ሐምሌ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተወልዱ፡ ማዕቀበ እግዚእ ኢሎም ድማ ሰመይዎም።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ትውልድ ምስ በሉ ጡብ ኣደኦም ክጠብዉ ከለዉ ኣዒንቶም ናብ ደማይ ኣንቃዕሪሮም ንእግዚአብሔር የምስግኑ ነበሩ፡ አደኦም ሥነ ሕይወት ትዕዘቦም ነበር’ሞ፡ በቲ ዝረአየቶ ዕፁብን ድንቅን ዝኾነ ነገር ድማ ከመይ ዝበለ ተኣምራትዩ’ዚ ከመዚ ሕፃን’ዚ ኣብ ቀዳሞት ኣቦታትና ይኹን ዳኅረዎት ፈጺሙ ኣይተረኽበን እናበለት ትግረም ነበረት።

በቲ እትርእዮ ዝነበረት መስደመም ነገር ድማ “ኦ ወልድየ ወብርሃነ ኣዕይንትየ መኑ መሀረከ ዘከመዝ ስብሐታተ” በለቶ እዚ ማለት “ኣንታ ወደይ ብርሃን ዓይነይ ናብ ኣምላኽካ ከተመስግንሲ እዚ ምስጋና’ዚ፡ እዚ ውዳሴ’ዚ መን መሃረካ በለቶም፡ ሕፃን ስለዝነበሩ ግና ምንም ኣይተዛረቡን።

እዚ ኅርየት’ዚ ካብ እግዚአብሔር’ዩ ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኤርሚያስ ነብይ “ኣብ ከርሢ ኣዴኻ ከይሓነፅኩኻ ሓሬኹኻ ከይተወለድካ ኸኣ ቀደስኩኻ ንኣሕዛብ ነብይ ክትከውን ድማ መደብኩኻ ዝበሎ ኤር. 1፡4-5 አቡነ ኤዎስጣቴዎስ’ውን ኣብ ከርሢ ኣደኡ ከሎ ካብ ዝተኃርየ ቅዱሳን ሓደ እዮም።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ “ብማዕቀበ እግዚእ” እናተጸውዑ ገና ትሕቲ ዕድመ ንእሽቶ ከለዉ ዝናኦም ኣብ ኵሎም መነኮሳት ተሰምዐ፡ ኵሎም መነኮሳት ድማ ብቕዓቱ ምስ ረኣዩ “መኑ መሀሮ ለዝ ሕፃን ዘመጠነዝ ጥበበ ወስብሐታተ” ነዚ ሕፃን እዝስ መን’ዩ ምሂርዎ እዚ ኵሉ ምስትውዓልን ምስጋና እግዚአብሔርንሲ መንፈስ ቅዱስ’ዩ ገሊጽሉ ዘሎ እንተለመነ ይሠምረሉ፡ ብሕፃኑ መኒኑ፡ ምስ መሓዙቱ እኳ ከመ ሕፃን ኣይተጻወተን፡ ኣይስሓቕን፡ ካብ ኣፉ ጸርፊ ይኹን ሕሜት ወፂኡ ኣይፈልጥን፡ ኣዒንቱ ካብ ሕማቕ ምርኣይ፡ ኣእዳዉ’ውን ዘይቅዱስ ነገር ካብ ምትንካፍ ኣእዛኑ’ውን ዘይቅዱስ ነገር ካብ ምስማዕ፡ ኣእጋሩ’ውን ካብ መንገዲ ጽድቂ ወፂአን ናብ መንገዲ ኃጢኣት ንኸይከይዳ ልዑል እግዚአብሔር ትጉሃን መላእኽቱ ልኢኹ ይዕቅቦ ኣሎ፡ እናአሉ ኵሎም መነኮሳት ብመንፈሳዊ ጥብኣት ኣቦና ኤዎስጣቴዎስ ይድነቑን ይግረሙን ስለዝነበሩ መዓረገ ዲቁና ይግብኦም’ዩ ኢሎም ብሥሙር ድምፂ ወሰኑ።

ኣቦና ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ንኡስ ዕድሜኦም ገና ቈልዓ ከለዉ መዓርገ ዲቁና ተቐበሉ፡ ከምቲ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ወአጠውቃ ለነፍስየ ወአገርሮ ለሥጋየ ወእትዐቀብ ከመ አነ ለርእስየ ምኑነ ኢይኩን ዘለባዕድ እሜህር” እዚ ማለት “ንኻልኦት እናሰብኽኩ (እናማሃርኩ) ንርእሰይ ዘይብቑዕ ምእንቲ ከይከውን ንሥጋይ እቐጽዖን እገዝኦን ኣሎኹ ዝበሎ 1ይ ቆሮ. 9፡27 አቡነ ኤዎስጣቴዎስ’ውን ዘርእይዎ ዝነበሩ ተልእኮ ንዓበይቲ መነኮሳ እናኽበሩን ነቶም ዝነኣሱ መነኮሳት’ውን ከይተረፈ እናተኣዘዙ ብዙኅ ተራዳእነት ከምዝነበሮምን ብፍላይ ንዝተደነሱን ንዝሓመሙን ንኣረጋውያንን ነታ እትዋሃቦም እትብላዕ መቝነን ትንኣስ ትዕበ ብሥውር እናዓደሉ ሰብ ከይፈለጦም ድማ ብሥዉር እናዓደሉ ሰብ ከይፈለጦም ድማ ብሥዉር ይጾሙ ከምዝነብሩ ብዅሉ ሥነ ምግባሮም እናተኣዘዙ ከም ሳሙኤል ነብይ ኣብ ቤተ እግዚአብሔር ከምዚዓበዩ ገድሎም ይገልጽ።

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ክሳብ ኣብ ምንኵስና ዚበጽሑ ማዕቀበ እግዚእ’ዩ ነይሩ ስሞም፡ መምህሮም ኣባ ዳንኤ፡ ኣልባሰ ምንኵስና ከልብስዎም ከለዉ ግና “ኤዎስጣቴዎስ” ኢሎም ሰመይዎም ትርጕሙ ከኣ ሥነ እግዚእ ማለት’ዩ፡ ኣቦና ኤዎስጣቴዎስ ሐዋርያዊ ተልእኮኦም ኣብ ዚፍጽሙሉ ዝነበር ጊዜ ንብዙኃት ዝተጋገዩ ካብ መንገዲ ጌጋ እናመለሱ፡ ንዝሓመሙ ኃይሊ እግዚአብሔር ተቐኒቶም በቲ ምሉእ እምነቶም እናሕወዩ ብዙኅ ትእምርትን ተኣምራትን ዚፈጸሙ ኣቦ እዮም።

ካብ ዝፈጸምዎ ተኣምራት ሓደ

ንኣርማንያ ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ ጊዜ ባሕሪ ተሳጊሮም ኪኸዱ ግድን ስለ ዝነበረ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኢያሪኮ ምስ በጽሑ ንሓደ በዓል መርከብ ንኣርማንያ ክማልኦም ሓተትዎ፡ ንሱ ግና ገንዘብ ክፈሉ በሎም፡ ኪከፍሉ ከም ዘይክእሉ ምስ ሓበርዎ ግና ክትከፍሉ እንተዘይኪኢልኩም ኣይማላእን ኢሉ ኣበዮም። ድኅሪ’ዚ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ነቶም ሾብዓተአ ደቆም “ደቀይ ኣብ ልብኹም ቂም በቀል ከይህሉ ይቕረ ተበሃሃሉ ሕሰም ከይበጽሓኩም ኢሎም መዓድዎም” ድኅሪኡ ነዊኅ ጸሎት ጸልዮም፡ ንዓጽፎም ኣብ ሠለስተ ዓጺፎም ብትእምርተ መስቀል ገይሮም ምስ ባረኽዎ ሰፍሐት። ንሶምን ደቆምን እናተንሳፈፉ ጕዕዞ ጀመሩ እግዚአብሔር ድማ ብየማንን ጸጋምን ዚሕልዉዎም መለእኽቲ ለኣኸሎም። ነቲ ኃዲግዎም ዝኸደ በዓል መርከብ ድማ ኣርከብዎ፡ እት ዋና መርከብ ምስ ረኣዮም ሰንበደ፡ ብምግራም ድማ ሃይማኖትካ እንታይ እዩ፧ መን’ከ ትበሃል፧ ኢሉ ሓተቶም፡ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከኣ ኣነ ሃይማኖተይን ስመይን ክርስቲያን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኃይለይ እዩ በልዎ። ቃል ጐይታ’ውን ኣብ ወንጌሉ “እት ብኣይ ዚአምን ከም’ቲ ኣነ ዝገብሮ ተኣምራት ኪገብር’ዩ እኳ ደኣ ካብ’ቲ ኣነ ዝገብሮ ንላዕሊ ኪገብር እዩ” ዮሐ. 14፡12 ኢሉ ዝተኣረቦ ቃል ብግብሪ ከምእተፈጸመ ንርኡ። ጕኦዞ እናቐጸሉ ኣብ ማእከል ባህሪ ካብ እቶም ሾብዓተ ደቆም ሓደ የማነብርሃን ዝተባሃለ ነቲ ዝነበሮ ቂም በቀል ስለ ዘይገደፈ ብቐዳድ ናይ ዓጽፎም ሞሊቑ ጠሓለ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ንዓሠርተው ትሽዓተ መዓልትን ለይትን ምስ ገበሩ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝርከባ ደሴታት ክልተ ልሳን ኣውጽኤን ኣነ እየ ዝቕበሎ ኣነ’የ ብምባል ከም ዝተቐዳደማ መጽሓፈ ገድሎም ይሕብረና።

ኣብ ሃገረ አርማንያ ዝሞተ ሕፃን ንምቕባር ዝተኣከቡ ሕዝቡ በቲ ገምገም ባሕሪ ኪኃልፉ ከለዉ ኣብ ልዕሊ ዓጽፊ ሰባት ተፃዒኖም ክመጽኡ ምስ ረኣዩ ነቲ ነገር ምእማን ስኢኖም ነቲ ሬሳ ኣንቢሮም ብኽያቶ ኣቛሪጾም ብምግራም እዞም ብዘይ መርከብ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዝኸዱ ሰብ ድዮም መለእኽቲ ወይስ ምትሓት፧ እናበሉ ከለዉ አቡነ ኤዎስጣጤዎስን ደቆምን ኣብ ምድሪ በጽሑ። እቶም ሕዝቢ ድማ ብጉያ ናብኦም ቀሪቦም ሰገዱሎም ንስኻ ሰብ ዲኻ ኣምላኽ፧ ኢሎም ሓተትዎም። እቲ በዓል መርከብ ድኅሪኦም ናብ ምድሪ በጽሐ’ሞ ከምዚ እናበለ ነቶም ሕዝቢ መስከረሎም፡ እዞም ኣቦ እዚኦም ክርስቲያን እዮም ዓቢይ ጸጋ እግዚአብሔር ዘለዎም ሰብ እዮም ኢሉ ብዓውታ ተዛረበሎም፡ እቶም ሕዝቢ ብፍርህን ብምግራምን ተመሊሶም ናብቲ ሬሳ ገጾም ብምኻድ ኪቐብርዎ ከልዕልቶ ምስ በሉ፡ ኣቦና ኤዎስጣቴዎስ ሓንሳኣእ አዕርፋ ብምባል ብሸነኽ ምብራቕ ኮይኖም ኣእዳዎ ዘርጊሖም ጸለዩ። ኦጐይታ ጸሎተይ ስሞዓኒ ከም’ቲ ንኤልያስ ጸሎቱ ሰሚዕካ ዝሞተ ሕጻን ወዲ ስራጵታ ሰበይቲ ዘተንሣእካ ንኣይ’ውን ጸሎተይ ስምዓኒ ብምባል ኣብ ልዕሊ እቲ ምዉት በጥ ብምባል ጸሎት ቀጸሉ ነፍሲ እቲ ሕፃን ኣብ ቦታኣ ተመልሰት። እቶም ሕዝቢ በዚ ነገር እዚ ብጣኦሚ ፈርሁ እቲ ወረ’ውን ኣብ ሙሉእ ኣርማንያ ተሰምዐ። ድኅሪ’ዚ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኣርማንያ ብጽቡቕ ኣቀባብላ ተቐበልዎም። ንአቡነ ኤዎስጣቴዎስ ባሪኾም ትምህርቲ ወንጌል ኪምህሩ ኣፍቀዱሎም። በዚ ከኣ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ብስብከተ ወንጌል ንሙሉእ ኣርማንያ ዞርዎ ንብዙኃት ኣረማውያን ናብ እምነት ክርስትና መለሱ። ብርግጽ ድማ “ቅሩብ እግዚአብሔር ለየዋሃነ ልብ” እዚ ማለት እግዚአብሔር ነቶም ብንጽሕና ልብን ትሑት መንፈስን ዚጽውዕዎ ቀረባኦም እዩ ከምዝበለ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሐዋርያት እምነት ወስኸና ምስ በልዎ “ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተልያትኩም ነዚ እምባ’ዚ ካብዚ ናብቲ ግዓዝ እንተ በልኩምዎ ይግዕዝ ዘይከኣለኩም ነገር የልቦን ከምዝበሎም።” ማቴ. 17፡20

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኅሩይን ቅዱስን ጻድቕ ስለ ዝነበሩ እዚ ኣደናቒ ተኣምራት’ዚ (ባሕሪ ኢያሪኮ ምስጋር) ብ15 ታኅሣሥ ከምዝፈጸምዎ ገድሎም የረድኣና፡ ስለዝኾነ ድማ ዓመት መጸ 15 ታኅሣሥ ተኸቢሩ ይነብር ኣሎ።

ዝተዋህቦም ቃል ኪዳን

አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ኣብ ኣርማንያ ብዙኅ ምስ መሃሩ ቅድሚ ምዕራፎም ጐይታ ተገሊጹ እዚ ዚሶብ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። “ተዝካርካ ዝገበረ፡ ገድልኻ ዝጸሓፈን፡ ዘጽሓፈን ቤተ ክርስቲያንካ ዝሓነፀ፡ ንቤተ ክርስቲያንካ ኣምኃ ዘቕረበ፡ ኣነ በረኸተ ሥጋን ነፍስን ክህቦ እየ፡ መንግሥተ ሰማያት ከውርሶ እየ” ዝብል ዓቢይ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ንደቆም ባሪኾምን ኣጽኒዖምን ኣብ ኣርማንያ ብሰላም ዓረፉ።

ከምቲ ጠቢብ ሰሎሞን ዝበሎ ኣቦታትካ ዘቖሙልካ ደረት ኣይተፍርስ” ምሳ. 22፡28 ከምኡ’ውን ነብያ ኤርምያስ “. . . ናብ ጐዳናታት ውፅኡ እታ ናይ ቀደም ጥንታዊት መገዲ ሕተቱ ብኣእውን ተመላለሱ ንነፍስኩም ዕረፍቲ ክትረክቡ ኢኹም” ዝበለና ኤር. 6፡16 ሎሚ’ውን ንሕና ሕግን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ከነፍርስን ክንልውጥን ዘይኮንናስ በቲ ካብ ኣቦታትና ዝተመሃርናዮ ጸኒዕና ክንነብር እዩ። ቅዱስ ኣቦና አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ዚኃለፍዎ ገድልን ዚረኸብዎ ክብርን ብምስትውዓል ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሃበና ሓደራ ክንፍጽም “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም መወዳእታ ንብረቶም እናተቋመትኩም ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ንሱ እዩ። ልብኹም በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቕሞም ብልዒ ዘይኮነስ ብጸጋ እንተ ጸንዐ ጽቡቕ እዩ እሞ ብብዙኅ ዝዓይነቱ ብጋሻ ትምህርቲ ኣይትስሓቱ” ዕብ. 13፡7-9 ከም ዝበለና ብእምነት ክንጸንዕ ይግባኣና።

ይትባረክ እግዚአብሔር ኣምላክ ኣበዊነ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195