banner

ልኡኻን ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ኣብ ኤርትራ ከካይድዎ ዝቐነዩ ምብጻሕ ሥራሕን ዑደትን ፈጺሞም!

ልኡኻን ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም ኣብ ኤርትራ ከካይድዎ ዝቐነዩ ምብጻሕ ሥራሕን ዑደትን ፈጺሞም!

ልኡኻን ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም፡ ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳውን ሓዋርያውን ዕዮ ምብጻሕ ሥራሕን ርክባትን ምስ ገበሩ፡ ሠሉስ 16 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት ዓንሰባ ናብ ጥንታዊ ገዳም ደብረ ሲና ዑደት ኣካይዶም። ኣብ ደብረ ሲና ምስ በጽሑ ኣበምኔት ናይቲ ገዳም ኣባ ዑቝባእግዚእን ኵሎም መነኮሳትን መነኮሳያትን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ንዅሉ ኣብቲ ገዳም ዝርከብ ጥንታውን ተኣምራታውን ቅርስን ኣደናቂ ቦታታትን ምስ ዞሩ፡ ጕዕዞኦም ናብ ከተማ ከረን ብምቕናዕ መንበረ ጵጵስናን ልደታ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ከረንን በጺሖም።


ንጽባሒቱ ረቡዕ 17 መስከረም 2010 ዓ.ም. ልኡኻን ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም፡ ኣብ ኣሥመራ ዝተገብረ ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል ምስ ተሳተፉ፡ ኣማሲዮም ናብ ሃገረ ስብከት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከይዶም። ብሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሓንስን ሠራሕተኛታት ሃገረ ስብከትን ምውቕ ኣቀባብላ ምስ ተገብረሎም፡ ኣንጊሆም ናብ ጥንታዊት ከተማ ኣዱሊስ ብምብጻሕ ብኃላፍቲ ቤተ መዘክር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ መግለጺ እናተዋህቦም ሓደ ብሓደ ተዓዚቦም።

ልኡኻን ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም፡ ኣብ ዝጸንሑለን መዓልታት ጽዑቕ ርክባትን ብብዝኂ ዑደታትን ብምግባር ናብ ዓርቢ 18 መስከረም 2010 ዓ.ም. ዘውግሕ ለይቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ላዕለዎት ኃለፍቲ መንበረ ፓትርያርክን ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሥመራ ብሰላም ተፋንዮም።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195