banner

ፀዓተ ክረምት - በአተ መፀው

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ፀዓተ ክረምት - በአተ መፀው

ፀዓተ ክረምት፦ ንወርኃ ክረምት መውፅኢ መፈጸምታ ጊዜ ክረምት ማለት እዩ። ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ወቕትታት፡ ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቕቲ ክረምቲ እዩ። ድኅሪ ዘመነ ክረምት ቀጺሉ ዝትካእ ካብ 26 መስከረም ክሳዕ 25 ታኅሣሥ ዘሎ ወቕቲ ኸኣ ዘመነ መፀው እዩ።

ዘመነ ክረምት ኃሊፉ ብዘመነ መፀው ክትካእ ከሎ ዝፈጥሮ ሓጐስ ኣሎ። ደቂ ሰባት፡ ነቶም ልምላሜ ተሰሊሞም ብዕንባባታት ወቂቦም ዝርኣዩ ጐላጕልን ጎቦታትን ከምኡ’ውን ነቶም ዝፈረዩ ኣዝርእትን ዝመልኡ ማያትን ገፆም ኣብሪሆም ክሳዶም ኣቕኒዖም እናተዓዘቡ ልቡናኦም ብሓጐስ ይመልእ።

ብፍላይ ብላዕሊ ዝናብ ብታሕቲ ጭቃ ተጻዊሮም ብንቕሓትን ትግሃትን ሓሪሶም ዝዘርኡ ሓረስቶት፡ ፀአተ ክረምት ኮይኑ ዘመነ መፀው ክኣቱ ከሎ ሓጐሶም ወሰን የብሉን።

ክረምት ኃሊፉ ዘመነ መፀው ክትካእ ከሎ ዝሕጐሱ ደቂ ሰባት ጥራሕ ኣይኮኑን። እቶም ብደመ ነፍስ ዝንቀሳቀሱ እንስሳታት’ውን ዝሕጐስሉ ዘመን እዩ።

ክቡር ልበ ኣምላኽ ነቢይ ዳዊት ብዛዕባ’ዚ ወቅት’ዚ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “ ንምድሪ ትሓልየላ፡ዝናብ ሰዲድካ’ውን ተጽግባ፣ ፍርያምን ሃብታምን ትገብራ፣ ንርባታት ብማይ ትመልኦ። ንምድሪ ድማ ኣዝርእቲ ኸም እተብቍል ትገብራ።ነዚ ዅሉ ኸኣ ኸምዚ ዝስዕብ ጌርካ ትገብሮ፦ንነግሕታት ተስትዮ፡ንድንኵላታ ትምድምዶ፡ ብዝናም ተለምልማ ንብቝላ ትባርኾ። ንዓመት ብሣህልኻ ትኽል፡ ንስኻ ኣብ ዘለኻዮ ጽጋብ ኣሎ።ሰውሕታት ብኸብቲ ይመልእ፣ ኰረቢት’ውን ብሓጐስ ይኽደን። ኣሳውሕ በባጊዕ ይኽደን፡ ግርሁታት ድማ ብእኽሊ ይጕልበብ። ኵሉ ኸኣ እልል ይብልን ይዝምርን።” (መዝ. 65፡9-13) 

ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን “እንሆ ክረምቲ ኃሊፉ ዝናም ዛርዩ ተወዲኡ፡ ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዜ መዝሙር በጽሐ፡ ድምፂ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ። በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መዓዛኡ የውፅእ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተይ፡ ተንሥኢ ጽብቕተየ ንዒ።” ክብል ተዛረበ። መኃልየ መኃልይ 2፡10-13። 

ድኅረ ኀለፈ ክረምት ወገብአ ዝናም፡

እንተ አርአይከ እግዚኦ ጽጌያተ ገዳም፡

አፈወ ሃይማኖት ነዓልድ ምስለ ፍሬ ምግባር ጥዑም፡

አትግሃነ ለስብሐቲከ ከመ ትጋሆሙ አዳም፡

ለፅብስት ንህብ ወትግህት ቃሕም።


ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195