banner

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ።

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ።

ብሕዝበ ክርስቲያን ዓመት መጽአ 29 መስከረም ዝኽበር ክብረ በዓል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክዝከር ከሎ ብፍላይ ግና ኣብ ቅድስት ኣርሴማ ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ሓውሻ፡ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ብዙኃት ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነትን ምእምናትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢይ መንፈሳዊ ድምቐት ተኸቢሩ።


ከም ልሙድ ዋዜማ ካብ ሰዓት 12፡00 ክሳዕ 2፡00 ድኅር ቀትሪ ስብሐተ እግዚአብሔር ምስ በጽሐ፡ ናይ ዕለቱ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ድማ ሰዓት 10፡00 ድ.ቀ. ተደዊሉ ብዓቢይ ተመስጦን መንፈሳዊ ሓበንን ክበጽሕ ኃዲሩ።

ብድኅር’ዚ ሰዓት 6፡00 ቅ.ቀ. ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡ ታቦት ብለባስያን ካህናትን ዲያቆናትን፡ ብሊቃውንት መዘምራንን ሕዝበ ክርስቲያንን እናተዓጀበ ሠለስተ ሳዕ ምስ ዖደ፡ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ደው በለ። ብሊቃውንት መዘምራን ንእግዚአብሔር ዘመስግንን ንቅድስና ሰማዕት ኣርሴማ ዝገልጽን ያሬዳዊ ዜማ ምስ ቀረበ፡ ብሰባኬ ወንጌል ቀሲስ ኣሮን ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ተዋሂቡ። ቀሲስ ኣሮን ኣብ ትምህርቶም፦ ቅድስት ኣርሴማ ምእንቲ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ሃይማኖታን መሪር ገድሊ ዝተጋደለት፡ ንሕና ድማ ነቲ ቅዱሳን ምእንቲ ሃይማኖቶም ዝተቐበልዎ መከራ እናዘከርና ኣብ ሃይማኖትና ኽንጸንዕ ይግብኣና ብምባል ሰፊሕ ትምህርቲ ምሂሮም።

ቀጺሎም ኣገልጋሊ ቅድስት ኣርሴማ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ቀሲስ ኪዳነ “ንሕና ክንዓዪ ኢና እግዚአብሔር ኣምላኽና ድማ ከቅንዐልና እዩ” ዝብል ኃይለ ቃል መሠረት ገይሮም መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ልምዓታዊ ዕዮን ቅድስት ኣርሴማ ቤተ ክርስቲያን ኣበይ ከምዝበጽሐን እንታይ ከም ዝተርፎን ገሊጾም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ‘ሰላመ አብ’ ታቦት ኣብ መንበር ክብሩ ምስ ኣተወ ናይቲ በዓል ፍጻሜ ኮነ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195